ኦሮሚያ፡ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰባት ከምዝሞቱን ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ተገሊጹ

ካርታ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ጊዳ ኣያና፡ ነጌሶን ሃሮ ኣያናን ኣብ ዝተባህሉ ቀበሌታት ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሰባት ከምዝተቐተሉን ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ነበርቲ እቲ ከባብን ሰብ መዝን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ጊዳ ኣያና ኣቶ ኣዳነ ኣላምረው፡ ኣብ ቀበሌታት ነጌሶን ሃሮ ኣያናን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓጸሉን ገሊጹ።

ብተወሳኺ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ከይዶም ናይቲ ዝበጸሐ መጠን ጉድኣት ክፈልጡ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ብወገኖም በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ካብ ሸሞንተ ዘይውሕዱ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጦም።

ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን እቲ ወረዳ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 9 ለካቲት 2014 ዓ/ም ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝጠቀዖ ሓበሬታ፡ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት "ብሄር ኣምሓራ" ተሓተትቲ ገይሩ ነይሩ።

እቲ ከባቢ ኣቐዲሙ እውን "ናይ ጸላኢ ዞባ እዩ" ዝበለ ሓላፊ ምምሕዳርን ጸጥታን እቲ ወረዳ ኣቶ ምስጋና ሞርካ፡ ኣብቲ ከባቢ "ኦነግ ሸኔን ሕሉፋት ዕጡቓት ኣምሓራን" ከምዝንቀሳቐሱ ተዛሪቡ።

"ናብቲ ቦታ ኬድና ነቲ ዝተፈጠረ ክነጻርይ ኣይከኣልናን። እቲ ዘለና መረዳእታ ግና ሕሉፋት ኣምሓራ ተኹሲ ከፊቶም ጉድኣት ኣብጺሖም ዝብል እዩ" እውን ኢሉ።

እቲ ኣመሓዳሪ እቶም ሕሉፋት ክብል ዝገለጾም ዕጡቓት ኣምሓራ መን ከምዝኾኑን ካበይ ከምዝመጹን ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን።

line

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ድማ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ ቅትለት፣ ዕንወት ንብረትን ተደጋገምቲ ምፍንቓላትን ልሙዳት ኮይኖም ጸኒሖም።

ተወለድቲ ኣምሓራ ዒላማ ንዝገበሩ መጥቃዕቲታት፡ መንግስትን እቶም ግዳያትን ንባዕሉ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኢሉ ንዝጽውዕ ጉጅለ እዮም ተሓታቲ ዝገብሩ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞ ዝበጽሕ ሞትን ዕንወት ንብረትን ድማ ዕጡቓት ኣምሓራ እዮም ንዝብሉዎም ተሓተትቲ ይገብሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ኣብ ወረዳ ኖኖ ኣብ እትርከብ ቀበሌ ጫንጮ፤ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ጉጅለ ፈጺምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝተቐተሉ ኣባላት ቤተሰብ እቶም ግዳያት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ 23 ጥሪ 2014 ድማ ዕቱቓት ኣምሓራ ወሲዶምዎ ብዝተባህለ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ 13 ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞ ከምዝተቐተሉን 97 ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ነበርትን ሰብመዚ እቲ ከባብን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

line

ኣመሓዳሪ ወረዳ ጊዳ ኣያና ኣቶ ኣዳነ ኣላምረው ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ወረዳ ካብ 'ኦነግ ሸኔ' ን ' ዕጡቓት ኣምሓራን ብተወሳኺ፡ ካብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝመጽእ ዕጡቕ ጉጅለ ጸገም ይፈጥር እዩ ዘሎ።

ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጸገም ጸጥታ እቶም ሰብ መዚ ናብቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽመሎም ከባቢታት ክጓዓዙ ከምዘይክእሉ ሓቢሩ።

ኣብቲ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ ዝፍጽሙሉ ከባቢ መንግስታዊ መሓውር ከምዘየለ ዝሕብር ኣቶ ኣዳነ፡ ነቲ ከባቢ "ኦነግ-ሸኔ እዩ ሒዝዎ ዘሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።