ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ 'ከቢድ ውግእ' ይካየድ ኣሎ

ዕጡቓት ኣምሓራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ውግእ ከምብሓድሽ ከምዝተወልዐ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ነበርቲ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ጎጃም፡ ሰሜን ሽዋ፡ ሰሜን ወሎን ጎንደርን "ከቢድ ውግእ" ይካይድ ኣሎ።

ብሰንከ'ቲ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ተቓወምቲን ሓይልታት መንግስትን ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ግጭት መስመራት መጓዓዝያ ተዓጽዮም ከምዘለዉ እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ካብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ መርኣዊ፣ ደቡብ ሜጫ፣ ቋሪት፣ ሰከላ፣ ደጋ ዳሞት፣ አንጾኪያ ገምዛ ወረዳ፣ ሸዋ ሮቢት አካባቢን ላሊበላ ዙሪያን ኣብ ዝርከቡ ቁሸታት ሓያል ረጽሚ ይካየድ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ካብ ከተማ ደብረ-ብርሃን ናብ ደሴ ዝወስድ ጽርግያ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ክዕጾ ከምዝወሰነ ናይ ማእከላይ ሽዋ ኮማንድ ፖስት (እዚ) ኣፍሊጡ ነይሩ።

ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭት ተተሓሒዙ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጽሞ ዘሎ ዝበሎ ‘ዘይሕጋዊ’ ቅትለት ደው ከብልን፡ ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡን ጸዊዑ።

ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ከባቢታት ደቡብ ሜጫ ተንቀሳቒሱ ከምዘሎ ሓቢሩ'ሎ።

ዓለምለኻዊ ተሓላቒ መሰላት፡ ኣምነስቲ፡ ሎሚ ኣብቲ ዘውጽኦ ሓጺር ጸብጻብ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህርዳር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተፈጺሙ ዝበሎ ቅትለት ጠቒሱ፡ ዝወረደ ጉድኣት ረኺበዮ ምስ ዝበሎ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ኣቕሪቡ።

ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይቲ ግጭት፡ ኣብ ከተማ ባህርዳርን ከባቢኡን ብሓይልታት ምክልኻል ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ኣምነስቲ ጠቒሱ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት "ስድራቤታት ሬሳታት ምዉታት ከየውጽኡን ከይቀብሩን ተኸልኪሎም" ክብል’ውን ከሲሱ።

መንግስቲ ፈደራል ነዚ ክሲ ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ጸብጻብ ኣምነስቲ

ከተማ ባህርዳር
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ነሓሰ ቀበሌ 08፡ ኣብ ክልተ ከባብታት፡ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰባት ካብ ፍርዲ ወጻኢ ተፈጺሙ ዝበሎ ቅትለት ኣስፊሩ።

ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ ድማ፡ ‘ሰባታሚት’ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝቐተሉ ኣመልኪቱ።

ኣምነስቲ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሓይልታት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ግጭት ሲቪል ሰባት ግዳይ ከምዝዀኑ ብምጥቃስ፡ ጥሉል ሓበሬታ ንምርካብ ዕንቅፋታት ከምዘለዉ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ግጭት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘስዕቦ ጽልዋ ንምርዳእ፡ ምቍራጽ መስመራት መራኸቢታትን ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን ኣብ ናጽነት ምዝራብ ጽልዋ ብምፍጣሩ፡ ሓበሬታ ክወጽእ ይደንጉዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብመሰረት ተፀዋዒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምነስቲ ሱዑድ ኑር፡ ኢንተርነት ኣብ ዝተቛረፀሉ ኩነታት ዝያዳ ጥንቃቐ ዝሓትት ምዃኑን፡ "ኣብቲ ክልልን ሃገርን ምስ ወተሃደራዊ ግጭታት ዝተኣሳሰር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክንከታተሎ ክንቅፅል ኢና" ኢሉ።

ብመሰረት ኣምነስቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ፡ እቲ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት፡ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ዝጥሕስ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ከም ‘ገበናት ኲናት’ ዝቝፀር እዩ ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ገበናት ዝፍጽሙ ሰባት እምነት ብዘለዎ ስርዓተ ፍትሒ ከምዘይሕተቱ ጠቒሱ፡ "ኣብ መላእ ሃገር ዝረአ ዘሎ ጥሕሰት ሕጊ ደው ክብልን ፍትሒ ክሰፍንን" ጸዊዑ።

ኣምነስቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ነሓሰን ጥቅምትን ናይ ዝተቐትሉ ኣባላት ስድራን ቃል መሰኻኽር ዓይኒ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እቶም ንኣምነስቲ ምስክርነቶም ዝሃቡ ውልቀሰባት፡ እቲ ቅትለት ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከም ዝተፈጸመ ብኸመይ ከም ዝፈለጡ ተሓቲቶም፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ሰራዊት ኣብታ ከተማ ንኣዋርሕ ይንቀሳቐሱ ከም ዝነበሩን ብክዳውንቶም ክፈልዮም ከም ዝኽእሉን ገሊጾም።

ገሊኦም ድማ “ኣጽዋር ኣምጽኡ፤ ንፋኖ ትድግፉ ዲኹም” ይብሉዎም ከምዝነበሩ ገሊጾም።

ተጸዋዒ ኣምነስቲ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሱዑድ ኑር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስ ግጭት ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ብዝተኣሳሰር ብዙሕ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት ከምዘሎን፡ እዚ ጸብጻብ ገለ ኣብነታት ጥራይ ከምዘቕርብን ገሊጹ።

ኣምነስቲ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ዝበሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዓለምለኻዊ ቆላሕታ ክረክብ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ "ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ መሓዙት ሃገራት፡ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንምክትታል ብህጹጽ ስራሕ ክጅምሩ" ጸዊዑ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዛዕባ ርኽበታት እዚ ጸብጻብ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መልሲ ንምርካብ፡ ቅዳሕ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሕን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን እንተሰደደ’ኳ፡ ምላሽ ከምዘይረኸበ ሓቢሩ።

እቲ ትካል፡ ኣብ ቀረባ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜን ጎጃም - ከተማ መርዓዊ - ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝተፈጸመ ቅትለት ሓበሬታ ከምዝበጽሖን ኣብታ ሃገር ካልእ ገበናት ቅትለት ምስማዑ ከምዘተሓሳስቦን ስዑድ ይጠቅስ።

ብ 20 ጥሪ 2016 [ግ]፡ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህርዳር ቀረባ ዝዀነት ከተማ መርዓዊ፡ ኣባላት ዕጡቕ ሓይሊ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ብምፍታሽን ኣብ ጐደናታት ዝረኸብዎ ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉ ስድራቤታት፡ ሰብ ሞያ ጥዕናን ነበርትን ንቢቢሲ ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።

ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ፡ ናብ መንበሪ ኣባይቲ ዝኣተዉ ዕጡቓት ጥራይ ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።