ወጥሪ ኢራን-እስራኤል ንዓለም ናበይ ይወስዳ ይኸውን?

ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ

ምንጪ ስእሊ, West Asia News Agency via Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ኣብ ጽንብል ቃለመሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን ድሕሪ ምስታፉ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተቐቲሉ

እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓማስን ሕዝቦላህን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ቅትለት፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ወጥሪ ነጊሱ፡ ናበይ ክመርሕ ይኽእል፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብዚ ጉዳይ ተሳሒበን ክኣትዋ ዝኽእላ ሃገራትን ንዓለም ዝህልዎ ሓደገኛ ሳዕቤንን ኣመና ኣሻቓሊ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብቲ ዞባ ንቀንዲ ፓለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ እናሃደንካ ምቕታል ዝጸንሐ ተመኵሮ እዩ።

እዚ ናይ ሕጂ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ንዝለዓለ መራሒ እሞ ኣብ መሬት ካልእ ሃገር እንከሎ ዕዉት ብዝዀነ መገዲ እስራኤል ክትቀትሎ ምኽኣላ እዩ።

ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ኣብ ጽንብል ቃለመሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ኢራን ድሕሪ ምስታፉ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተቐቲሉ።

እዚ ኸኣ ንኢራን ዓቢይ ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካዊን ሃስያን ኣሉታዊ ጽልዋን ዝፈጥረላ እዩ፡ ይብል ተንታኒ ፖለቲካዊ ጉዳያት ማ'እከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣሰይድ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም።

እዚ ድማ ነቲ ኢራን ክትወስዶ እትኽእል ግብረመልሲ ዝውስን ኰይኑ፡ ኣብዚ መዳይ ኢራን እንታይ ግበረመልሲ ክትህብ ትኽእል ዝብል ሲናርዮታት የቐመጥ።

ቅትለት ሃኒያ፡ ኢራን ከም ድፍረት ልኡላውነታ ከም እትርእዮ ፍሉጥ እዩ።

ኣብ ርእሲኡ ኣብ በዓለ ፕረዚደንትነት ሓድሽ መራሒኣ ተዓዲሙ ንዝመጸ ጋሻኣ ብኸምዚ መገዲ ምቕታሉ 'ውርደት' እዩ ክስምዓ።

ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ሓደ ከምቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ግብረመልሲ ሚሳይላትን ድሮናትን፡ ክኸውን ምስኡ ተኣሳሲሩ ድማ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ንእስራኤላውያን ይዅን ንሰበስልጣን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ክግበር ተኽእሎ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣሰይድ ዓብዱራሕማን ይግምት።

እቲ ካልኣይን ኣስጋኢን ድማ ናብ ቅሉዕ ኲናት ምእታው እዩ።

ኣብዚ ኢራን ብቐጥታ ኣብ ኲናት ከይኣተወት፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ - ሰሜን እስራኤል - ዘሎ ወጥሪ ሕዝቡላህ ኣንጻር እስራኤል ድፍኢትን ደገፍን ገይራ ኲናት ኣንጻር እስራኤል ከተካይድ ከም እትኽእል ይግመት።

እዚ ግን ኢራን ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ እንተወሲዳቶን፡ ከም ዓቢይ ውርደት እንተሓሲባቶን ዝግበር ጥራይ እዩ ዝኸውን ዝብል ኣቡ ሃሽም ሳዕቤናቱ ከቢድ ስለዝኸውን ብምባል ከኣ ኣተሓሒዙ ይገልጽ።

ኣብዚ ጉዳይ ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ፡ ኢራን በቶም ንሳ እተንቀሳቕሶምን ደገፍ እንተግብረሎምን ኣብ ሊባኖስ፡ ዒራቕ፡ ሶርያን የመንን ዘለዉ ዕጡቓት ሚሊሻታት ኣቢላ ሕነኣ ክትፈዲ እያ፤ ወይ'ውን ኣብ ዝተናውሐ እዋን ዕድላት መዝሚዛ ብዝዀነ መገዲ ኣንጻር እስራኤል ገለ ከይገበረት ከም ዘይትዓርፍ ይትንትኑ።

ብሸነኽ ሓማስ ግን ይብል ኣቡ ሃሽም፡ ሓማስ በዚ ዘለዉዎ ኵነታት ብፍላይ ኣብዚ እዋን ካብቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ንላዕሊ ክኸዱ ከም ዘይክእሉ ይገልጽ።

ሕዝቦላህ እንታይ ክገብር ይኽእል?

መራሒ ሕዝቦላህ ሰይድ ሓሰን ነስራላህ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ሕዝቦላህ ሰይድ ሓሰን ነስራላህ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ሹከር ብቪድዮ ኣቢሉ ንሓዘንተኛታት መደረ ኣስሚዑ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ሓይሊ ሕዝቦላህ እቲ ዝሓየለ ካብ መንግስቲ ወጻኢ ሰራዊትን ኣጽዋራትን ዝውንን ጕጅለ እዩ። እዚ ጕጅለ ዓቕሚ ስለዘለዎ ብሸነኹ ክፍጠር ዝኽእል ኲናት ኣስጋኢ እዩ።

ሕዝቦላህ ካብ ሓማስ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ፣ ብዝሕን ዓይነትን ኣጽዋራት ዝውንን ወተሃደራዊ ሓይሊ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣባላቱ ድማ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሶርያ ንፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ደጊፎም ኣብ ሓያለ ውግኣት ስለ ዝኣተዉ ናይ ምውጋእ ዓቕሞም ልዑል ምዃኑ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ስለዚ፡ እዚ ጕጅለ ምስ ኣስራኤል ናብ ኲናት እንተኣትዩ ሳዕቤናቱ ቀሊል ከምዘይከውን እዩ ዝፍራሕ።

ብወገን እስራኤል እንተተራእዩ ግን፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሓማስን ሕዝቦላህን ዝወሰደቶ ናይ ቅንሰላ ስጕምቲ ከም ዓቢይ ዓወት ክትወስዶ ከም እትኽእል ይግምት ኣቡሃሽም።

ነዚ ብፍላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ከም መዛዘሚ ናይቲ ኣስካሕካሒ ሰባዊ ቅልውላው ዘስዓበ ውግእ ቓዛ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ሃገሩ ይዅን ካብ ሃገሩ ወጻኢ፡ ተዅሲ ደው ከብልን ኵነታት ቓዛ ዘላቒ መፍትሒ ክገብረሉን ጸቕጢ ክወርዶ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነዚ ምኽንያት ገይሩ፡ ነቲ ኵነታት ብዓወት ከም ዝዛዘሞን ነቲ ዝለዓለ መራሒ ናይቲ ጕጅለ ከምዝቐተለ ብምቕራብ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ነቲ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ምሕጽንታታት ማሕበረሰብ ዓለም ዝተቐበለ መራሒ ተባሂሉ ክምጐስ ዘኽእሎን፡ ከምኡ እንተገይሩ ድማ ነቶም ኣንጻር እስራኤል መጥቃዕቲ ሕነምፍዳይ ከካይዱ ዝኽእሉ ሓይልታት ኢራን ይዅን ሕዝቦላህ ዝዀነ ስጕምቲ እንተገይሮም ከም ኣጥቃዕቲ ክዅነኑ፤ እስራኤል ድማ ከም ተጠቃዒት ክገብር ተኽእሎታት ክህሉ ምዃኑ ኣቡሃሽም ነቲ ክስዕብን ዝኸእል ተኽእሎታት ተንቲኑ የረድእ።

ኣቡሃሽም ምስ ምቕታል እስማዒል ሃኒያ ተተሓሒዙ ኣብ ሓማስ ክህሉ ዝኽእል ጽልዋ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ከብርህ እንከሎ፡ ብሓፈሻ እዚ ቅትለት ብዙሕ ለውጢ ከምጽእ ከምዘይክእል እዩ ዝገልጽ።

ንሱ ኣብ ትንታነኡ፡ መራሕቲ ሓማስ ክቕተሉ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን፣ ከምዚ ዓይነት ቅትለት ይዅን ፈተነ ተደጋጊሙ ክካየድ ጸኒሑ እዩ።

ብሓፈሻ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጤም መሰረታዊ ናይ ፍትሒን ሃገርነትን መሰል ርእሰ ውሳነ ኰይኑ፡ ልዕሊ ዕድመ ናይቲ ኣብ 62 ዓመቱ ዝተቐትለ መራሒ ሓማስ ንልዕሊ 70 ዓመታት ዝቐጸለ ቃልሲ እዩ፤ እዚ ክሳብ ዘይተመለሰ ድማ ብሓማስ ይዅን ብኻልኦት ሓይልታት ፍልስጤም እናተተኻኽአ ክቕጽል ምዃኑ ፍሉጥ እዩ፡ ብምባል ንታሪኻዊ ድሕረባይታ ናይቲ ቃልሲ ኣብ ግምት ኣእትዩ መረዳእታኡ የቐመጥ።

ጽልዋ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ክንዮኡን

ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ይዅና ዓለም ጉዳይ እስራኤል ቓዛ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ጻውዒትን ጻዕሪታትን ክገብራ ጸኒሐን እየን።

እቲ ዝዓበየ ስግኣት እዚ ጉዳይ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ቓዛ ፈጢርዎ ዘሎ ከቢድ ቅልውላውን ዕንወትን፡ ንኻልኦት ሃገራት ጐቲቱ ከይጸምድን ነቲ ዞባ ይዅን ንዓለም ዝተርፍ ዞባዊ ኲናት ከይልዓል እዩ።

እተን ሃገራት፡ ብዅሉ መዳያት እንተርኢና ናብ ቀጥታዊ ኲናት ናይ ምእታው ድሌት የብለንን።

እቶም ንኲናት ክኣትዉ ድሌት ይዅን ትብዓት ክህልዎም ዝኽእል እቶም ብኢራራን ዝምወሉ ሓይልታት ጥራይ እዮም ይብል ኣሰይድ ዓብዱራሕማን፡ ካብኣቶም ድማ ብፍላይ ሓይልታት ሕዝቦላህን፡ ሑቲ የመንን ከምዝዀኑ እዩ ዘመልክት።

ኢራን ናብ ኲናት እንተኣትያ ግን ንመላእ ዓለም ከናውጾ ከምዝኽእል ይገልጽ።

ሓደ ካብቲ ክስዕብ ዝኽእል ኢራን ኣብቲ ወሳኒ ማያዊ መስመር ወሽመጥ ሐርሙዝ ወሳኒ ቍጽጽር እዩ ዘለዋ።

እታ ሃገር ነዚ እንተዓጽያቶ ድማ ኣብ ዓለም ከቢድ ቅልውላው ነዳዲን ጋዝን ካልእን ከስዕብ እዩ።

ምስኡ ተተሓሒዙ፡ ኣብ ከባቢ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መጻብቦ ባብኤል መንደብ እውን ብሓይልታት ሑቲ ኣብ ጸጥታዊ ሽግር ወዲቝ እንተተዓጽዩ ክፈጥሮ ዝኽእል ቅልውላው ቀሊል ኣይኰነን።

እዚ ምዃኑ ድማ ኣብ ቍጠባ ዓለም ከቢድ ሓደጋ ስለዝፈጥር እቲ ጉዳይ ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤል ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይክኸውንን እዩ፤ ንኻልኦት ዓበይቲ ሃገራት ዓዳሚ ክከውን ከም ዝኽእል ከኣ ስግኣታት ኣሎ፡ ብምባል ኣቡሃሽም የረድእ።

ኣመሪካን እተን ንሳ እትመርሐን ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ምስ እስራኤል ዘለወን ርክብን ደገፍን ርኡይ ኰይኑ፡ ኢራን ከኣ ምስ ቻይናን ሩስያን ጽቡቕ ዝምድና እዩ ዘለዋ።

ክልቲአን - ቻይናን ሩስያን - ድማ ምስ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስታተጅያዊ ጉዳያት ኣብ ፍሕፍሐ እየን ዘለዋ።

ስለዚ እቲ ኵነታት መልክዑ ናህሩን እንተቐይሩ፡ ንሳተን ኣመሪካን መሻርኽታን ድላየን ክገብራ ስቕ ኢለን ዘይክዕዘባ ይኽእላ እየን።

"ታሪኽ ውግኣት ዓለም ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተርኢና፡ ብሓደ ፍጻመ እዩ ዝውላዕ፣ ቀስ ብቐስ ድማ ንኻልኦት እናሰሐበ ይጸምደን። ስለዚ ኣብ ዓቢይ ዓለማዊ ውግእ ከይእቶ እዩ ዘስግእ ዘሎ።"