ካብ ደብረ ብርሃን ናብ ደሴ ዝወስድ መንገዲ ተዓፅዩ

ካብ ደብረብርሃን ናብ ደሴ ዝወስድ መንገዲ ካብ ትማሊ ቀዳም 16 ለካቲት 2016 (ኣ.ግ) ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝዕጾ ተገሊጹ እዩ።
ኮማንድ ፖስት ማእኸላይ ሸዋ፡ ካብ ደብረብርሃን ናብ ሸዋሮቢትን ደሴን ዝዀነ ዓይነት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንግዚኡ ደው ክብል ከምዝወሰነ እዩ ቤት ፅሕፈት ኮምዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፁ ኣብ ዝዘርግሖ ፅሑፍ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮማንድ ፖስት ነዚ ውሳነ ዝወሰደሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ "ኣኽረርቲ" ሓይልታት ስጉምቲ ይውሰድ ስለዘሎ ሰላማውያን ሰባት ንኸይጉድኡ ምዃኑ የመልክት።
እቲ ስጉምቲ ንሓጺር እዋን ከምዝጸንሕ’ኳ እንተተጠቐሰ፡ እቲ መንገዲ መዓስ ዳግማይ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምር ግን ኣይተገለጸን።
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝወስድ እቲ ቀንዲ መንገዲ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብዘጋጠሙ ግጭታትን ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ነቑጣታት ብዘካይድዎ ተፍትሽን፡ ክዕጸውን ክኽፈትን ምጽንሑ ይፍለጥ።
እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ተሳፈርቲ ምንግልታዕ ከምዘስዓበን ማሕበራውን ቁጠባውን ምትእስሳር ከምዘዳኸመን ይግለጽ።
ብሰንኪ እቲ ዳሕረዋይ ስጉምቲ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ወልድያ፣ ዋግ ኽምራን ካልኦት ከባቢታትን ዝግበሩ ጉዕዞታት ዘዕንቅፍ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ድማ ከጋድድ ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ዘጋጠሙ ግጭታት ስዒቡ፡ ከተማታት እቲ ክልል ምስ ኣዲስ ኣበባ ቀንዲ ጽርግያታት፡ ከምኡ’ውን መብዛሕትአን ከተማታት እቲ ክልል ነንሕድሕደን ዘራኽቡ ጽርግያታት ሰላም ሓሪምዎም ጸኒሑ እዩ።
ከም ውፅኢቱ ድማ ነበርቲ እተን ከተማታት ሕክምና ንምርካብ፡ ንጉዳይ ስራሕ፡ ናብ ኣዝማድ ንምብፃሕ ናብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ክልልን ናብ ኣዲስ ኣበባን ንምኻድ ብዙሕ ወጻኢታት ገይሮም መጓዓዝያ ኣየር ኣማራፂ ከምዝግብሩ ተራእዩ እዩ።
እቶም እዚ ክገብሩ ዘይክእሉ ድማ ካብ ንጥፈታቶም ክቑጠቡ ወይ ድማ ነቶም ጸገም ጸጥታ ዘለዎም መንገድታት ብስግኣት ክሰግሩ ተገዲዶም እዮም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት፡ መንግስቲ ንፍሉይ ሓይልታት እቲ ክልል ንምብታንን ዳግመ ንምውዳብን ከምኡ’ውን ካልኦት ዕጡቓት ዕጥቆም ንምፍታሕን ዝወሰዶ ውሳነ ስዒቡ ዝመጸ እዩ።
ዝተፈላለዩ ሃገራውን ዓለምለኻውን ትካላት ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ጸገማቶም ብዘተ ክፈትሑ ይጽውዑ’ኳ እንተሃለዉ፡ ክሳዕ ሕዚ ግን ዝተጀመሩ ዝዀኑ ንጥፈታት ከምዘለዉ ዝሕብር ጸብጻብ የለን።
ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ናይቲ ኮማንድ ፖስት፡ "ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ከባቢ ካብ ኣኽረርቲ ሓይልታት ሓራ ንምውጻእ" ኣብ ዝወሰዶ ውሳነ ሕብረተሰብ ክተሓባበር ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ኮማንድ ፖስት "ኣኽረርቲ" ክብል ዝገለጾም ሓይልታት መን ምዃኖም ኣይጠቐሰን።
ይኹን’ምበር ኣብቲ ካብ ደሴ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መንገዲ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከብ ምምሕዳር ብሄረ ኦሮሞ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ይንገር።
እቶም ዕጡቓት ኣብ ከተማ ኣጣየን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ዕጥቁ ንኽፈትሕን ዳግም ንኽውደብን ምስ ወሰነ፡ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ዝተለዓለ ግጭት ስዒቡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብቲ ከባቢ ብሰፊሑ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ይንገር።
መንግስቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከበድቲ ኣጽዋርን ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ይገልጽ። ይኹን እምበር፡ በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ሰብ ሞያ ጥዕናን ዓለምለኻውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ ኣለዉ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ወረዳ ሞጃን ወደራን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ኣይሱዙ መኪና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ሰብ ሞያ ጥዕናን ንቢቢሲ ምግላጾም ይዝከር።
ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ግጭት እናቐጸለ ይርከብ፤ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጉድኣት ይበጽሕ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ እዩ።
ምስ’ቲ ግጭት ብዝተኣሳሰር፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት እውን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እናጠንቀቑ ይርከቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







