ኤርትራ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ 50.4 ሚእታዊት ጥራይ ሓሊፎም

ተፈተንቲ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ

ምንጪ ስእሊ, Hadda Ertra

መግለጺ ስእሊ, ተፈተንቲ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ [ሓዳስ ኤርትራ]

ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ ሻምናይ ክፍሊ ዓመተ ትምህርቲ 2021-2022 ካብ ዝተሳተፉ ተመሃሮ፡ እቶም 50.4 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝሓለፉ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ኣሃዱ ሃገራዊ መርመራ ሻምናይ ክፍሊ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መምህር ሃብተ ኣስፍሃ ምስ ቴለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ካብቶም 48 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባኦም 54,578 ተፈተንቲ፡ ብሓፈሻ 27,507 ከምዝሓለፉ ገሊጹ።

ኣብቲ ካብ 8 ሰነ ክሳብ 10 ሰነ ዝተኻየደ ሃገራዊ መርመራ፡ 5 ዓይነታት ትምህርቲ፣ ቊጽሪ፡ እንግሊዝ፡ ማሕበራዊ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ዜግነትን ስነ-ፍልጠትን ዘጠቓልል እዩ ነይሩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ 397 ኣብያተ ትምህርቲ ንፈተና ዝተዳለዉ ልዕሊ 54 ሽሕ ተመሃሮ ኣብ 430 ማእከላት መርመራ ከምዝተፈተኑ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ካብቶም ተፈተንቲ 26,156 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝነበራ ገሊጹ።

ካብቶም ተፈተንቲ 812 ተመሃሮ ልዕሊ 90 ነጥቢ ከምጽኡ እንከለዉ ካብዚኦም እተን 54% ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን’ውን መምህር ሃብተ ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ካብ ዝተፈተኑ ተመሃሮ ብምሉኦም ክሓልፉ እንከለዉ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝተፈተኑ፡ 25.5 ሚእታዊት ጥራይ ብምሕላፎም እታ ዞባ ዝተሓተ ነጥቢ ዘመዝገበት ዞባ ኰይና ኣላ።

ዞባ ማእከል፡ 70.1 ሚእታዊት ካብ ተፈተንታ ብምሕላፍ ዝለዓለ ነጥቢ ዘመዝገበት ዞባ ክትኸውን ክኢላ።

ዞባ ዓንሰባ 46.6 ሚእታዊት፡ ዞባ ደቡብ 48.3 ሚእታዊት፡ ጋሽ ባርካ 39.9 ሚእታዊት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ 50.4 ሚእታዊት ኣሕሊፈን ኣለዋ።

ካብቶም ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝተፈተኑ 71.7 ሚእታዊት፡ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል 72 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ’ውን እቲ ሓላፊ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት 40 ሚእታዊት ዝነበረ መሕለፊ ነጥቢ፡ ሎሚ ዓመት ናብ 45 ነጥቢ ክብ ከም ዝበለ መምህር ሃብተ ሓቢሩ።