ኣምሓራ፡ ስድራ እቶም ኣብ በዓቲ ዕደና ንሰሙናት ተደብዮም ዘለዉ እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, SOUTH WOLLO COMMU
ኣብ ወረዳ ደላንታ ዞባ ደቡብ ወሎ ክቡር ማዕድናት ዝዅዕቱ ዝነበሩ ዕደናውያን፡ በዓቲ ፈሪስዎም ካብ ዝድፈኑ ሎሚ ሓሙስ 14 ለካቲት 2016 ዓ.ም ክልተ ሰሙን ኰይኑዎም ኣሎ።
እቲ ሓደጋ ካብ ዝስማዕ ኣትሒዙ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢን ኣካላት መንግስትን፡ ከድሕኑ ፈቲኖም እኳ እንተነበሩ፡ መብዛሕትኦም እቶም መንእሰያት ዓደንቲ ግን ካብ ዝተቐብርዎ ኣይወፅኡን።
ኣብ ወረዳ ደላንታ 018፡ ሓሙስ 30 ጥሪ 2016 [ግ]፡ ኣብ ቀበሌ ‘ቆቅ ውሃ’፡ ብለይቲ እናዃዓቱ እንከለዉ እቲ በዓቲ ምስ ፈረሶም፡ መውፅኢ ስኢኖም ዝተደበዩ ሰባት ቍጽሮም ብልክዕ ኣይፍለጥን።
እንተዀነ፡ ካብ ሸሞንተ ክሳብ 20 ክዀኑ ከምዝኽእሉ ምንጭታት እቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ሓደ ካብቶም ኣብቲ በዓቲ ዝተቐብሩ ዓደንቲ ፋሲል ሞላ ይበሃል።
ሓው ፋሲል ዝዀነ ጌጡ ሞላ፡ ዓቢይ ሓዉ ብህይወት ክወጽእ ተስፋ ከምዘለዎ፡ መዓልታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን ተስፋኡ እናተፀንቀቐ ከምዝመጸ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣቶ ጌጡ ከምዝብሎ፡ ወዲ 29 ዓመት ሓዉ ፋሲል ትምህርቱ ምስ ወድአ [ማትሪክ ምስ ወሰደ] ውጽኢት ስለዘየምጽአ እዩ ናብ ዕደና ኣትዩ።
ድሕሪ እዚ፡ ፋሲል ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ኦፓል ዝተባህለ ኣብቲ ከባቢ ብሰፊሑ ዝርከብን ንመጋየጺ ዝውዕልን ክቡር ማዕድን ኣብ ምድላይን ምውጻእን ተዋፊሩ።
እዚ ሓደጋ፡ በቲ ዕደና ዝረኽቦ ኣታዊ ንንኣሽቱ ደቁ ክምህርን ሽማግለታት ወለዱ ክድግፍን ከሎ እዩ ኣጋጢሙ።
“ንግሆን ምሸትን ንበኪ ኣለና፤ መፍትሒ ግን ኣይረኸብናን" ክብል ኣቶ ጌጡ ኵነታቱ የረድእ።
ለይትን ቀትርን ዕደና ከም ዝስራሕ ዝገለጸ ኣቶ ጌጡ፡ ኣብታ ሓደጋ ዘጋጠመላ መዓልቲ፡ ሓዉ ብለይቲ ክዅዕት ከም ዝወጸ፡ ንግሆ ግን፡ እቲ በዓቲ ከም ዝፈረሰ ምስምዑ ይዛረብ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ተመሳሳሊ ሓደጋታት ኣጋጢሙ ስለዝነበረ ነቲ ዝሰምዕዎ ወረ ብዕቱብ ኣይወሰድዎን።
ንግሆ ናብቲ ቦታ ምስ ከዱ እዮም፡ ሓዎም ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዘሎ ዝተረድኡ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ብደገፍ ነባሪ ኣካላት ከባብያዊ ምምሕዳርን፡ እቶም ዝተደብዩ ሰባት ንምውጻእ ጻዕሪ ተገይሩ'ኳ እንተነበረ ዛጊድ ኣይተዓወተን።
“ብህይወት ይህልዉ እዮም። ተዓፊኖም እዮም ዝዀኑ፣ እቲ ሓደጋ ግን ክሳብ ሕጂ ከምዘይቀተሎም ንፈልጥ ኢና። መንግስታት ክልልን ፈደራልን ዝሓሸ ጻዕሪ እንተዝገብሩ ብህይወት ምረኸብናዮም ነይርና።"
ንውሓት እቲ በዓቲ 150 ሜትሮ፡ እቲ ዝፈረሰ ድማ ትሕቲ 50 ሜትሮ ስለዝዀነ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ስራሕ እንተዝጅመር፡ እቶም ግዳያት ብህይወት ክወጹ ዕድል ከምዘሎ ኣቶ ጌጡ ይዛረብ።
ኣባላት ስድራቤት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምዃኑን፡ መዓልታት እናሓለፈ ምስ ከደ ሃለዋቶም ኣብ ሕቶ ምልክት ይኣቱ ከምዘሎን ገሊጾም።
ኣቶ ጌጡ፡ ሓዉ ፋሲል ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ እዚ ስርሑ ቀሊል ሓደጋ ከም ዘጋጠሞን፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብህይወት ከም ዝወጸን ይዝክር።
ኣብቲ ግዜ እቲ ሓዉን ካልኦት ምስኡ ዝነበሩ ዓደንቲን፡ ዝሓዝዎ ላምባዲና ባትሪ ስለዝወደአ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ጸልማት ኣብ ርእሲ ምጽናሕ፡ ብዘይ ዝዀነ መጕዳእቲ ካብቲ ጉድጓድ ክወጹ ክኢሎም።
ኣባላት ስድራ ፋሲል፡ ሕጂ'ውን ሓዎምን ብጾቱን ካብቲ በዓቲ ብህይወት ክወፅኡ ተስፋ ነይርዎም፤ ሕጂ ግን ኣዝዩ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩሎም ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብዚ ጉድጓድ ዕደና ኦፓል ተመሳሳሊ ምፍራስ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እቶም ዓደንቲ ን11 መዓልታት ኣብቲ በዓቲ ጸኒሖም ብሓይሊ ሰብ ድሒኖም።
እዚ እዩ ቤተሰብ ፋሲል ምስ ኣዕሩኽቱ ካብቲ ዝፈረሰ ጉድጓድ ብህይወት ክወጽእ ተስፋ ክገብሩ ገይሩዎም።
መዓልታት ግን ሓሊፉ ሰሙናት ኰይኑ።
እዚ ቀስ ብቐስ እናነውሐ ዝኸይድ ዘሎ ግዜ ተስፋኦም ክጽንቀቕ ከምዝገበረ ስድራቤታት ይዛረቡ ኣለዉ።
"ኣብቲ በዓቲ ነንሕድሕዶም ክሞቱ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፤ መንግስቲ ንምንታይ ቀልጢፉ ዝሓሸ ፍታሕ ከምዘይገበረ ኣይርድኣንን" ይብል ኣቶ ጌጡ።
ኣቶ ጌጡ ዝያዳ ዘሻቕሎ ግን፡ ኵነታት ናይታ ኣብ ዓሚቝ ሓዘን ዘላ ኣደኡ እዩ።
“ኣደና ኣመና ተሃስያ ኣላ። ሓወይ ንሰሙናት ብዝወፅኦ ምትራፉ ዝፈጥረላ ስምዒት ከቢድ እዩ። ንነብሳ ከይትጐድእ ትሕሎ እያ ዘላ" ክብል ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ኣብ ስድራኡ ዘስዓቦ ሻቕሎት ገሊጹ።
ኣብቲ ዕደና ዝርከበሉ ገደል ማሽን ኵዕታ ምእታው ኣጸጋሚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ሰባት ምውፋር እውን ኣጸጋሚ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ብዓቕሚ ሰብ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ህይወት ኣድሕን፡ ካልእ ተወሳኺ ሓደጋ ከየስዕብ ስለ ዝተሰግአ ደው ኢሉ፤ ካልእ ኣማራጺ ይድለ ኣሎ።
በዚ ድማ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፡ ነቲ ክፈርስ ዝኽእል እዩ ዝተባህለ ላዕለዋይ ክፋል ብታንክ ንምውቃዕ ሓሲቦም ኣለዉ።
ይዅን እምበር እዚ ኣማራጺ እቲ ዝድለ ውጽኢት ከምዘምጽእ ብሰብሞያ ክጽናዕ ከምዘለዎ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ዓሊ መኮነን ይገልጽ።
ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይዅን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ፈደራል፡ ብዛዕባ ሰራዊት ምክልኻል፡ ክሳብ ሕጂ ብዕሊ ዝበልዎ የለን።
ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ዕደና ንምርኻብ ብተደጋጋሚ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይተዓወተን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







