ብሰንኪ ወርሓዊ ጽግያት ካብ ትምህርቲ ንዘብኩራ ደቂኣንስትዮ መናፅሂ እትህብ ኢትዮጵያዊት

ምንጪ ስእሊ, DR DERARETU
ዶክተር ደራርቱ ነጋሽ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ መምህር ኮይና ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ሰላሌ ድማ ሓፈሻዊ ሓኪም እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ እትሰርሓሉን እትምህረሉን ከባቢ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ዝገበረቶ ምብፃሕ፡ ናብቲ ሎሚ ትሰርሖ ዘላ ሰናይ ተግባር ንኽትኣቱ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።
“ዓሚ ናብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ክበጽሕ ክኢለ እየ። ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ካብ ትምህርተን ከምዝተርፋ ሪኤ" ትብል ዶክተር ደራርቱ።
ብፍላይ ኣብ ገጠራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ትምህርቲ ዘቋርፃሎም ምኽንያታት ብዙሓት እዮም።
ዶክተር ደራርቱ ቅድሚ ናብተን ኣብያተ ትምህርቲ ምብጽሓ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት መናፅሂ ስለዘይረኽባ ካብ ትምህርቲ ክቦኽራ እየን ኢላ ሓሲባ ኣይትፈልጥን።
“ኣብተን ዝበጻሕክወን ኣብያተ ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ኣዘራሪበ እየ። ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያት ብግቡእ ከም ዘይመሃራ ነጊረናኒ።
መምህራን ነቲ ዛዕባ ሽፍንፍን ኣቢሎም ምሕላፍ እምበር ጽቡቕ ጌሮም ከም ዘይገልጹለን ተገንዚበ" ትብል።
ኣብ ገጠራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ወርሓዊ ጽግያት ክርእያ ከለዋ ንስድራቤተን ብግልጺ ብምዝራብ መናፅሂ ክግዝኣለን ልሙድ ኣይኮነን።
ሓደ ካብቶም ምኽንያታት ድማ እቶም ሓረስቶት ኣብ ፅጉም ኩነታት ናብራ ስለዝነብሩ ነቲ መናፅሂ ወርሓዊ ክዕድጉ ከምዝፅገሙ ተገንዚባ።
"ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ወርሓዊ ጽግያት ምስ ኣጋጠመን እንታይ ከም ዝጥቀማ ምስ ሓተትክወን፡ ገሊኤን ጨርቂ፤ ገሊኤን ድማ ዒባ፡ ካልኦተን ድማ ደም ወርሓዊ ጽግያት ንኸይረኣይ ብዝብል ሓመድ ከም ዝጥቀማ ሓቢረናኒ።
"ምታንቲ’ኳ ዘይብለን ከምዘለዋ ዝሓበራኒ ነይረን። እዚ ምስ ሰማዕኩ እየ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ክሓስብ ዝጀመርኩ" ትብል እታ ዶክተር።
ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝርእያሉ እዋን መናፅሂ ስለዘይብለን ጥራይ እንተወሓደ ካብ 4 ክሳብ 10 መዓልታት ካብ ትምህርቲ ከም ዘብኩራ ካብ መምህራን ሓበሬታ ምርካባ ትዛረብ።
ነዚ ኣብ ትምህርታዊ ተሳትፎን ውፅኢትን ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ፅልዋ ዝፈጥር ዘሎ ጉዳይ ንምፍታሕ፡ ኣብቲ እትምህረሉ ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ምስ ዝርከቡ ኣዕሩኽታን መሳርሕታን ኮይና ክትሰርሕ ጀመረት።
"ምስ ዩኒቨርስቲናን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትናን ብምትሕብባር ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ መናፅሂ ናይ ምቕራብ ስራሕ ጀሚርና። በዚ ድማ ኣብ ሰሜን ሽዋ ንዝርከባ 18 ኣብያተ ትምህርቲ ንኽልተ ዓመት ዝኸውን መናፅሂ ኣቕሪብና" ትብል ዶክተር ደራርቱ።
ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ድማ ሰባት ኣብ ዕለተ ልደቶም፡ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ መናፅሂ መዕደጊ ዝኸውን ገንዘብ ከወፍዩ እናገበረት ኣብ ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝርከባ ተምሃሮ ዝውዕል ሓገዝ ኣተኣኻኺባ።
“እቶም ብምኽንያት ዕለተ ልደተይ ህያብ ክህቡኒ ዝደልዩ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ መናፅሂ ገዚኦም ክህቡኒ ሓቲተ። ብመሰረት እዚ ካብ ውሽጥን ወፃእን ብዙሓት ሰባት ሓጊዞምኒ እዮም" ትብል።
በዚ ኣቢላ ድማ ን467 ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ንኽልተ ዓመት ዘገልግል ሙታንታን መናፅሂ ፅግያትን ክትህብ ክኢላ።

ምንጪ ስእሊ, DR DERARETU
ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ወርሓዊ ጽግያት ምስ ጀመረን ዘጋጥመን ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ንምብዳህን ወርሓዊ ጽግያት ባህርያዊ ህያብ እምበር ዘሕፍር ነገር ከምዘይኮነ ንምምሃርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ናይ ምንቃሕ ስራሕ ኣብ ምክያድ ትርከብ።
ብተወሳኺ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ናይ ደቂኣንስትዮ ጉጅለታት ክጣየሳ ትገብር ከምዘላ ትዛረብ።
ንደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ እውን መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ኣብ ዝውድኣሉ እዋን ብዘይ ዝኾነ ሕፍረት ንስድራቤተን ንምሕታት ትብዓት ክረኽባ ትምህር ኣላ።
ኣብ ሰሜን ሽዋ ኣብ ዝርከባ 18 ኣብያተ ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ መናፅሂ ክትህብ ምኽኣላ ጽቡቕ ውጽኢት ዝረኣየትሉ ብምዃኑ፡ ነዚ ወፍሪ ክትቅጽሎ ሕጂ’ውን ተገዳስነት ኣለዋ።
“ኣብዚ እዋን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ብዝሰፍሐ ይሰርሕ ኣለኹ፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ’ውን ጎስጓስ ነካይድ ኣለና። ጽቡቕ ሓገዝ ብምትእኽኻብ ጸገም ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ብግቡእ ክሳብ ዝፍታሕ፡ ንኹለን እኳ እንተዘይከኣልና ግን ድማ ናብ ብዙሓት ንምብጻሕ ንሰርሕ ኣለና" ብምባል ንፃዕርታት ትገልፅ።
ዶክተር ደራርቱ ነዚ ናይ መናፅሂ ቀረብ ንምምላእ ብቐጻሊ ካብ ሰባት ደገፍ ምሕታት ኣጸጋሚ ምዃኑ ትግንዘብ’ያ
ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ብዝብል ድማ፡ ተሓፂቡ ዳግማይ ኣብ ረብሓ ዝውዕል ዓይነታት መናፅሂ ወርሓዊ ጽግያት ተበጻሒ ኣብ ምግባር ትሰርሕ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







