ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሑቲ ዝተሃረመት መርከብ ብላሕኲ ነዳዲ ብከላ ከይተስዕብ ተሰጊኡ

ብሓዊ ትነድድ መርከብ ነዳዲ

ምንጪ ስእሊ, EUNAVFOR

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዕጡቓት ሑቲ ዝተሃረመት ነዳዲ ዝጽዓነት መርከብ ብላሕኲ ነዳዲ ብከላ ከባቢ ከይተስዕብ ኣመሪካ ስግኣታ ገሊጻ።

እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሃረመት መርከብ ክሳብ ሕጂ ትነድድ ከምዘላ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

እታ ኤምቪ ሶዩንዮን ዝተሰመየት መርከብ ግሪክ ንምድሓንስ ንዝተበገሳ መራኽብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ክፍጸመን ምዃኑ ዕጡቓት ሑቲ ከምዘጠንቀቑ’ውን ኣመሪካ ሓቢራ።

እታ መርከብ 150 ሽሕ ቶን ወይ ሓደ ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ’ያ ተጻዒና ዘላ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሩ ዘሎ ልፍንታዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣውሮጳ ኣብ ዝባን እታ መርከብ ባርዕ ተወሊዑ ከምዘሎ ሓቢሩ።

"ዝለሓዄ ነዳዲ የለን፡ እታ መርከብ ሕጂ'ውን መልህቓ ኣውሪዳ ደው ኢላ'ያ" ክብል ብረቡዕ ብመንገዲ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ መጠን ነዳዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንተተኻዕዩ ኣብ ዓለም ብነዳዲ ካብ ዝሰዓቡ ብከላታት ከባቢ እቲ ዝኸፈአ ኰይኑ ክምዝገብ ከምዝኽእል ይግለጽ።

እቶም ብኢራን ዝድገፉ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቘጸጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ፡ ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ ካብ ቅድሚ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣትሒዞም ኣብ ልዕሊ እተን ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ንግዲ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ኣዋርሕ ሑቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕትታት ክልተ መራኽብ ክጥሕላ እንከዋ ብውሕዱ ክልተ ባሕረኛታት ከምዝሞቱ ሰነዳት ይሕብሩ።

ሑቱ ዋላ’ኳ መጥቃዕትታቶም ኣብ ልዕሊ መራኽብ እስራኤል፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዘነጻጸረ’ዩ እንተበሉ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ልዕሊ ዝዀነት መርከብ’ዩም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዘለዉ።

እታ መርከብ ክሳብ ሕጂ'ያ ትቃጸል ዘላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መርከብ ኤምቪ ሶዩንዮን ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ካብ ክልተ ንኣሽቱ ጀላቡ ብዝተተኮሰላ ብረት ክትህረም እንከላ ጸኒሓ ከኣ እንታይ ዓይነት ብረት ምዃኑ ብዘይተገለጸ ተተኳሲ ተሃሪማ። እቲ ዳሕረዋይ ማህረምታ ባርዕ ስለዘበገሰ ከኣ ሞተረኣ ጠፊኡ ብዘይ ሞተረ እናተቃጸለት ጸንበለል ትብል ከምዘላ ማሪታይም ዓባይ ብሪጣንያ ገሊጹ።

እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 25 ባሕረኛታት ብሓንቲ መርከብ ውግእ ኣውሮጳ ካብታ መርከብ ግዒዞም ናብ ጅቡቲ ከምዝተወሰዱ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

እቶም ባሕረኛታት ምስ ወጽኡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሓዊ እናኣእተውላ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሖም።

ኣመሪካ ብቀዳም ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ ጉዳይ መርከብ ኤምቪ ሶዩንዮን ኣዝዩ ከምዘሻቐላ ብምግላጽ፡ ኣብ ከርሲ መርከብ ኤምቪ ሶዩንዮን ዘሎ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንተፈሲሱ ካብቲ ኣብ 1989 ኣብ ኣላስካላ ዘጋጠመ ምፍሳስ 257 ሽሕ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዛይድ ብከላ ከስዕብ ከምዝኽል ስግኣታ ገሊጻ።

ወሃቢ ቃል ፔንታጐን ሜጀር ጀነራል ፓትሪክ ረይደር ነታ መርከብ ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዝ ክልተ ጐተትቲ መራኽብ’ኳ እንተተሰደዳ ሑቲ ንዕአን’ውን ከጥቅዕወን ከምዝዀኑ ከምዘፈራርሑ ሓቢሮም።

ኣመሪካ ምስተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መሻርኽተይ ትብለን ሃገራት ብምዃን ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ትሰርሕ ከምዘላ እቲ ወሃቢ ቃለ ፔንታጐን ገሊጹ።