ኢራን ንእስራኤል ድሕሪ ምፍርራሓ ኣመሪካ ነፈርትን መራኽብ ውግእን ኣዋፊራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ፡ ክፍጸም ዝኽእል መጥቃዕቲ ኢራን ንምክልኻል ተወሰኽቲ መራኽብን ነፈርት ውግእ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከምዘዋፈረት ምክልኻል እታ ሃገር ፔንታጎን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዞባ ድሕሪ ቅትለት መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያን ቀንዲ ኣዛዚ ዕጡቕ ጕጅለ ሊባኖስ ሕዝቦላህን ወጥሪ ዓሲሉ ይርከብ።
ፔንታጎን ንእስራኤል ንምክልኻል ዝኣተዎ ተወፋይነት ዕቱብ ከምዝዀነ ገሊጹ ኣሎ።
ንሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ዝኣወጀ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ካሜነይ ብሰንኪ ቅትለት ሃኒያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል "ከቢድ መቕጻዕቲ" ከምዝውሰድ ተሓንዩ ነይሩ።
መራሒ ሓማስ ብረቡዕ ኣብ ከተማ ቴህራን ከምዝተቐተለ ይዝከር። ኢራንን ኣብ ቓዛ ዝርከብ ወኪላን እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ከምዝተፈጸመ ይኸሳ፤ እስራኤል ግን ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን።
ሃኒያ ብሰፊሑ ከም ሓፈሻዊ መራሒ ሓማስ ዝቝጸር ዝነበረ እዩ። ኲናት ቓዛ ንምቍራጽ ኣብ ዝዓለመ ልዝብ እውን ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ።
እስራኤል ንላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ውክልና ኢራን ኣብ ሊባኖስ ሕዝቦላህ ፉዓድ ሹከር ቀቲለዮ ድሕሪ ምባላ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ ተቐቲሉ።
ፔንታጎን ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ ሓድሽ ምውፋር "ሓለዋ ሓይሊ ኣመሪካ ዘመሓይሽ... ንመከላኸሊ እስራኤል ዝህቦ ደገፍ ዝውስኽ'ዩ። ኣመሪካ ንዝተፈላለዩ ህጹጽ ኵነታት ምላሽ ክትህብ ድልውቲ ምዃና እውን ዘረጋግጽ'ዩ" ይብል።
ሰራዊት ኣመሪካ ቅድሚ 13 ሚያዝያ፡ ኢራን ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ዝፈጸመትሉ እዋን’ውን ምውፋር ኣሐይሉ ነይሩ።
እስራኤልን መሻርኽታን ዳርጋ ንዅለን እተን ዝተተኮሳ ኣስታት 300 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኣውዲቐንአን።
እስራኤል ብዛዕባ እቲ ንሃንየህ ዝቐተለ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ርእይቶ ኣይሃበትን። ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ግን ሃገሩ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ጸላእታ ስጕምቲ ከምዝወሰደት ገሊጹ ነይሩ።
ንእስራኤላውያን "በዳሂ መዓልታት ኣብ ቅድመና ኣሎ... ካብ ኵሉ ወገን ምፍርራሕ ሰሚዕና ኣለና። ንዝዀነ ተርእዮ ድሉዋት ኢና" ክብል እውን ኣጠንቂቑ።
ኣቐዲማ ወሃቢት ቃል ፔንታጎን ሳብሪና ሲንግ፡ ኣመሪካ ምብራኽ ወጥርታት ዘይተርፍ እዩ ኢላ ከምዘይተኣምን ገሊጻ ነይራ።
"ብርግጽ ዝለዓለ ወጥሪ ክንርኢ ከምዘይንደሊ ኣብ መልእኽትና ንጹር ዝገበርና ይመስለኒ። ኣብዚ ድማ ናብ ቀንዲ መንገዲና ዝመርሕ ነገር ከምዘሎ ንኣምን፤ ንሱ'ውን እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እዩ" ኢላ።
ልኡኽ እስራኤል ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ናብ ካይሮ ብምኻድ ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛን ምፍታሕ ጅሆታት ንምዝታይ ናብ ካይሮ ክገይሽ ምዃኑ ነታንያሁ ብዓርቢ ገሊጹ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







