ቀይሕ ባሕሪ፡ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ ስግኣት' ፈጢራ ዘላ መርከብ ንምስሓብ ዝተገብረ ፈተነ

ምንጪ ስእሊ, @EUNAVFORASPIDES
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብከላ ከይተስዕብ ተሰጊኣ ዘላ ንግዳዊት መርከብ ተሳሒባ ናብ ውሑስ ቦታ ክትውሰድ ከምዘይትኽእል ተገሊጹ።
እታ ነዳዲ ዝጸዓነት ግሪኻዊት መርከብ ብ21 ነሓሰ ብሚሳይላት የመናውያን ዕጡቓት ድሕሪ ምህራማ ኣብ ማእከል ባሕሪ መልህቓ ሰዲዳ ደው ክትብል ከምዝተገደደት ይዝከር።
ኣብታ ኣባላታ ገዲፎማ ዝኸዱ መርከብ ዘሎ ኣስታት ሓደ ሚልዮን በርሚል ዝግመት ነዳዲ ናብ ባሕሪ ልሒዂ ከባቢያዊ ብከላ ከስዕብ ከምዝኽእል ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ዘሎ ሓይልታት ኣመሪካ ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እታ መርከብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ "ተራእዩ ዘይፈልጥ ከባብያዊ ስግኣት" ፈጢራ ይብል እቲ ኣመሪካዊ ሓይሊ።
ካብ 23 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ዝባን እታ መርከብ ዝተወልዐ ባርዕ'ውን ክሳብ ሕጂ ይነድድ ከምዘሎ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ዝርከብ ልፍንቲ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ'ሎ።
ጎተትቲ ጃላቡ (ታግ ቦትስ) ነዛ 'ኤም-ቪ ደልታ ሶኒዮን' (MV DELTA SOUNION) ዝተባህለት መርከብ ስሒበን ከውጽእኣ ዝገበራኦ ፈተነ ዛጊት ኣይተዓወተን።
"ነቲ ናይ ምድሓን ስርሒት ሓላፍነት ዝወሰዳ ትካላት ብሕቲ፡ እቲ ኵነታት ስሒብካ ንምውጻኣ ዘኽእል ከምዘይኰነን ውሕስነት ከምዘይብሉን ደምዲመን" ይብል እቲ በቲ ኣውሮጳዊ ሓይሊ ዝወጸ መግለጺ።
"እተን ትካላት ካልእ ኣማራጺታት ንምርካብ ሃሰው ይብላ" ከምዘለዋ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ኣብ ሓለዋ ንግዳውያን መራኽብ ተዋፊሩ ዘሎ ኣውሮጳዊ ሓይሊ ነተን ሰሓብቲ ጃላቡ ኣሰንዩ ናብታ መርከብ ተጸጊዑ ምንባሩ'ውን ጠቒሱ።
ብኢራን ከምዝድገፉ ዝንገረሎም ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት'ውን ኣብ ልዕሊ ክልተ ካልኦት መራኽብ ነዳዲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, US Central Command
ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝበሎ፡ ሓንቲ 'ኤም-ቪ ብሉ ላጉን I' (MV BLUE LAGOON I) ዝተባህለት ዋንነታ ናይ ሃገረ ፓናማ ዝኾነትን ብግሪኽ እትመሓደርን መርከብ፡ ከምኡ'ውን 'ኤም-ቪ ኣምጃድ' (MV AMJAD) ዝተባህለት መርከብ ስዑዲ ዓረብን ብሰኑይ ብሚሳይላትን ሰብኣልቦ ነፈርትን ተሃሪመን ነይረን።
እታ ስዑዳዊት መርከብ ጥራይ ኣስታት ክልተ ሚልዮን በርሚል ዝግመት ነዳዲ ጽዒና ከምዝነበረት'ውን እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈረ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ጠቒሱ።
"እዚ ብሑቲ ዝፍጸም ዘሎ ሽበራዊ ተግባራት ዘይምርግጋእ ዞባዊን ዓለማዊን ንግዲ የስዕብን ንባሕረኛታትን ማሕድሮ ባሕሪን ኣብ ሓደጋ የእቱን ኣሎ" ክብል ሰራዊት ኣመሪካ ነቒፉ።
ሓይልታት ኣመሪካ ንመጥቃዕትታት ሑቲ ንምግታእ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ቀጻሊ መጥቃዕትታት የካይዱ ከምዘለዉ ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ጥራይ "ኣብቲ ሑቲ ዝቈጻጸርዎ ከባቢታት የመን ክልተ ስርዓተ-ሚሳይላት" ከምዘዕነዉ ገሊጾም።
ቅድሚኡ'ውን ሓያለ ሰብኣልቦ ነፈርቲን ጃላቡን ሑቲ ሃሪሙ ከምዘዕነወ እቲ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ ሓቢሩ ነይሩ።
ኲናት ቓዛ ኣብ ፈለማ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ድሕሪ ምውልዑ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ መጥቃዕትታት ብምፍጻሞም፡ ነቲ መስመር ንምውሓስ ብኣመሪካን ብሪጣንያን፡ ከምኡ'ውን ሕብረት ኣውሮጳ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተዋፊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ዕጡቓት ሑቲ፡ እቲ ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ግብረመልሲ ናይቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኲናትን ኰይኑ ንፍልስጤማውያን ንምድጋፍ ዝዓለመ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።
ነተን ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ርክብ ዘለወን መራኽብ ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ'ኳ እንተገለጹ፡ ንካልኦት መራኽብ'ውን ከምዝሃረሙ ይፍለጥ።
ኣብቲ መስመር ብዝፈጠርዎ ጸጥታዊ ስግኣት ዓለምለኻዊ ቍጠባዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ'ዩ። ብዙሓት በቲ ኵነታት ዝሰግኣ መራኽብ ንግዲ ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ (ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ) ኣቢለን ካብን ናብን ምዕራብን ምብራቕን ክጓዓዛ ተገዲደን ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







