ኣብ ኦሮሚያ ትማሊ ሰኑይ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ

ንምዕራብ ኦሮሚያ ዘርእይ ካርታ ኢትዮጵያ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄለም ወለጋ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጨፍጨፉ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ እቲ “ጨፍጫፍ” ክብል ዝገለጾ መጥቃዕቲ፡ በቶም መንግስቲ 'ሸኔ' ክብል ዝጠቕሶም (ንነብሶም ‘ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ ዝብሉ) ዕጡቓት ጕጅለ ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ትማሊ 27 ሰነ 2014 [ግእዝ] ኣማስያኡ፡ "ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቄለም ወለጋ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ጨፍጫፍ ተፈጺምዎም" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝበሎ ጨፍጫፍ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ፡ ትማሊ ሰኑይ ከባቢ ሰዓት 12፡00 ንግሆ ከም ዝጀመረን ብውሕዱ ንሰለስተ ሰዓታት ከምዝጸንሐን ሓቢሮም።

በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከኣ ህፃናት ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጾም።

ሓያሎ ገዛውቲ ብሓዊ ከምዝተቓጸሉ ዝሓበሩ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ፡ ብዙሓት ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ኣብ መሳጊድ ከምዘዕቆቡ ኣረዲኦም።

ተቓዋሚ ሰልፊ ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ “እቲ ጨፍጫፍ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ወረዳ ሮቢት ገበያ ቀበሌ መቻራ ለምለም” ከምዝተፈፀመን ብኣማኢት ዝቝፀሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ኣመልኪቱ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ጸብጻባት ከም እተሻቐለ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ብዝሒ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብቕልጡፍ ክውስኽ ጸዊዑ።

ካብቲ ከባቢ ዘምለጡ ሰባት ከምዘዘራረበ ዝገለጸ እቲ ኮሚሽን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከምእተፈጸመ እቶም ምንጭታት ከምዝሓበርዎ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን’ውን ኣብ ምዕራብ ወለጋ ጊምቢ፡ ቀበሌ ቶሌ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

መንግስቲ በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 330 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካልኦት ኣካላት ድማ እቲ ኣሃዝ 600 ከም ዝበጽሕ ይገልጹ።

መንግስትን ካብቲ ጨፍጫፍ ዝተረፉ ሰባትን ንሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተሓታቲ ክገብሩ እንከለዉ፡ እቲ ጕጅለ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ ብትዊተር ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ነቲ ብፓርላማ እታ ሃገር ግብረሽበራዊ ዝተሰመየ ዕጡቕ ጕጅለ ተሓታቲ ገይሩ’ሎ።

"ብኣካላት ጸጥታ ካብ ዝወርዶ ዘሎ በትሪ ዝሃድም ጕጅለ ሸኔ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቄለም ወለጋ ዝርከቡ ዜጋታት ሓደጋ እናውረደ ይሃድም ኣሎ፡" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ “ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ብዝወርድ መከራ እናሓዘንና፡ ነዚ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ክሳብ መወዳእታ ስዒብና ከነወግዶን ኢና” ኢሉ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ምስ ህወሓት “ግብረሽበራዊ ጕጅለ” ተባሂሉ ዝተፈረጀ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮሚያ ምስ ዝፍፀም መጥቃዕትን ቅትለትን ተተሓሒዙ ስሙ ብተደጋጋሚ ይለዓል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርዝር ከይሃበ ተፈጺሙ ኣብ ዝበሎ “ጨፋጫፍ” ዝወረዶ ጉድኣት'ኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ከቢድ ጉድኣት ምዃኑ ግን ይግመት።

እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ዝተፈጸመ ኮይኑ’ሎ።