ግጭት ክልል ኣምሓራ፡ ዕላማ ፋኖ እንታይ እዩ?

ዕጡቓት ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጠረ ወጥሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ እናገደደ ብምኻዱ፡ ካብ መወዳእታ ሓምለ ጀሚሩ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እቲ ክልል ኣብ መንጐ ዕጡቕ ጕጅለ ፋኖን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ይካየድ ኣሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘስዓቦ ጕድኣት ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ከም ቅትለት ንጹሃን ሰባት፡ ምዕማጽን ምምዝባልን ዝኣመሰሉ ግህሰት መሰላት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ’ዩ።

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ክልል ብዘሎ ዘይምርግጋእ ከም መጓዓዝያ፡ ተሌፎንን ኢንተርነትን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጾም’ዮም፤ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝወስዱ ጽርግያታት እውን ምትዕንቓፍ የጋጥም ከምዘሎ ነበርቲ ይገልጹ።

መንግስቲ መበገሲ እቲ ቅልውላው ነቲ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ብምብታን ዕጡቓት ዳግማይ ክወደቡ ምድላዩ ከም ምኽንያት ዝጥቀስ’ኳ እንተዀነ፡ ብወገን እቶም ዕጡቓት ግን ካብዚ ዝሰፍሑ ካልኦት ምኽንያታት እዮም ዝቐርቡ።

መንግስቲ፡ ዕላማ ዘይብሉ "ኣኽራሪ” ጕጅለ ምዃኑ ዝገልጾ ዕጡቕ ፋኖ፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ቃልሲ ከም ዝጀመረ ብምጥቃስ ንነብሱ ከም "ተቓላሳይ መሰልን ናጽነትን" ገይሩ’ዩ ዝርኢ።

ዕጡቕ ፋኖ መን እዩ?

"ፋኖ" ዝብል ስም ኣብ ታሪኽን ኣምርን ኲናት ኢትዮጵያ ዓቢ ቦታ ዘለዎ ኰይኑ መበገሲኡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ከም ዝዀነ ይንገር።

ፋኖ ህዝባዊ መሰረትን ደገፍን ኣለዎ ዝብሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ኣብ እዋን ቅልውላው "ወለንታዊ ተዋጋኢ" ምዃኑ ይገልጹ።

እንተዀነ ተቓለስቲ ፋኖ ስሞም ዝጐልሐ ኣብ መወዳእታ 1920ታት ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ እዋን ወራር ጣልያን ካብ ሓረስቶት ወተሃደራዊ ክእለት ዘይብሎም ዜጋታት ተኣኻኺቦም ዶባት ሃገር ከውሕሱ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ከም ስሩዕ ሰራዊት ተሰሊፎም ተዋጊኦም እዮም።

ካብቲ ዘበን ስም ዝወሰደ ናይዚ ዘበን ምንቅስቓስ ፋኖ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዕሊ ክፍለጥ ዝጀመረ ኣብ 2007/2008 ዘይተዓጠቑ መናእሰያት ኣብ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞ ድሕሪ ምስታፎም’ዩ።

እቲ ዕጡቕን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ዘሎን ፋኖ፡ ዝተመስረተን ኣብዚ እዋን ዘለዎ ቅርጺ ዝሓዘን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ክልልን ካብቲ ክልል ወጻኢን ኣብ ዝርከቡ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝፍጸሙ “መጥቃዕቲታት ንምምካት" ብዝብል ብዝተኣኻኸቡ ውልቀሰባት ካብ 2010 ንደሓር ከም ዝዀነ መራሕቲ እቲ ጕጅለ ይዛረቡ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተኣከቡ ዕጡቓት ኣባላት ፋኖ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ተጋጭዮም እዮም። ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ምስተወልዐ ድማ ካብ መንግስቲ "ተቐባልነትን ደገፍን" ብምርካቦም ሓዪሎም።

ሓላፊ ፖለቲካዊ መዳይ ፋኖ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ኣቶ ኣስረስ ማረ ዳምጤ "እዚ ውዳበ [ፋኖ] ብ6 ነሓሰ 2013 [ግእዝ] ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ኣትዮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓቢ ስቓይ ኣብ ዘውረድሉ እዋን እዩ ተወዲቡ" ይብል።

"ኣብቲ እዋን፡ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ንፋኖ ዝተባህለ ውድብ ጻውዒት ብምግባር ኣብ መራኸቢ ብዙሓን አውን ኣፍልጦ ብምሃብ ከም ዝቃለስ ገይሩ። ዕላማ ቃልሲ መንግስትን ዕላማ ቃልስናን ግን ዝተፈላለየ እዩ ነይሩ።”

ሓይልታት ትግራይ ናብ ብዙሕ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ምስ ኣተዉ፡ መንግስታት እቲ ክልልን ፈደራልን ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝተቐበሉ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት ተዋፊሮም ዝነበሩ ዜጋታትን መንእሰያትን ኣብቲ ወፍሪ ተጸንቢሮም።

እቶም ኣብ እዋን ኲናት፡ ኣብ ጐድኒ ፍሉይ ሓይልታት ክልልን ሰራዊት ፈደራልን ዝተሰለፉ ዕጡቓት ፋኖ፡ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት ዕጥቈም ክፈትሑን ከም ዘይስሩዓት ዕጡቓት ክበታተኑን ምስ ተወሰነ፡ እቲ ጕጅለ ምስ መንግስቲ ናብ ወጥሪ ከም ዝኣተወ መራሕቱ ይዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ መንግስቲ ፈደራል፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣፍሪሱ ናብ ፖሊስ ወይ ምክልኻል ክጽንበሩን ኣባላት ፋኖ ኣጽዋር ክፈትሑን ድሕሪ ምውሳኑ ተቓውሞን ግጭትን ጀሚሩ።

ብተወሳኺ ኲናት ትግራይ ዘብቅዐ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ኣምሓራ ዘሳተፈ ዘይምንባሩን ንክልቲኦም ክልላት ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ዘለዎም ዕጫ ዘይንጹር ምዃኑን ዝፈጠሮ ምግርጫው ነቲ ወጥሪ ከምዘጋደዶ ኣቶ ኣስረስ ይጠቅስ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተልን ነቐፌታ ብምሃብ ዝፍለጥን ዶክተር ዮናስ ብሩ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓምለ ዝተወልዐ ኲናት ንመንግስቲ ይወቅስ።

"ስርዓታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ምምዝባልን" ጠንቂ ናይቲ ኲናት እዩ ዝብል ዶክተር ዮናስ፡ ስግኣት ምፍታሕ ኣጽዋር ቅጽበታዊ ኲናት ክለዓል ከም ዝገበረ ይዛረብ።

መራሒ ናይቲ ኣብ ሰሜን ሸዋ ዝንቀሳቐስ ፋኖ ዝዀነ ኣሰግድ መኮነን፡ "ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ስግኣት ህላወ እዩ ዘሎ" ዝብል እምነት ኣለዎ፤ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እቲ ክልል ይፍጸም ኣሎ ዝብሎ መጥቃዕቲ ከም ኣብነት ብምውሳድ ፋኖ "ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ኣምሓራ ንምዕቃብ" ዝዓለመ እዩ ይብል።

ነዚ ዕላማ ድማ ነቲ ታሪኻዊ ስም ፋኖ ሓድሽ መልክዕ ብምሃብ ዘመናዊ ውዳበ ከም ዘማዕበሉ ዝጠቅስ ኣቶ ኣስረስ ማሩ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፍለጠሉ ዝነበረ ቅርጽን መርገጽን ቀይሩ "ፖለቲካዊ መርገጺ" ክህልዎ ከም ዝተገበረ ይገልጽ።

ምክትል መራሒ እዚ ጐጃም እየ ዝብል ኣቶ ማንችሎት እሱባለው፡ ፋኖ ጉዳይ ህዝቢ ኣምሓራ እዮም ዝብሎም ሕቶታት ብምልዓል ካብ 'ህላወ ህዝቢ ምዕቃብ ክሳብ ሕገ-መንግስቲ ምምሕያሽ' ዝበጽሑ ዕላማታት ከምዘለዎ ይዛረብ።

ምምሕዳር እቲ ክልልን መንግስቲ ፈደራልን፡ ሓይልታት ጸጥታን ምክልኻልን ብምውፋር ዝቃለስዎም ዘለዉ ዕጡቓት ፋኖ "ዕላማ ዘይብሎም፡ ኣኽረርቲን ሸፋቱን" ብምባል ኣብቲ ክልል ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ወፍሪ የካይዱ ኣለዉ።

ዶክተር ዮናስ ግን ፋኖ ኣንጻር መንግስቲ ዝዓመጸሉን ጠበንጃ ዘልዕለሉን ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘሎ ይዛረብ። ብሰላማዊ ሰልፊ ኣቢሉ ሕቶ ህዝቢ ንምልዓል ዝተገበሩ ተደጋጋሚ ፈተነታት ሰማዒ ብዘይምርካቦም፡ ፋኖ "ተቓላሲ መሰል" እዩ ይብል።

ድሌት ፋኖ እንታይ እዩ?

ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ መፋርቕ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን መንግስትን ዝነበረ ግጭት እናገደደ ብምኻዱ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ንሓያሎ ከባቢታት ብምቍጽጻሩ፡ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ መንግስቲ ፈደራል ጣልቃ ክኣቱ ሓቲቱ።

ኣባላት ፋኖ ግን ነዚ መንግስቲ ዝወሰዶ ወተሃደራዊ ስጕምቲ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈጸመ ወራር" እዩ ይብሉ።

ነዚ ከም ምኽንያት ዝጠቕስዎ ድማ ሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ቅድሚ እቲ ብ28 ሓምለ 2015 ዝተኣወጀ ህጹጽ ኣዋጅ ናብቲ ክልል ምእታዎም እዩ።

ቅድሚ ሕጂ መራሕቲ እቲ ጕጅለ፡ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝፍጸም ዘሎ በደል ደው ንክብልን ረብሕኡ ንምሕላውን" እምበር ናይ ስልጣን ድሌት ከምዘይብሎም እኳ እንተገለጹ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም መራሕቲ ፋኖ ግን ናይ መወዳእታ ዕላምኦም ለውጢ ስርዓት ምግባር ምዃኑ ይገልጹ።

በዚ መንጽር፡ ወተሃደራዊ ዓቕሙ ኣጋኒኑ’ዩ ዝርእይ ኢሉ ነቲ ዕጡቕ ዝነቅፍ ዶክተር ዮናስ፡ ዕላማታቱ ብንጹር ዝገለጸ ሓያል ፖለቲካዊ ሓይሊ ብዘይምህላዉ እቲ ምንቅስቓስ ርሑቕ ከም ዘይጓዓዝ ይዛረብ።

መንግስትን ፋኖን ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ከምዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ ዶክተር፡ መንግስቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ታንክታትን ዓበይቲ ኣጽዋርን ዝተወደበ ሰራዊት ከም ዘለዎን ፋኖ ምስዚ ዘይወዳደር ምዃኑ ድማ የመልክት።

"ሓይሊ ፋኖ ህዝቢ እዩ። ናይ ኣጽዋር ሓይሊ የብሉን። ምስ ህዝቢ ዘለና ዓቕሚ ንምዕቃብን ንምልዕዓልን ድማ ፖለቲካን ርክብ ህዝብን ኣገዳሲ እዩ። ፋኖ ግን ፖለቲካዊ ዓቕሚ ክምስርት ኣይከኣለን" ይብል።

ኣይተ ኣሰግድ መኮነን ብወገኑ ምንቅስቓስ ፋኖ ፖለቲካዊ ክንፊ ኣለዎ ይብል። ካልኦት ነዚ ክፈልጡ ዘይከአሉሉ ምኽንያት ግን እቲ ፖለቲካዊ ኣሃዱ ስርሑ ብሕቡእ መንገዲ ይሰርሕ ስለዘሎ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ መዳይ እቲ ጉጅለ ኣስረስ ማረ ዳምጤ፡ ምንቅስቓስ ፋኖ ካብ ክልል ኣምሓራ ወጻኢ ስርዓተ መንግስቲ እታ ሃገር ንምቕያር መደብ ከምዘለዎ ይዛረብ።

እዚ ዕላማኦም በይኖም ዘይኰነስ "ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ማለት ድማ ኣብ ኦሮሞ፡ ትግራይ፡ ዓፋርን ምስ ዝርከቡን ካልኦትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያን ብምዝርራብ ኵነታት ኢትዮጵያ ንምቕያርን ዝሓሸት ሃገር ንምህናፅን" መደብ ከምዘለዎም ይገልጽ።

ብመሰረት ዶክተር ዮናስ ግን ሃገራዊ ፖለቲካዊ ድሌት ፋኖ ጽኑዕ ፖለቲካዊ ስትራተጅን ፍኖተ-ካርታን ስለዘይብሉ፡ ብኻልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ክእመን ኣይገብሮን።

ኵነታት ውግእ፡ ዓቕሚ፡ ደገፍን ውዳበን

ሰራዊት ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ራብዓይ ወርሒ ዘቝጽር ዘሎ ውግእ ፋኖን ሰራዊት መንግስትን ብደገፍ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከበድቲ ኣጽዋርን ይቕጽል ኣሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመንግስቲ ተቐባልነት ዝረኸበ’ኳ እንተዘይኰነ፡ እቲ ትካል ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ዳሕረዋይ መግለጺ ከም ሞት ንጹሃን ሰባት፡ ብዘይ ፍርዲ ምቕታል፡ ምምዝባልን ዓመጽን ዝኣመሰሉ ግህሰታት ይፍጸሙ ምህላዎም ኣፍሊጡ’ዩ።

መንግስቲ ምኽባር ሕጊ ብዝበሎ መፍሪ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ናብ "ተራ ሸፍታ" ቀይረዮ ብምባል ዕዉት ወፍሪ ከም ዘካየደ ካብ ዝእውጅ ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣሎ። ብኣንጻሩ ፋኖ፡ እቲ ግጭት ሓይለይ ዘርኣኹሉ’ዩ ብምባል ዝያዳ ኣድማዒ ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ጕጅለ፡ ክልተ ሲሶ ወረዳታት እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከም ዘእተወ ንቢቢሲ’ኳ እንተገለጸ፡ መንግስቲ ግን ንመብዛሕትኡ ከባቢታት እቲ ክልል ከም ዝቈጻጸርን ኣብ ገለ ቦታታት ድማ ናይ ምጽራይ ስራሕ ጥራይ ከምዝተረፎን ካብ ዝገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ውግእ፡ ነቲ ጕጅለ ብመንጽር ኣጽዋርን ወተሃደራዊ መርገጺን ከም ዘሐየሎ ይግመት። እቲ ብዝተፈላለዩ ከባቢታትን ኣመራርሓን ዝቘመ ዕጡቕ ጕጅለ ድኽመቱ’ውን ይለዓል’ዩ።

ዝተፈላለየ መጸውዒ ዘለዎም ውዳበታት ፋኖ ከም ዘለዉ ዘይሓብአ ኣቶ ኣስረስ፡ ፋኖ "ኣብ ትሕቲ ሓደ መራሒ፡ ሓደ መሓውር፡ ሓደ ውዳበን ኣይኣተወን" ይብል።

ናይዚ ምኽንያት ድማ "እቲ ቃልሲ ህዝባዊ ቃልሲ" ብምዃኑ ሓደሽቲ ውዳበታት ብምምጽኦም እዩ ይብል። ቅርጺ-መሬት ንምትእኽኻብ ዕንቅፋት’ኳ እንተዀነ "ናይ ዕላማ ሓድነት ኣለና፡ ብሓባር ድማ ንሰርሕ ኢና" ይብል።

መግቢ ካብ ህዝቢ፡ ኣጽዋርን ስንቂን ብህያብን ብምምራኽን ከምዝረኽቡ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣስረስ፡ ብመጠኑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝድግፍዎም እውን ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ካብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ናይ ስልጠና ደገፍ ይረክብ’ዩ ዝተበሃለ ነገር ከም ላግጺ ዝረኣዮ ምኽትል መራሒ እዚ ጎጃም ፋኖ ኣቶ ማንችሎት፡ "ናይ ጸለመ ክሲ" እዩ ክብል ይነጽግ።

"ህዝባዊ መደበር ስለዘለና ብህዝቢ ኢና እንምራሕ፤ ህዝባዊ ቃልሲ ኢና ነካይድ ዘለና። ህዝብና እዩ ዝምግበናን ዘስትየናን። ... ዝርዝር ወጺኡ እዚ፡ እዛ ሃገር እንተተበሃለ እውን ምስ ዝዀነት ሃገር ናይ ሓበሬታ፡ ኣጽዋር፡ ቀረብ፡ ወይ ናይ ስልጠና ደገፍ የብልናን" ይብል።

ብዛዕባ ክስታትን ገበናትን ፋኖ

ዕጡቓት ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብመንግስቲ ፈደራልን ካልኦት ክልላዊ መንግስታትን መጥቃዕቲ ብምውጣንን ብምፍጻምን ስሙ ዝለዓል ፋኖ፡ "ገበነኛ፡ ዘማቲ፡ ኣኽራሪ፡ ሽፍታ፡ ጃዊሳ" ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እቲ ጕጅለ ነቲ መንግስቲ ዘቕረቦ ክሲ ይነጽጐ፤ ይዅን እምበር፡ ኣሰግድ መኮነን፡ "ስም ፋኖ ዝጥቀሙን ብክልላዊ መንግስቲ ዝሰልጠኑን ዝተፈለየ ዕላማ ዘለዎም" ትካላት ከምዘለዋ ይዛረብ።

ኣቶ ማንችሎት’ውን ነዚ ሓሳብ የቃልሕ። "መንግስቲ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ከይተረፈ ብምጭዋይ ስምና ንምጽላም ይሰርሕ’ዩ" ክብል ንመንግስቲ ይኸስስ።

እቲ ጕጅለ ኣብ ዝቈጻጸሮም ከባቢታት ንብረት ህዝቢን መንግስቲን ብምሕላው ሓላፍነቱ ይፍጽም ኣሎ ኢሉ ዝምጕት ኣቶ ኣስረስ፡ እቲ ክሲ ዝቐርብ ዘሎ ዕላማናን ጠለብናን ንምድኻም እዩ ይብል።

ካብዚ ወጻኢ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ሓለፍቲ ክልልን ከባቢን ብምቕታል’ውን ይኽሰስ እዩ።

ኢሰመኮን ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሃገራትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብዙሓት ሰበስልጣን መንግስትን ገዛኢ ሰልፍን ብዕጡቓት ፋኖ ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጦም እዮም።

ብዛዕባ’ዚ "ሰበስልጣን ፋኖ ኣካል ናይቲ ውግእ ክሳብ ዝዀኑ ካብቶም ዕጡቓት ወተሃደራት ኣይንፈልዮምን ኢና" ይብሉ።

“ሎጂስቲክስ የቕረቡ፡ ሓበሬታ ይህቡ፡ ፖሊስን ምልሻን መሊሶም ንኽቈጻጸሩ ይውድቡ፡ ኣባላትና ንምጥፋእ ይሰርሑ። ስለዚ ብቐጥታ ኣካል እቲ ውግእ ስለዝዀኑ ዒላማ ክዀኑ ግድን እዩ" ይብል ሓላፊ ፖለቲካ እቲ ጕጅለ።

ዘተን መጻኢ ዕጫን

እቲ ግጭት ንህዝቢ እቲ ክልል ዋሕስ ህላወ ከሊእዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምንቅስቓስ ስለዝተገደበ ከም መድሃኒት ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ቀረባት ክዕንቀፍን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክቋረጹን ገይሩ እዩ።

ኣብ መንጐ እቲ ውግእ መንቀሳቐሲ ስኢኖም ብስግኣት ካብ ምንባር ሓሊፎም፡ ብዙሓት ነበርቲ ካብቲ ግጭት ዝካየደሉ ከባቢታት ክሃድሙን ክመዛበሉን ተገዲዶም’ዮም።

ኢሰመኮ ኣብ ጥቅምቲ ዘውጽኦ መግለጺ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኣማራጺታት ሰላም ክዛተዩ ጸዊዑ’ዩ።

ሰበስልጣን እቲ ክልል ብተደጋጋሚ መንግስቲ ነቲ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ተገዳስነት ከምዘለዎን እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑን ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም።

ብወገን ፋኖ፡ ሰራዊት ምክልኻል ቅድሚ ዘተ ካብቲ ክልል ክወጹ ከም ቅድመ ኵነት ብምቕማጥ ክዛተ ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ካብ መንግስቲ ወግዓዊ ሕቶ ከምዘይቀረበሎም ዝገልጽ ኣቶ ኣስረስ፡ ፋኖ ክካየድ ንዝኽእል ዝርርብ 'ቀይሕ መስመራት' ዝሓዘ ሰነድ ከምዘዳለወ ሓቢሩ።

እቲ ውግእ ብኸምዚ እንተቐጺሉ፡ ካብ ሰብኣውን ማሕበራውን ቅልውላው ወጻኢ፡ እቲ ቍጠባዊ ቅልውላው ከቢድ ከም ዝኸውን ቢቢሲ ኣብ ሕርሻ፡ ቱሪዝምን ንግድን ዝነጥፉ ነበርቲ ኣዘራሪቡ ክርዳእ ክኢሉ እዩ።

45 ሚእታዊት ኢትዮ-ቴሌኮም ንምግዛእ ኣብ መስርሕ ዝነበረ ኩባንያ ቴሌኮም ፈረንሳ፡ ብሰንኪ ህሉው ኵነታት ነቲ ዕድጊ ምስራዙ ሓደ ጽልዋ እቲ ውግእ ምዃኑ ዝገልጽ ዶክተር ዮናስ ብሩ፡ "መንግስቲ ካብቲ ክወጽኦ ዝኽእል ንላዕሊ ኣብ ሽግር ይኣቱ ኣሎ" ይብል።

ቢቢሲ፡ ዘተን ካልኦት ምስ ፋኖ ዝተኣሳሰሩ ሕቶታትን ብዝምልከት ካብ ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራን መንግስቲ ፈደራልን ርእይቶ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ሕቶ'ኳ እንተቕረበ፡ መልሲ ግን ክረክብ ኣይከኣለን።