ኣገዳስነትን ኣበርክቶን ትምህርቲ ኣብ ዕቤትን ምዕባለን

ምንጪ ስእሊ, DEA / C. SAPPA
ትምህርቲ ንፖለቲካ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ምዕባለን ዕቤትን መገዲ ዝኸፍት ቀንድን ወሳንን መሳርሒ ምዃኑ ዘየማትእ ዓለማዊ ተረድኦ እዩ።
"ትምህርቲ፡ ኣብ ምውጋድ ጥሜትን ድኽነትን፡ ጾታውን ዓሌታዊ ኣድልዎ፡ ኣብ ምንካይ መጠን ሞት ኣዴታትን ሕጻናትን፡ ኣብ ምፍጣር ግንዛቤ ተላገብቲ ሕማማትን ምክልኻሎምን ዝለዓለ ኣበርክቶ ዘለዎ ህዝባዊ ዕጥቂ እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ መምህር ምዕባለን ጉዳያት ስደተኛታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ።
እቲ ቀንዲ ዕጥቂ ምዕባለ ሓደ ሕብረተሰብ ትምህርትን ፍልጠትን እዩ። ሓደ ተማሂሩ ሞያን ክእለትን ዘጥረየ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ትካላት መንግስትን ብሕትን ተቖጺሩ፡ ወይ ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል መስሪቱ ርቡሕ እቶት ክረክብ ይኽእል እዩ። በቲ ዝረኽቦ እቶት ከኣ ንስድርኡን ቤተሰቡን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ንሕብረተሰብን ሃገርን ክጠቅም ይኽእል እዩ።
ትምህርቲ ግን ብቑጠባዊ እቶትን ኣበርክቶን ጥራሕ ኣይኮነን ዝምዘን። ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዝፈጠሮ ንቕሓትን መንቋሕቋሕታን እዩ ዝያዳ ዝልካዕ። ይብሉ ኣብ ኢንተርናሺናል ጆርናል ትምህርቲ፡ "ነቐፌታዊ መጽናዕቲ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ" ብዝብል ኣርእስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዝሓተሙ ቴድሮስ ስዩምን ሙሴ ተሰማን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ምሁራት።
ትምህርቲ ነቲ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ብሕርሻን መጓሰን ዝነባበር ክፋል ሕብረተሰብ ደረጃ መነባብሮኡ ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ንምምሕያሽ ዓቢ ዕድል ይኸፍት። ነታ ኣካል ፍርቂ ሕብረተሰብ ኣደን ሓፍትን ጓለ'ንስተይቲ፡ ብምምሃርን ምንቃሕን ናብራ ዕብየት የስፍሕን የዕብን።
ትምህቲ ዕጥቂ ምዕባለን ዕቤትን ሕብረተሰብ ስለዝኾነ እዩ ከኣ ሕቡራት ሃገራት " ትምህርቲ ከም ሰብኣዊ መሰል አህዛብ ክረአን፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ክወሃብን ኣለዎ ብምባል ከም ኣድማሳዊ መሰል ኣብ ዓንቀጽ ሕቡራት ሃገራት ብምቕማጥ፡ ጥሪ 24 ኣህጉራዊ መዓልቲ ትምህርቲ ኮይና ክትበዓልን ክትዝከርን ኣሚሙ ብቐጻሊ ዝሰርሓላን ዘኽብራን።

ብደሆ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣብ ዘበነ ኮቪድ
እቲ ንሃገራት ዓለም ብመገዲ ትምህርቲ ሳይንስ ባህልን መራኸቢታትን ብምትሕብባር ሓባራዊ ርግኣትን ሰላምን ኪሰፍን፡ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ክነግስን መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበርን ኣበርክቶ ዝገብር ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዩኔስኮ ሕብረተሰብ ዓለምና ነቲ ኣብ 2030 ከብጽሖ ዝሓለነ "ምርግጋጽ ትምህርቲ ንኹሉ!" ነዊሕ ጉዕዞ ተሪፉዎ ክነሱ ለበዳ ኮቪድ ተወሳኺ ጸቕጥን ምጕታትን ብምፍጣሪ ከምዘተሓሳሰቦ ይሕብር።
ለበዳ ኮቪድ፡ ከም ንኹሉ ጽላታት ቁጠባን ማሕበራዊ ርክባትን ንዓውደ ምምሃርን ምስትምሃርን እውን ብኸቢድ ጸልይዎ ይርከብ።
በዚ ለበዳ እዚ መባእታን ማእከላይ ደረጃን ጥራሕ ዘይኮና ኮሌጃትን ዩኒቨርስታትን መወዳእታ ዘይብለን ናይ ስልጠና መምሃሪ ትካላትን ካብ ንቡር ስርሐን ተሰናኺለን መማህራንን ተማሃሮን ተጸጊሞም ኣለው። እዚ ከኣ ኣብ ኩለን እተን ፊደል ዘቑጽራን ፍልጠት ዘስንቓን ትካላት ትምህርቲ ልዕሊ 190 ሃገራት ዓለምን ኣስታት 1.6 ቢልዮን ተማሃሮን እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።
ከም ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ፈለማ ብኮቪድ፡ ዳሕራይ ከኣ ኣብ ከም ክልል ትግራይ ዝኣመሰላ ብወተሃደራዊ ግጭት ዝተጸምዳ ክልላት፡ መስርሕ ትምህርቲ ተሰናኺሉ ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ኮሌጃት ትምህርቲ ይቕጽል እኳ እንተሎ፡ ብፍላይ ብሰንኪ ብዝሒ ዝርገሐ ኮቪድ ኣብዚ ቐረባ ሳምንታት ብዝጸንዐ ዕጽዋ ስርዓት ምምሃርን ምስትምሃርን ፈጺሙ ተዓናቒፉ ኣሎ።

እቲ ምስንኻል ትምህርቲ ኣብ መላእ ዓለም ስለዝኾነ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም ልዕሊ ዝኮነ እዋን ኣብ መስርሕ ምስትምሃርን ክትተሓጋገዝ፡ እተን ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ክእለትን ዘለወን ሃገራት ከኣ ነተን ትሑት ዝቑጠበአን፡ ዓቕምን መሳለጥያታትን ዝጎድለን ሃገራት ክሕግዘአን ይምሕጸን።
ሕቡራት ሃገራት ከኣ፡ ብኣጋጣሚ እቲ ኣብ ጥሪ 24 ዓመታዊ ዝበዓል መዓልቲ ትምህርቲ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ፡ ኩለን መሻርኽቲ ሃገራት ክቕበለኦን ክሰርሓሉን የዘኻኽር። እዚ ሕብረትን ሓድነትን ዓለም ዝጠልብ ዘሎ ህሞት፡ ኣብ ሕውየትን ተሃድሶን ስርዓት ትምህርቲ ኣዎንታዊ ኣበርክቶ ክገብር ትጽቢት ከኣ ጻውዒት ይገብር።
ሰነዳት ዝኽሪ እቲ ዕለት ከኣ፡ "ንጽላት ትምህርቲ ብዓለማዊ ምትሕግጋዝ ኣደልዲልካ ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ምሕዋይ ንጽባሕ ዘይትብሎ ዕማም እዩ" ብምባል ዪነስኮን ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝግደስ ኩሉ መሻርኽቲ ኣካላትን፡ ንኣገዳስነት ትምህርቲ ብምጕላሕ፡ ብኮቪድ ተዓናቒፉ ዘሎ ኣብ ባይታ ብግብሪ ንምስፍሑን ብቐጻሊ ይሰርሓ ምህላወን ይገልጽ።
ትምህርቲ መሰል እዩ
ትምህርቲ፡ ንኹሉ ወዲ ሰብ ዝግበኦ ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ፡ ኣብ ዓንቀጽ 26 ኣህጉራዊ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት (1948) ሰፊሩ ኣሎ። እቲ ኣብ 1989 ብብዙሓት ኣባል ሃገራት ዝጸደቐ እማመ፡ ነብሲ ወከፍ ቖልዓ ብናጻን ግዴታን መባእታዊ ትምህርቲ ክወስድ የተሓሳስብ።
"እቲ ዝያዳ ዝተማህረ ሕብረተሰብ'ዩ ንትምህርቲ ናብ ዝለዓለ ምህዞ ቴክኖሎጂን ፍርያትን ዝትርጉሞ" ዝብል ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት። እቲ ብቑዕ ትምህርቲ ዝተማህረ ኣካል ርቡሕ እቶት ኣብ ዝርከቦ ስርሓት ብምስታፍ ቊጠባዊ ዕቤት ከመዝግብ ዕድል ከምዘለዎ ይገልጽ። ምሁራት ምስ ዝበዝሑ ከኣ ርቡሕ ኣታዊታት ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ይስስን እሞ ቁጠባ ሕብረተሰብ ይዓቢ ከኣ ይብል።
እንተኾነ ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ዝተርፎ "ምርግጋጽ ምዕሩይ ትምህርቲ ንኹሉ" ዝብል መትከል ሕቡራት ሃገራት ንመላእ ሃገራት ዓለም ኣንቀጥቂጡ ብዘሎ ኮቪድ ይጉተት ምህላው ዩኔስኮ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Sean Gallup / Getty Images
ይብል ከኣ፡ "መሰል ትምህርቲ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መሰረታዊ መትከላት ሸቶታት ሚለንዩም ትምህርቲ 2030 እዩ። ኣብ ውጥን ራብዓይ ስሉጥ ምዕባለ ሸቶታት ሚለንዩም ቀሪቡ ከምዘሎ፡ ትምህርቲ ንሕብረተሰብ ዓለም ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዘገላግል ቀንድን መሰረታውን ምዕባለ ዕቤትን ብልጽግናን እዩ። ይኹን እምበር ገና ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቘልዑን ዓበይትን ብሰንኪ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ቊጠባውን ረቛሒታት ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣይረኽቡን ዘለው።
ስለዝኾነ ከኣ ዩኔስኮ ንኹለን ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ኣህጉራዊ ሕጋዊ ግዴታታት የንብር። " ነብሲ ወከፍ ቖልዓ ብናጻን ብግዴታን ብዝወሓደ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ከምሃር ኣለዎ" ዝብል መርገጽ ኣለዎ።
ዝርገሐ ትምህርቲ ንበይኑ እውን እኹል ኣይኮነን። ድሕሪ ምስፋሕን ምዝርጋሕን ትምህርቲ ዝመጽእ ከኣ ብቕዓትን ጽሬትን ደረጃን ትምህርቲ ምርግጋጽ እዩ። እዚ ከኣ ማዕረ ማዕረ እቲ ምስፋሕን ምዝርጋሕን ክስረሓሉ ዘለዎ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ ይብል ሕቡራት ሃገራት ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ዓለማዊ መዓልቲ ትምህርቲ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







