ኣብ ቄለም ወለጋ፡ ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ብዙሓት ተቐቲሎም - መሰኻኽር ዓይኒ

ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ንዝፍጸሙ ቅትለታት ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተኻይዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ወረዳ ሃዋ ገላን ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም መሰኻኽር ከምዝገለጽዎ፡ ትማሊ ሰኑይ 05 ሓምለ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 6 ጀሚሩ ክሳዕ ረፋድ ሰዓት 10 ብዝቐጸለ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ኣምሓራ ተቐቲሎም።

ኣስከሬን ግዳያት ገና ይእከብ ብምህላው፡ ቍጽሪ ዝተቐተሉ ሰባት ብልክዕ ምግላጽ ኣጸጋሚ ምዃኑ ዝገልጹ እቶም መሰኻኽር፡ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይሕብሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ምሸት ኣብ ገጻት ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄለም ወለጋ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጨፍጨፉ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር መልእኽቲ፡ እቲ “ጨፍጫፍ” ክብል ዝገለፆ መጥቃዕቲ በቲ መንግስቲ ሸኔ ክብል ዝጸውዖ ንገዛእ ርእሱ ‘ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ ዝብል ዕጡቕ ጕጅለ ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ብወገኑ፡ እቶም ኣብ ማቻራ፡ ቄለም ወለጋ፡ ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት፡ “ብዕጡቓት ሚሊሽያ’ቲ ስርዓት” እዮም ብምባል፡ ሓይልታት ጸጥታ ዋላ ሓንቲ ከምዘይገበሩ ጠቒሱ ኣብዚ እዋን ክልተ ክፍላተ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን መላፍንቶምን ነቲ ከባቢ ይቆጻጸርዎ ከምዘለው እዩ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ “እቲ ስርዓት፡ ኣጻብዕቱ ናብ ካልኦት ብምጥቋም ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ይፍትን ኣሎ፡” ክብል’ውን ወቒሱ።

እቲ ኣፈኛ ኣተሓሒዙ፡ እቲ ጉዳይ ብሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ኣካላት ናጻን ዘይሻራውይን ክምርመር ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ጨፍጫፍ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ትማሊ ናይ ትማሊ ፍጻመ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፡ ወረዳ ጊምቢ፡ ቀበሌ ቶሌ ኣብ ልዕሊ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዝወረደ ጨፍጫፍ ኣብ ክልተ ሰሙንይ ዝስዕብ ዘሎ እዩ ፍጻመ እዩ።

በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐተሉ እቶም ዝበዝሑ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖም ተገሊጹ።

መንግስቲ ብዝሒ ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ቀበሌ ቶሌ ዝተቐተሉ ሰባት 338 ከምዝኾነን መርመራ ይካየድ ምህላውን እዩ ዝገልጽ።

መሰኻኽር ዓይኒ ግን፡ እቲ ቝጽሪ ካብቲ ዝተገለጸ ንላዕሊ ከምዝኾነ ክገልጹ እንከለው፡ ማሕበር ኣምሓራ ኣብ ኣሜሪካ፡ እቲ ኣሃዝ ናብ 600 ከምዝጽጋዕ ብምጥቃስ ስም ዝርዝር 445 ግዳያት ከምዘለዎ እዩ ዝሕብር።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቄለም ወለጋ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባታት ቄለም ወለጋ፡ ምዕራብ ወለጋን ሆሮ ጉድሩ ወለጋን ዝርከቡ ወረዳታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዝተዋሃሃደ ሓይሊ ጸጥታ ምእታዎም ድሕሪ ምግላጹ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትታት እዩ።

ኣብ ቄለም ወለጋ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ትማሊ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሚኒስተር ዲኤታ ኣገልግሎት ህዝባዊ ርክባት ኣቶ ከበደ ዴሲሳ፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይበጽሖ ይገልጽ።

ንሰብመዚ ክልል ኦሮምያ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ግን ኣይሰመረን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ጸብጻባት ከምእተሻቐለ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ብዝሒ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክውስኽ ጸዊዑ።

ካብቲ ከባቢ ዘምለጡ ሰባት ከምዘዘራረበ ዝገለጸ እቲ ኮሚሽን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከምእተፈጸመ እቶም ምንጭታት ከምዝሓበርዎ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ፡ ኣብ 1977 [ግእዝ] ኣብ ኢትዮጵያ ድርቂ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ብመንግስቲ ከምዝሰፍሩ ኣብ ዝተገበሩ ውሑዳት ኣምሓሩ ኣብ ዝነብሩሉ ቁሸታት እዩ።

መሰኻኽር ዓይኒ እንታይ ኢሎም?

ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 5፡30 ጀሚሩ ‘መንደር 20’ ኣብ ዝበሃልን ብዙሓት ኣምሓሩ ዝነብሩሉ ከባቢ ምፍጻሙ ይሕብሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብቲ ከባቢ ምልሻታት እንተዘይኮይኖም ካልኦት ኣካላት ጸጥታ ከምዘይነበሩ ዝገለጹ እቶም መሰኻኽር፡ ክሳዕ ረፋድ ሰዓት 10፡00 ተዅሲ ከምዝቐጸለ ሓቢሮም።

በዚ ከኣ ብዙሓት ሰባት ከም እተቐተሉን ካብቶም ግዳያት እቶም ዝበዝሑ ዕሸላት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ምዃኖም ይገልጹ።

“ኣስከሬን ኣሪና ኣይወዳእናን ዘለና። ኣብ በረኻ ወሲዶም ሰባት ጨፍጪፎም፣ ኣብ መስጊድ’ውን ዝተኣከበ ኣስከሬን ኣሎ። ሓካይም መጺኦም መንቀጺ ጌሮምሉ ከይዶም። ክትገልጾ ኣጸጋሚ እዩ” ይብል ሓደ ካብቶም መሰኻኽር።

እቲ ጨፍጫፍ ብቦምባ፡ በሊሕ ነገራትን ብጥይትን ከምእተፈጸመ’ውን ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ ንብረት ከምእተሰረቐን ከምዝዓነወን ዝገለጸ እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምስክር ዓይኒ፡ ካብ 50 ክሳዕ 70 ዝኸውን ኣባይቲ ከምእተቓጸለ ተዛሪቡ።

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ‘መንደር 10’ ዝኾነ ምስክር፡ እቲ ተዅሲ ምሰቋረጸ ከምእተመለሰን፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መንደር 20 ብስፍሓት ከምእተፈጸመን ገሊጹ።

“ኣብዚ ከባቢ ብዙሕ ግዜ ልውውጥ ተዅሲ ስለዘሎ ልሙድ እዩ መሲሉና ነይሩ” ኢሉ።

“ብዓይነይ ዝረኣኽዎ ነገር ኣሰቃቒ እዩ። ናይ ክልተን ሰለስተን ወርሒ ዕሸላት፣ ኣደታትን ቈልዑን ብግፍዒ ተቐቲሎም። ኣዝዩ ዘሰቅቕ እዩ፡” ኢሉ።

ብዙሓት ሰባት ናብ ጫካታት ተወሲዶም ከምእተጨፍጨፉ ዝገልጽ እቲ ምስክር ዓይኒ፡ ቁጽሪ ምውታት ካብ 150 ክሳዕ 160 ምዃኑ ይግምት።

“ኣብቲ ቁሸት ዝተቐተሉ ኣረጋውያን፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እዮም። ንመንእሰያት ከኣ ኣገዲዶም ናብ ጫካ ወሲዶምዎም። ክሳዕ ሕጂ ኣይተመለሱን” ይብል።

እቲ መጥቃዕቲ በቲ ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ኦነግ-ሸኔ ከምእተፈጸመ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።

“ፍሉይ ሓይሊ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ እዩ መጺኡ”

እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢታት ብምእታው ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ከለው፡ ናይቲ ከባቢ ምልሻ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሓይሊ ጸጥታ ከምዘይነበረ እቶም መሰኻክር ዓይኒ ሓቢሮም።

“ገለ ካብቶም ዕጡቓት ምስ ሚሊሻታት ክገጥሙ እንከለው፡ ፍርቆም ኣብ ገዛውቲ እናኸዱ ነቲ ጭፍጨፋ ፈጺሞምዎ” ይብሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ምስክር ዓይኒ፡ ‘ናይ ብልጽግና’ ኢሉ ዝጸውዖ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፡ መደበሮም ኣብ ከተማ መቻራ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ከባቢ ሰዓት 12፡00 ፍርቂ መዓልቲ ናብቲ ከባቢ ከምዝኣተው ተዛሪቡ።

ሰራዊት ምክልኻል’ውን ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 2፡00 ኣቢሉ ከምዝበጽሐ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዕጡቓት ከምዝንቀሳቐሱ ዝገለጸ እቲ ነባሪ፡ ምፍርራሕን ታህዲድን ይወርዶም ከምዝነበረን ውሕስነት ከምዘይስምዖምን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ብዙሓት ነበርቲ ናብ ካልእ ቁሸት ከምዝሃደሙ’ውን ተዛሪቡ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ንነጀው፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከፍጸም ይርአ።

ኣብ ዞባታት ምዕራብ ወለጋ፡ ቄለም ወለጋ፡ ምብራቕ ወለጋ፡ ሆሮ ጉድሩን ምዕራብ ሸዋን ዝርከቡ ብፍላይ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት፡ ብዕጡቓት ብዝፍጸም መጥቃዕቲ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ብዙሓት ተቐቲሎም እዮም።