ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ በዓቲ ዕደና ዝተደበዩ ሰራሕተኛታት ራብዓይ መዓልቲ ገይሮም

ምንጪ ስእሊ, SOUTH WOLLO COMMUNICATION
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣብ ወረዳ ደላንታ ኣብ ዝርከብ ዕደና ኦፓል፡ በዓቲ ኣብ ልዕሊኦም ብምፍራሱ ዝተደበዩ ሓያሎ ሰባት ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንራብዓይ መዓልቲ ይቕጽል ኣሎ።
ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ነቶም ካብ 8 ክሳብ 30 ዝግመቱ ሰባት ንምውጻእ ይጽዕር ከምዘሎን፡ ክሳብ ሕዚ ግን ዝዀነ ውጽኢት ከምዘይተረኽበን ሓደ በዓል ስልጣን ናይቲ ከባቢን ኣቦ መንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ዕደናን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ጥዕና ወገል ኣይተ ተስፋይ ኣለምነው፡ መሬት እቲ ከባቢ ስርሒት ምድሓን ንምክያድ ዝምችእ ስለዘይኰነ እቲ ጻዕሪ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ገሊጹ።
ብሰንኪ ኣጸጋሚ ኣቀማምጣ ምድሪ እቲ ከባቢ፡ ብማሽን ምኹዓት ስለዘይከኣል፡ ኣብዚ ዓውዲ ተመኩሮን ናውትን ዘለዎም ሰባት ነቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ጻዕርታት ክሕግዙ ሓቲቶም ኣለዉ።

ሓሙስ 30 ጥሪ 2016 (ኣ.ግ.) እቲ በዓቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምፍራሱ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ተደብዮም ይርከቡ።
ዛጊት ብዛዕባ ኵነታቶም ዝፍለጥ ነገር የለን።
እቲ ሓደጋ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ደላንታ 018 ኣለዋት ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ማይ ኮክ ዝተባህለ ቦታ እዩ ኣጋጢሙ።
ኮሚኒኬሽን እቲ ዞባ፡ እቶም ዝተደበዩ ሰባት ልዕሊ 20 ምዃኖም ክገልጽ ከሎ፤ ሰብመዚ ግን ትኽክለኛ ቁጽሮም ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይሕብሩ።
ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ኣያሌው በሪሁን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ከባቢ ሓደገኛ ከምዝዀነ መጠንቀቅታ ክወሃብ ምጽንሑ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, SOUTH WOLLO COMMU.
እቲ በዓቲ ልዕሊ 750 ሜትሮ ንውሓት ከም ዘለዎ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ኣብ ጥቓ መእተዊ እቲ በዓቲ ንዝተቐበሩ ሰባት ንምውጻእ ኳዕቲ ይካየድ ከምዘሎ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብቲ ቦታ ብምኻድ ኣብ ስራሕ ምድሓን ህይወት ክሕግዙ እንከለዉ፡ ናብቲ በዓቲ ዝወስድ መንገዲ ግን ጸቢብ ስለዝዀነን ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ክኣትዉ ስለዘይክእሉን ጻዕሮም ቅልጡፍ ክኸውን ኣይከኣለን።
ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝተገብረ ኳዕቲ፡ መሬት እቲ ከባቢ ድልዱል ስለዘይኰነ፡ ነቲ ናይ ምድሓን ጻዕርታት ዝገብር ዘሎ ህዝቢ እውን ካልእ ስግኣት ከምዘስዕብ ኣይተ ኣያሌው ኣመልኪቱ።
ኣካያዲ እቲ ዞባ ዓሊ መኮነን፡ እቲ ከባቢ "ኣሽንኳይዶ ንኳዕቲ መኪና እኹል ሰብ ንምእታው'ውን ዝምችእ ኣይኰነን" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝርከብ ወረዳ ደላንታ ንስራሕ ስልማት ዘድሊ ኦፓል ዝርከበሉ ቦታ ኰይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ማዕድን ኣብ ዘይውሑስ ኵነታት ኣውጺኦም ናብ ዕዳጋ ይሸጡ።
ሓላፊ ወረዳ ደላንታ ኣይተ ኣያሌው ከምዝብሎ፡ ኣብዚ ከባቢ እዚ ጉድጓድ ዕደና ኦፓል ፈሪሱ ሰባት ክቖስሉ ንፈለማ እዋን ኣይኰነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







