ኢትዮጵያ፡ ሕብረተሰቡ ኣኪቡ ዝምህር ተመሃራይ 11 ክፍሊ

ሳሮ እናመሃረ

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ቦረና፡ ወረዳ መታ ወያ፡ ቀበሌ መታ ኣርባ ተወሊዱ ዝዓበየ ሳሮ ገልገሎ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰናደኦ ቦርቦር ተመሃራይ 11 ክፍሊ እዩ፡፡

ኩሉ ሳዕ ቀዳም ካብቲ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ናብቲ ቤተሰቡ ዝርከቡሉ መታ ኣርባ ንምኻድ 43 ኪሜ ይጓዓዝ፡፡

ሳሮ ኩሉ ግዜ ናብ ከባቢኡ ኣብ ዝኸደሉ፡ ነበርቲ እታ ቁሸት፡ ካብ ተሌፎኖም ዝደልይዎ ቑጽሪ ኣውጺኦም ንምድዋል ክጽገሙ ይርኢ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብተን ምስ ስድራኡ ዘሕልፈለን ቀዳምን ሰንበትን፡ እቶም ነበርቲ፡ ተሌፎኖም ሒዞም ብምምጻእ ናብ ዝደልይዎ ሰብ ደውለልና ይብልዎ፡፡

ሽዑ፡ ‘‘ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ እየ ናብዚ ቁሸት ዝመጽእ፤ ስለዚ ንምንታይ ኣነ ኣብዘየለኹሉ እውን ባዕሎም ኣንቢቦም ክድውሉ ዘይገብር?’’ ክብል ሓሰበ፡፡

ነዚ ሓሳብ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ምስኣካፈሎም፡ ክመሃሩ ተሰማሚዖም፡፡

‘‘ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ንትምህርቲ ህንጡይ እዩ፡፡ ክትምህሮም እንከለኻ ክንዲ ዝኽእልዎ ብንቕሓት እዮም ዝሳተፉ’’ ይብል፡፡

ሳሮ ምምሃር ኣብ ዝጀመረሉ ዓመት፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቀዳማይ ብርኪ ከም መምሃሪ ይጥቀም ነይሩ፡፡

እንተዀነ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ድርቂ፡ እቶም ነበርቲ ናብ ካልእ ከባቢ ተሰዲዶም፡፡

እዚ ግን ንዕላማኡ ኣየሰናኸሎን፡፡ ኣብቲ ነበርቲ እታ ቑሸት ተፈናቒሎም ዝተዓቘቡሉ ከባቢ ኣኪቡ ምምሃር ቀጺሉ፡፡

ሳሮ፡ ዛጊት ንነበርቲ እታ ቁሸት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣምሂሩ እዩ፡፡

ትምህርቲ ብሰንኪ ኮቪድ ኣብ ዝተቛረጸሉ እውን ይምህር ከምዝነበረ ይገልጽ፡፡

‘‘ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝዕጸወሉ እዋን ናብ ቁሸተይ ከይደ፡ ነቶም ነበርቲ ኣብ እግሪ ገረብ ኣኪበ እየ ዘምህሮም’’

ሳሮ እናመሃረ

ዛጊት ልዕሊ 94 ዓበይቲ፡ 123 ድማ ዕድመኦም ካብ 5 ክሳብ 30 ዝዀኑ ተመሃሮ ፊደል ኣቑጺሩ እዩ፡፡

ሳሮ ተመሃሮኡ ብውሑድ መሰረታዊ ፊደል ክፈልዩ ገይሩ እዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ቀሊል ሕሳብ ምቕማር ክኽእሉ ገይሩ፡፡

ኣብዚ ዓመት ድማ 112 ሓደስቲ ተመሃሮ፡ ክመሃሩ ከምዝተመዝገቡ ይገልጽ፡፡

ወለዲ ሳሮ ትሸዓተ ቈልዑ ዝወለዱ ኰይኖም፡ ሳሮ መበል ሻብዓይ እዩ፡፡

ካብ ስድራኡ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕድል ዝረኸበ እውን ንሱ ጥራሕ እዩ፡፡

ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ዝለዓል ድርቂ፡ ካብ ትምህርቲ ክተኣጓጎል ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ከምዝነበረ ይገልጽ፡፡

‘‘ቤተሰበይ ብድርቂ ዝነበሮም ኩሉ ምስ ሰኣኑ ንባዕለይ ከምህር ወሲነ፡፡ ኣብ ከተማ ቦርቦር ናብ ዝርከቡ ኣዝማድና ከይደ ትምህርተይ ቀጺለ’’ ይብል፡፡

ተመሃራይ ሓምሻይ ክፍሊ ኰይኑ ሞተር ሳይክል ምዝዋር ከምዝተማህረ ዝገልጽ ሳሮ፡ ስራሕ እናሰርሐ ክሳብ ሻብዓይ ክፍሊ ከምዝተምሃረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ጓል 60 ዓመት ሎኮ ሳራ ዋቆ፡ ኣደ ሸሞንተ ቈልዑ ኰይነን ሳሮ ንሰለስተ ወርሒ ምንባብን ምጽሓፍን ከምዝመሃረን ይዛረባ፡፡

‘‘ኣርባዕተ ደቀይ እውን የምህር ኣለኹ፡፡ ካብ ስልከይ ሽምን ቁጽሪ ስልኪን ፈልየ ከውጽእ ኣይክእልን ነይረ፡፡ ኩሉ ሻብ እናሓተትኩ እየ መን ከምዝደወለለይ ዝፈልጥ ነይረ፡፡ ሎሚ ግን ባዕለይ ስልኪ ቑጽሪ ምጽሓፍ፣ ኣንቢበ ምፍላይን ይኽእል እየ’’ ብምባል ንሳሮ የመስግና፡፡

 ተምሃሮ

ኣቶ ጃተኒ ሶራ እውን ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ እዩ፡፡

መዓልታዊ ምስኡ ዝመሃሩ 41 ሰባት ከምዘለዉ ይገልጽ፡፡

ነዞም ኩሎም ተመሃሮ ዘምህር ሓደ መምህር ጥራሕ ምዃኑ ግን ሕቶ ይፈጥረሉ፡፡ ብተወሳኺ እዚ ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ምስተጀመረ፡ ናብ ከተማ ተመሊሱ ስለዝኸይድ፡ ትምህርቶም ክተኣጓጎል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ፡፡

ጣዕሚ ቀለም ፈሊጦም፡ ብርሃን ፍልጠት ርእዮም፡ ትምህርቲ ከቋርጹ ኣይደልዩን፡፡

ኣብ ስልኮም ዘሎ ቁጽርን ሽምን ምንባብ ንክኽእሉ ዝተጀመረ ትምህርቲ፡ ኣብዚ እዋን ብዙሓት ትምህርቲ ክፈትዉን ዝበለጸ ንምምሃር ክደልዩን ከምዝገበረ ሳሮ ይገልጽ፡፡

መምህር ናይ ምዃን ድልየት ኣለካዶ? ዝብል ሕቶ ቢቢሲ፡ ‘‘ወይከ!’’ ዝብል ምላሽ ይህበሉ፡፡ ስለዝጸልኦ ዘይኮነ ግን ምምሕዳር ህዝቢ ከጽንዕ ስለዝደሊ እዩ፡፡

ዋላ'ኳ ዘበነ ትምህር እዚ ዓመት ምስተጀመረ ናብ ከተማ ቦርቦር ከይዱ 12 ክፍሊ ትምህርቱ ዝቕጽል እንተዀነ፡ ኩነታት እቶም ኣብ ቁሸቱ ዘምህሮም ሰባት ግን የሻቕሎ፡፡

ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ነዚ ስለዝተረድኡ፡ መምህር ተመዲብሎም ትምህርቶም ክቕጽሉ ንምምሕዳር እቲ ከባቢ ከምዝሓተቱ ገሊጾም፡፡