ኢትዮጵያ ኣባል ዝዀነትሉ ጉጅለ ብሪክስ እንታይ ከተግብር’ዩ ዝደሊ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ፣ ግብፂ፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ናብ ጉጅለ ብሪክስ ከምዝጽንበራ ተገሊጹ ነይሩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እተን ሃገራት ኣብ 2024 ብወግዒ ሓደስቲ ኣባላት ናይቲ ኪዳን ከምዝዀና ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፡ ኣባልነት ስዑዲ ዓረብ ግን ክሳዕ ሕዚ ኣይተረጋገጸን።
ብሪክስ፡ ብብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝቖመ ኰይኑ እተን ሃገራት ኣብ ዓለማዊ ፖለቲካን ቁጠባን ዝያዳ ጽልዋ ክህልወን ድሌት ኣለወን።
ብሪክስን ሓደስቲ ኣባላቱን
ኣብ 2006 ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲን ቻይናን ጉጅለ ‘ብሪክ’ ኣቚመን። ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 2010 ምስተጸንበረት እቲ ስም ካብ ብሪክ ናብ ብሪክስ ተለዊጡ።
እቲ ጉጅለ፡ ነተን ኣዝየን ወሳኒ ዝዀና ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ንፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ምዕቡላት ሃገራት ሰሜን ኣመሪካን ምዕራብ ኤውሮጳን ንምምካትን ንምብዳህን ዝዓለመ እዩ።
ኢትዮጵያ፣ ግብፂ፣ ኢራን፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካብ 1 ጥሪ 2024 ጀሚረን ኣባል ክዀና ተዓዲመን ኣለዋ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ክሳዕ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ናብቲ ጉጅለ ከምዘይተጸንበረት ሓደ ሚኒስተር መንግስቲ እታ ሃገር ዝገለጸ’ኳ እንተዀነ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ግን ስዑዲ ዓረብ ኣባል ምዃና ኣረጋጊጹ’ዩ።
ኣርጀንቲና ናብ ብሪክስ ክትጽንበር ዕድመ ቀሪቡላ ነይሩ። ይኹን’ምበር እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ጃቪየር ሚለ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ሃገሩ ናብቲ ኪዳን ከምዘይትጽንበር ኣፍሊጡ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባኡ ቀዳምነታት የቐምጥን ውሳነታት ይወስድን። ኩለን ኣባል ሃገራት ድማ ፕረዚደንት ኰይነን ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ የገልግላ።
ኢትዮጵያ ትርከበን ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራት ዘጠቓለለ እዚ ጉጅለ፡ ሕዚ ስም እንታይ ከምዝኸውን ዛጊት ብወግዒ እኳ እንተዘይተገልጸ፡ "ብሪክስ ፕላስ" ክኸውን ከምዝኽእል ግን ግምታት ይወሃብ ኣሎ።
ረብሓ ብሪክስ እንታይ እዩ?
ብሪክስ ከም ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለም ዝሓቖፈ እዩ። ኣብ ኣህጉረን ጽልዋ ዘለወን ከም ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚልን ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ይርከብኦ።
እቲ ስፍሒ ዝወሰኸ ጉጅለ ንኣስታት 3.5 ቢልዮን ህዝቢ ይውክል። እዚ ድማ ኣስታት 45 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እዩ።
ድምር ቁጠባ ኣባላት ሃገራት ልዕሊ 28.5 ትሪልዮን ዶላር ይግመት። እዚ 28 ሚእታዊት ቁጠባ ዓለም ይኸውን ኣሎ።
ብሪክስ ንኢራን፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስለዝሓቖፈ፡ 44 ሚእታዊት ዘይተጻረየ ነዳዲ ዓለም ዘፍሪ ጉጅለ እዩ።
እቲ ጉጅለ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ከም ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ዝኣመሰሉን ንመንግስታት እውን ልቓሕ ዝህቡን ኣገደስቲ ዓለምለኸ ትካላትን ከምዝቆጻጸራን ይምጉት።
በዚ መንጽር፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት "ዝያዳ ድምጽን ውክልናን" ክህልወን ይደልያ።
ኣብ 2014 ሃገራት ብሪክስ መሰረተ ልምዓት ንምምዕባል ዝሕግዝ ገንዘብ ዘቕርብ ሓድሽ ልምዓታዊ ባንኪ ኣጣይሸን እየን።
ኣብ መወዳእታ 2022፡ ንሓደስቲ ጽርግያታት፡ ድልድላት፡ መስመራት ባቡርን ፕሮጀክትታት ቀረብ ማይን ዝውዕል ኣስታት 32 ቢልዮን ዶላር ንሃገራት ሂበን እየን።
ብመሰረት ፕሮፌሰር ፓድራይግ ካርሞዲ ካብ ትሪኒቲ ኮሌጅ ዳብሊን፡ ቻይና ትሕተ ቅርጺ ቀንዲ ትኹረት ብሪክስ ክኸውን ድሌት ኣለዋ።
“ቻይና ብብሪክስ ኣቢላ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ሓይላን ጽልዋኣን ከተዕቢ ትጽዕር ኣላ። መሪሕ ድምጺ ደቡባዊ ዓለም ክትከውን እውን ትደሊ እያ።”
ካልእ ኣባል ናይቲ ጉጅለ ዝዀነት ሓይሊ ዓለም ሩስያ እያ፤ ሩስያ ካብዚ ዝተፈለየ ኣጀንዳ እዩ ዘለዋ።
"ሩስያ [ንብሪክስ] ከም ኣካል ናይቲ ኣንጻር ምዕራባውያን እትገብሮ ቃልሲ እያ ትርእዮ" ይብል ክሪዮን ባትለር ካብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ጉጅለ መጽናዕቲ ቻታም ሃውስ።
"ድሕሪ ወራር ዩክረይን ዝተነበረ እገዳ ንምብዳህ'ውን ክሕግዛ'ዩ" ይብል።
ክሪዮን ባትለር ከምዝብሎ፡ ኣባልነት ኢራን ድማ ነቲ ጸረ ምዕራባዊ ባህሪ ብሪክስ ክብርኽ ክገብር ተኽእሎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባጤራ ብሪክስ ንዶላር ክትክእ ድዩ?
መብዛሕትኡ ግዜ መንግስታት ዓለም ምስ ነንሕድሕዶም ዕዳጋ ክገብሩ እንከለዉ ዶላር ኣመሪካ እዮም ዝጥቀሙ።
ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ብራዚልን ሩስያን ዓብላልነት ዶላር ንምንካይ፡ ብሪክስ ናይ ገዛእ ርእሱ ባጤራ ክጅምር ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ። እዚ ግን ኣብቲ ኣብ 2023 ዝተኻየደ ኣኼባ ናይቲ ጉጅለ ኣይተላዕለን።
ቁጠባ ሃገራት ብሪክስ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ብምዃኑ፡ ናይ ሓባር ባጤራ ምፍጣር ተግባራዊ ከምዘይኰነ ፕሮፌሰር ካርሞዲ ይገልጽ።
ይኹን እምበር "ኣብ መጻኢ ንዓለምለኸ ንግዳዊ ክፍሊት ዝኸውን ሓድሽ ባጤራ ወይ ንዓለምለኸ ንግዲ ዝውዕል ክሪፕቶካረንሲ ንምፍጣር ግን ኣብ ቀጻሊ ክሓስባሉ” ከምዝኽእላ ይእምት።
ብሪክስ መወዳድርቲ ጂ20 ድዩ?
ጂ20፡ ኣብ 1999 ብምዕቡላትን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ዝተመስረተ ጉጅለ እዩ። ዕላምኡ ድማ ኣብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ምዝታይ እዩ።
ጉጅለ ብሪክስ ንሓያሎ ኣባላት ጂ20 እውን ዘጠቓልል እዩ።
ዶክተር ኢሪን ሚያ ካብ ዓለምለኸ ኢንስቲትዩት ስትራተጂካዊ መፅናዕቲ፡ ክልቲኦም ጉጅለታት ኣብ ቀፃሊ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ትገልጽ።
"ብሓባር ኰይኖም፡ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት፡ ለውጢ ክሊማ ንምምካት ዝሕግዝ ዝያዳ ገንዘብ ንምርካብ ጸቕጢ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም" ትብል።
ሩስያኸ እንታይ ክትገብር ትሓስብ?
ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ካዛን ዝካየድ ዋዕላ ብሪክስ 2024 ከተአንግድ እያ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ድማ ነዞም ዝስዕቡ ክፍጽም ከምዝደሊ ገሊጹ ኣሎ፤
ተራ ብሪክስ ኣብ ዓለምለኸ ፋይናንሳዊ ስርዓት ክብርኽ ምግባር
ኣብ መንጎ ባንክታት ምትሕብባር ምምዕባልን ኣጠቓቕማ ገንዘብ ብሪክስ ምስፋሕን
ምትሕብባር ግብሪን ጉምሩክን ምትብባዕ
ዶክተር ሚያ፡ "ሩስያ ንዩክረይን እንተወረረት'ውን፡ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ፈተውትን መሓዙትን ከምዘለዋ ንምዕራባውያን ከተርኢ ትደሊ'ያ" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







