ኣብ ምዕራብ ጎንደር መዕቆቢ ስደተኛታት መጥቃዕቲ ዘተፈጸሞም ሱዳናውያን ለቒቘም ወጺኦም

ምንጪ ስእሊ, LUTHERANWORLD
ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎንደር፡ ፍሉይ መፀውዒኡ ኩመር ኣብ ዝበሃል መዓስከር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ብውሕዱ ሓደ ሽሕ ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ተገሊጹ።
እቶም ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ከምዝተዘመቱ፡ ከምዝተጨውዩን ካልእ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶምን ሮይተርስ ንሰለስተ ስደተኛታትን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ካብቶም ኣብቲ መዕቆቢ ዝነበሩ 8 ሽሕ ስደተኛታት፡ ብናይቲ ከባቢ ሚሊሻታት መጥቃዕትን ዝምታን ምስ ወረዶም፡ እቶም 7 ሽሕ ረቡዕ ንግሆ ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ብእግሮም ከምዝሃደሙ ገሊጾም።
ካብቲ ካብ ዶብ ሱዳን 70 ኪሎ ሜተር ርሒቝ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ክሃድሙ ከለዉ ብፖሊስ ከምዝተታሕዙ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
እቶም ስደተኛታት ንድሕነቶም ብምስጋእ ስሞም ከይግለጽ ሓቲቶም።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ድሕሪ ተደጋጋሚ ጸገም ጸጥታ፡ 1000 ስደተኛታት ካብ መዓስከር ኩመር ምህዳሞም ከምዝፈልጥ ንሮይተርስ ሓቢሩ።
ሮይተርስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ ፈደራል ፖሊስን ኤጀንሲ ኢሚግሬሽንን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ካብ መተማ 70 ኪሎሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት ኩመር፡ ኣስታት 10 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባ ይርከብዎ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (UNOCHA) ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ልዕሊ መጠን ዝተጸቓቐጠ እዩ።
እቲ ኤጀንሲ፡ ነቶም ስደተኛታት ናብ ኣውላላ ዝበሃል ቦታ ንምግዓዝ ይሰርሕ ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም ግን ኣብቲ ናይ ምግዓዝ ስራሕ ዓበይቲ ብድሆታት ፈጢሩ ኣሎ።
እቶም ስደተኛታት ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ንኣዋርሕ ዝኣክል ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገማት ከም ዘጋጠሞም፡ ከም ጭውያ፡ ቅትለት ከምኡ’ውን ብዕጥቂ ዝተሓገዘ ዝምታ ከም ዝተፈጸሞም፡ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ምክልኻልን ብዝተፈጠረ ግጭት ህይወት እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ እዩ ተገሊጹ።
ሓደ ሮይተርስ ዘዘራረቦ ስደተኛ፡ “ድሕሪ ሕጂ ኣብዚ መዕቆቢ ክንጸንሕ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ሰነ ናብዚ ካብ እንመጽእ ጀሚርና፡ ተጨዊና፡ ተቐቲልና፡ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ይበጽሓና ኣሎ። ዋላ'ኳ እቲ ኲናት እንተሃለወ፡ ናብ ሱዳን ክንምለስ ወሲንና ኣለና"።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብቲ መዕቆቢ ዝነበረ ኵነታት "ኣዝዩ ከቢድ" ክብል ገሊጽዎ።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝለዓል ንደሓር ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ሱዳናውያን ተመዛቢሎም ከምዘለዉ መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። .
ካብዚኦም ልዕሊ 100 ሽሕ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ይርከቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







