የመን፡ ኣጽዋር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቕሉዕ ዝሽየጠላ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ የመን ብረት ኣብ ምሻጥ ዝተዋፈሩ ሰባት ብመገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ኤክስ፡ከም ከላሽን፡ ሽጉጥ፡ ቦምባ ኢድን ብሬንን ዝኣመሰሉ ብረታታት ብቕሉዕ ይሸጡ ከምዘለዉ ተገሊጹ።
እቶም ብረት ዝሸጡ ዘለዉ ሰባት ማእከሎም ኣብ ርእሰ ከተማ ሰንዓን ኣብቲ ዕጡቓት ሑቲ ዝቈጻጸርዎ ከባቢታት’ዩ።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሑቲ ብመንግስታት ኣመሪካን ኣውስትራልያን ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ዝኣተወ ጉጅለ’ዩ።
ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ የመን ነበር ኢድሙንድ ፊቶን ብራውን “እዞም ብረት ዝሸጡ ዘለዉ ሰባት ኣብ ክንዲ ሑቲ ኰይኖም ኣይኮኑን ዝሰርሑ ዘለዉ ኢልካ ክትሓስብ ኣይትኽእልን ኢኻ” ኢሉ።
ብጋዜጣ ታይምስ ዝተገበረ መጽናዕቲ ካብቶም ኣብ ኤክስ ብቕሉዕ ብረት ዝሸጡ ዘለዉ ሰባት፡ ብትዊተር ‘ብሉ ቲክ’ ዝተወሃቦም ምዃኖም ይገልጽ።
ቢቢሲን ታይምስን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንኤክስ’ኳ እንተሓተቱ ክሳብ ሕጂ ግን ዝዀነ መልሲ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።
ኢሎን መስክ ንትዊተር ኣብ 2022 ምስ ዓደጐ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ዘየድሊ ነገራት ኣብ ትዊተር ከይልጠፍ ዝከታተሉን ዝኣልዮን ዝነበሩ ሰባት ካብ ስራሕ ሰጒግዎም’ዩ።
እቶም ሸየጥቲ ብረት ኣብ ኤክስ ዝገብርዎ ምውዕዋዕ ብቋንቋ ዓረብ ኰይኑ ቀንዲ ንየመናውያን ዝዓለመ’ዩ።
ኣብ የመን ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ዝርከብ ብረት ካብ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ’ዩ ዝንገር ።
ቢቢሲ ከምዘረጋገጾ’ውን እቲ ኣብ ኤክስ [ትዊተር ነበር] ዝተዘርገሐ መወዓውዒ ዋጋ እቲ ብረት ብናይ የመንን ስዑድያን ርያል ተጻሒፍዎ ይርከብ።
እቲ መወዓውዒ ንዓዳጎ ብዘህርፍ ኣገባብ ዝተዳለወ’ዩ።
ኣብ ጥቓ ሓንቲ ኤኬይ ዝዓይነታ ብረት “ብጽፉፍ ዝተዳለወ ዘተኣማምን ውሕስነት ዘለዎ ኤኬይ ቀዳማይ ምርጫኹም ይዅን” ዝብል ጽሑፍ ይርአ።
ኣብቲ መወዓውዒ ብተወሳኺ ሓደ ሰብ ኣብ ጸላም ኰይኑ ካዝና ምሉእ [30 ጥይት] ብኣድራጋ እናተኮሰ እንከሎ ብቪድዮ ይርኣይ።
ካልእ ከኣ ኣብ ፓኪስታን ዝተሰርሐት ሽጉጥ ብ900 ዶላር ክትሽየጥ ከምእትኽእል ዝሕብር መወዓውዒ ተለጢፉ ይርአ።
መብዘሕትኡ ግዜ መሸጣ ብረት ብሕቡእ ዝግበር ንግዲ’ዩ፤ ኣብ የመን ግን ሚልዮናት ሰባት ክርእይዎ ኣብ ዝኽእሉ ኣብ ሓደ ወግዓዊ መርበብ ማሕበራዊ ሚድያ ኤክስ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ኣብ ቴክኖሎጂ ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ልዕሊ ኤክስ ህጹጽ ክሲ ክምስረት ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ኵሉ ንሑቲ ዝድግፍ ትሕዝቶታት ካብቲ ማሕበራዊ ሚድያ ክእለ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግሰቲ ኣብ 2014 ብምድፋእ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቘጻጺሩ ዘሎ ጕጅለ’ዩ።
ብስዑድያ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ንሸውዓተ ዓመታት’ኳ ክኣልዮ እንተፈተነ ክዕወት ግን ኣይክኣለን፤ እታ ሃገር ከኣ ኣብ ግሁር ኲናት ሓድሕድ ተሰኽቲታ ትርከብ።
ኣብ 2023 ዕጡቓት ሑቲ ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ ንግዳውያን መራኽብ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ድሮንን ሚሳይልን ከካይዱ ጸኒሖም’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







