ኢትዮጵያ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘይተወሓሶም ኣሽሓት እሱራት ተጋሩ ኣባላት ምክልኻል ነበር

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኲናት ትግራይ ኣብ 24 ጥቅምቲ 2013 [ግእዝ] ድሕሪ ምውልዑ ብወገን መንግስቲ ፈደራል ብህጹጽ ካብ ዝተወሰዱ ስጕምቲታት እቲ ሓደ፡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ቀይዲ ምእታው ነይሩ።
እቶም ካብ ታሕተዋይ ክሳብ ላዕለዋይ መዓርግ ሒዞም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣባላት ምክልኻል ብቐንዱ፡ “ተሓባበርቲ ኲናት” ብዝብል ካብ ኣገልግሎቶም ክእለዩን ክእሰሩን ከምዝተገበሩ ይግለጽ። በዚ ውሳነ ድማ ኣስታት 17 ሽሕ ኣባላት እቲ ሰራዊት ነበር ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ድሕሪ ምፍራም ውዕል ፕሪቶሪያ ገሊኦም ክፍትሑ እንከለዉ፡ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዝተፈርዱ ይዅኑ ክሳብ ሎሚ ዘይተፈርዱ ግን ተኣሲሮም ይርከቡ።
ወይዘሮ ብርሃን መዝገበ [ንድሕነታ ስማ ዝተቐየረ] ብመዓርግ ኮሎኔልነት ነዊሕ ዓመታት ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘገልገለ በዓል ቤታን ኣቦ ደቃን ኲናት ትግራይ ኣብ ዝጀመረሉ መዓልታት፡ ወፊሩሉ ካብ ዝነበረ ግንባር -ዕለት 12 ሕዳር 2013 ኣብ ደዴሳ ክልል ኦሮሚያ ተታሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ማእከላት ከምዝተኣሰረ ትዝክር።
ኲናት ምስተወለዐ ንበዓልቤታ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ብኣሸባርነት ከምዝኸሰስዎ እትዛረብ ወይዘሮ ብርሃን፡ “ኣብቲ ፈለማ ‘ኣሸባሪ ኢኻ፣ ባህርዳርን ጎንደርን ክድብደባ ተሓባቢርካ፣ በዚ መገዲ ትሕግዝ ኔርካ፣ ሰባት ድማ መልሚልካ [ናብ ትግራይ] ሰዲድካ’ ዝብል ክሲ እዮም ኣቕሪቦምሉ” ብምባል ተረድእ።
ነዚ ክሲ ዝምስክር ምስ ሰኣኑ ግን ናብ ድሕሪት ብዓመታት ተመሊሶም ካልእ ጉዳይ ኣልዒሎም። “ኣብ ቅማንትን ኣምሓራን ግጭት ክውላዕ ሰሪሕካ . . . ” ዝብል ካልእ ቅድሚኡ ዘይነበረ ክሲ ከምዝቐረበሉ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ካብ 2008 ክሳብ 2011 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ዝነበረ እዋን ፈጺምካዮ ንዝበልዎ እዚ ገበን ድሕሪ ዓመታት ማለት ኲናት ትግራይ ምስ ተወለዐ ምእሳሮምን ከምኡ ምባሎምን ዘእምን ከም ዘይኰነ ትገልጽ።
“ሽዑ ግን ኣብቲ ዝተገለጸ ቦታ’ውን ፈጺሙ ኣይነበረን። ኣብዚ ጉዳይ ዘቕረብዎም ኣርባዕተ ምስክራት ነይሮም። ክልቲኦም ‘ክንምስክር ኢና’ ኢሎም ቃል ኣትዮም ግን ድማ ከይተመለሱ ተሪፎም። እቶም ዝተረፉ ዝመስከርዎ እውን ‘ሰሚዕና’ ዝብል እምበር ‘ርኢና’ ዝብል ኣይኮነን” ክትብል ገሊጻ።
ኣብዚ እዋን ኮሎኔል በዓል ቤታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ዝርከብ ኰይኑ፡ ዝኾነ ፍርዲ ግን ኣይተዋህቦን። ሓሓሊፉ ምስ ደቃ ክትርእዮ ትኸይድ፤ ክሳብ ሎሚ ፍትሒ ብዘይምርካቡ ግን፡ ምስ ስድራኣ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ሻቕሎትን ትርከብ።
ንሱ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝረኽቦ መሃያን ካልእ ጥቕሚታትን ንዝሓለፉ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ብምቍራጹ ከኣ ቈልዑ ሒዛ ኣብ ጸገም ከምዝወደቐት፡ ውላዳ ድማ ከቢድ ስነልቦናዊ ቅልውላው ከም ዘጋጠሞም ትገልጽ።
‘ዘገልገልክዋ ሃገር ጠሊማትኒ’
ኮሎኔል ተስፋይ [ስሙ ዝተቐየረ] ሓደ ካብቶም ምስቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩን ዝተፈረዱን ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነበር እዩ።
ንሱን ካልኦት ምስኡ ዝተትሓዙ ብኣሽሓት ዝግመቱን ኣብ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያ፡ ሲዳማ፡ ቤኒሻንጉል፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ድሬዳዋን ካልኦት ቦታታትን ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተፈረደ ፍርዲ ተጋሩ ስለዝዀንና ጥራይ ብዘይዝኾነ ገበን ዝተፈረደ እዩ። መስርሕ ሕጊ ብዘይተኸተለ መገዲ ካብ 5 ዓመት ክሳብ ዕድመ ልክዕ ተፈሪዱና። ካብ ናይ ስራሕ ቦታናን መንበሪ ገዛናን ተታሒዝና ኢና ተኣሲርና። ኣብዚ እዋን ዘለናሉ ቦታ ኣይኮነን’ዶ ሃገር ንዘገልግለ ኣባል ሰራዊት ንኻልእ እውን ዘይትምነየሉ ቦታ እዩ” ይብል።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ድሕሪ እቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ምስ ካልኦት ኣዝዩ ከቢድ ገበናት ዝፈጸሙ ሲቪል ዜጋታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲሮም ይርከቡ። ካልኦት ብዙሓት ድማ ናበይ ከምዝተወሰዱ ዘይፍለጡን ደሃዮም ዝተስኣነን ኣለዉ።
“ብፍላይ ኣብ ኣዋሽ ኣርባን ፓዊን ዝነበሩ ኣባላትና ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን። ገሊኦም ከምዝተቐትሉ ሓበሬታ ኣለና። ብሰንኪ ዝነበሮም ሕዱር ሕማምን ካልእ ስቓይን ዝጐድሉ እውን ኣለዉ። ብሓፈሻ ኣብ ኣዝዩ ኣሰቃቒ ኵነታት ኢና ንርከብ። ሕግን መሰልን ዝበሃል ነዓና ዝሰርሕ ክኸውን ኣይከኣለን” ክብል ንዘለዉሉ ኵነታት የረድእ።
በቲ ዝርከቡሉ ኵነታት ቀንዲ ተሓታቲ ወይ ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ ፌደራል ከምዝዀነ ዝዛረብ እቲ ኮሎኔል፡ “ዳርጋ ኣብ ልዕሊ ኵልና ዝቐረበ ክሲ ተመሳሳሊ እዩ። ‘ሕገመንግስቲ ክተፍርሱ ፈቲንኩም’፤ ‘ሃገር ከዲዕኩም’፤ ‘ደገፍቲ ሰራዊት ትግራይ ኢኹም’፤ ‘ኲናት ከምዝውላዕ ትፈልጡ ነይርኩም’ ዝብሉን ካልኦትን እዮም። ነዛ ሃገር እናገልገልናያ ጠሊማትና” ይብል።
ኣስዒቡ፡ “ብኻልእ ወገን ከኣ መራሕቲ ህወሓትን ምምሕዳር ትግራይን እውን ብዅነታትና ተሓተትቲ እዮም” ዝበለ ዀይኑ፡ “ዘለናሉ ኵነታት ኵሉ ይፈልጥዎ እዮም። ግን ምስ ማእከላይ መንግስቲ ተዘራሪቦም ፍታሕ ከምጽኡልና ኣይከኣሉን” ብምባል የዘኻኽር።
“ንመራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህወሓትን ክብሎ ዝደሊ ዕድመ ንእስነትና ኣብ ስራሕ ዘሕለፍና፤ ምእንቲ ህዝብናን ሃገርናን ክልተ ሰለስተ ግዜ ዝቘሰልና ምዃንና ብግቡእ ተረዲእኩም ፍታሕ ክተምጽኡልና እላቦ” ክብል ምሕጽንታኡ የቕርብ።
ብመዓርግ ኮሎኔል ዝዀነ ሓዉ ቅድሚ ምውላዕ እቲ ኲናት ንነዊሕ እዋን ተዋፊሩሉ ካብ ዝነበረ ግንባር ኣብ ጽባሕ እቲ ኲናት ከምዝተኣሰረ ንቢቢሲ ዝሕብር ካልእ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ውልቀሰብ’ውን፡ ክሲ ‘ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክተፍርሱ’ ገለ ዝብል ብተመሳሳሊ ከምዝቐረበሉ ሓቢሩ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ በዚን ተመሳሰልቲ ክስታትን መርትዖ ክርከቦም ስለዘይከኣለ ድሕሪ ናይ ኣስታት 7 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ጉዳዮም ንኽዕጾ ብሲቪላዊ ቤት ፍርዲ ውሳነ ተወሲኑ። ግን ድማ ‘ከይተፍትሑ፣ ጉዳዮም ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ እዩ ዝረአ’ ስለዝተብሃለ ገሊኦም ጦላይ ገሊኦም ድማ ታጠቅ ናብ ዝበሃል ቦታ ተወሲዶም።
“ብድሕሪኡ ዳኛ፡ ጠበቓን ዓቃቢ ሕግን ካብ ሰራዊት ተመዲቡ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ወተሃደራዊ ፍርዲ ንዓመታት ብዝጸንሕ ማእሰርቲ ተፈሪዶም። ካብኡ ናብተን ሲቪላት ዝእሰሩለን ኣብያተ ማእሰርቲ በቲኖምዎም። ንገሊኦም ቃሊቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ንገሊኦም ድማ ናብ ሸዋሮቢት፡ ሃዋሳን ካልእን ወሲዶም ኣሲሮምዎም። ሕዚ’ውን ኣብ ስቓይ ይርከቡ” ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ዘለዉ እሱራት ካብቶም ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዝተኣሰሩ ብንጽጽር ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ምህላዎም ዝጠቅስ እዚ ኮሎኔል፡ “ካልኦት ኣብ ሕማቕ ኵነታት እዮም ዘለዉ። ኣብ ርሑቕ ቦታታት ስለዘለዉ ዝሓቶም ስድራ እውን የለን። ገሊኦም ብግምት ኢና ኣብዚ ከባቢ ኣለውን ንብል እምበር ‘ሕዚ ኣለዉ ድዮም?’ እንተተባሂለ ግን ርግፀኛ ኰይነ ክዛረብ ኣይክእልን። ኣበይ ኣለዉ ዝብል ዝፍለጥ ኣይኮነን” ይብል።
“ነዓና ዘግለለ ውዕል ፕሪቶሪያ”
ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ዝዓለመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ካብ ዝኽተም ልዕሊ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ተቘጺሩ’ሎ። ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ብኣካል ተራኺቦም ዝተፈራረምዎ ውዕል ዝተፈላለዩ ነጥብታት ዝሓዘ ነይሩ።
እቲ ውዕል ተዅሲ ካብ ምግታእ ብዝሰግረ ነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ነበር እውን ተስፋ ዘስነቐ ከምዝዀነ ኮሎኔል ተስፋይ ይዛረብ።
“እቲ ስምምዕ ከምቲ ንህዝብና ኣፋፍኖት ሰላም ዝሃበ ነዓና እውን ሓራ ከውጽኣና ተጸቢናዮ ኔርና። ኣንጻር መራሕቲ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ዝተኸፈተ ክሲ ክቋረጽ ዝገበረ እዩ። ውሳነ ቤት ፍርዲ ዘይተወሃቦም እሱራት እውን ክሶም ተቛሪጹ ክወጽኡ ኣኽኢሉ እዩ። ስለዚ ንሕና’ውን ድሕሪ እቲ ውዕል ኣይኰነንዶ ዓመትስ ሰሙን እውን ኣብ ማእሰርቲ ክንጸንሕ ኣይተጸበናን፤ ኣይምተገበአን እውን” ይብል።
እቲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኮሎኔል “ነገር ግን ብምንታይ መዐቀኒ እዩ ነዓና ፈልዩናን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትሪፉናን?” ዝብል ሕቶ የልዕል።
“እቲ ውዕል ንዅላህና ዝምልከት’ዶ ኣይኰነን? ነዚ ሕቶና መልሲ ዝህበና ኣካል ግን የለን። አባላት ሰራዊት እታ ሃገር ኢና ኔርና። ግን ድማ እቲ ምክልኻል ‘ኣይናተይን’ ብዝብል ምስቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ምሩኻት መቀያየሪ ብምሕታት መትሓጃ ምሩኽ ገይሩና ኣሎ። ነዚ ዝገበረ ድማ ተጋሩ ብምዃንና ጥራይ እዩ” ብምባል ቅሬታኡ ይገልጽ።
መንግስቲ ፈደራል ነቶም ተኣሲሮም ዝተረፉ ተጋሩ ከም ትሕጃ ከጽንሖም ከምዝወሰነ ዝኣምን ኮሎኔል ሓው ዝተኣስሮ እዚ ውልቀሰብ፡ ንሓዉ ሓዊሱ ኣስታት 4800 ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ነበር ኣብ ምሉእ ሃገር ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ይጠቅስ።
ጉዳዮም ብዓይኒ ጠበቓ?
ኣቶ ሃብቶም ከሰተ ኣብ ፈደራል ኣብያተ ፍርዲ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ብጥብቅና ዝሰርሕ በዓልሞያ ሕጊ እዩ። ኣብ ጉዳይ እቶም ብሰንኪ መንነትና ተኣሲርናን ተፈሪድናን ዝብሉ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነበር ይዅን ካልኦት ሲቪላት ተወለድቲ ትግራይ ብወለንታኦም ንዝጣበቝ ጕጅለ ሰብሞያ ሕጊ ድማ የተሓባብር።
ፍርዲ ሞት ተፈሪድዎም ጸኒሑ ግን ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዝተቐየረሎም ከምዘለዉ ዝሕብር እቲ ጠበቓ፡ ዳርጋ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ዝቐረበ ክሲ ‘ሃገር ምኽዳዕ’ ዝብል ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ እቲ መስርሕ ወተሃደራዊ ፍርዲ ዘይቅኑዕን ዘይፍትሓውን ብምንባሩ ኵሎም ተኸሰስቲ ጠበቓ ከየቝሙ እናተኸልከሉ፡ “ዘይፈልጥዎ ጠበቓ ካብ ምክልኻል ሃገር እናተመደበሎም፤ ግን ድማ ምስቶም ዝምደቡሎም ጠበቓታት ከይራኸቡ እናተኣገዱ” ጉዳዮም ተራእዩ።
ድሕሪ ፍርዲ ውሱናት ጥራይ ዕድል ‘ይግባይ’ ስለዝረኸቡ እቲ ተፈሪድዎም ዝነበረ ፍርዲ ሞት ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተቐይሩሎም። ሃብቶምን ካልኦት ጠበቓታትን ነቲ ክስታትን መስርሕ ፍርድን ጸኒሖም ምስረኣይዎ “ኢፍትሓዊ” ኰይኑ ስለዝረኸብዎ ንይግባይ ናብ ሰበር መጋባእያ ወሲዶምዎ።
“ናብ ሰበር ኣብ ዝኸድናሉ እዋን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣይተፈጸመን ነይሩ። ናይ ገሊኦም ኣብ ሰበር ቀሪቡ ምስተራእየ ተሳዒሩ ክምለስ ተገይሩ። ናይ ገሊኦም ድማ ናብ ሰበር ዝቐርብ ኣይኰነን እናተበሃለ ተሰሪዙ። ብድሕሪኡ ካልኦት’ውን ጉዳዮም ናብ ሰበር ክበጽሓሎም ምሕታት ምስጀመሩ ኣብ ምክልኻል ሃገር፡ ‘ዳይሬክቶሬት ፍትሒ’ ዝበሃል ኣካል ቅዳሕ ክሶምን ፍርዶምን ከይወሃቦም ከልኪሉ” ይብል እቲ ጠበቓ።
ብድሕሪ እቲ ፍርዲ፡ ዋላ’ውን ስምምዕ ፕሪቶሪያ እንተተፈጸመ እቶም ንዓመታት ዝጸንሕ ማእሰርትን ዕድመ ልክዕን ዝተፈረዶም ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲሮም ይርከቡ።
“ጉዳዮም ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ዝተሓሓዝ ስለዝዀነ ምስቲ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕ እውን ዝተሓሓዝ እዩ። ስለዝተፈረዶም እዩ ብስም ፍትሒ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ ተገይሩ ዘሎ። ግን ድማ ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስትን ተዘራሪቦም ክፍትሑ ነይርዎም። እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ከኣ መከላኸሊ ሃገር ናይ ባዕሉ ተኸላኻሊ ጠበቓ ዝበሃል ኣለዎ። ስለዚ ይግባይ ክብለሎም ምተገበአ” ክብል የቐምጥ።
ድሕሪ ሕጂ ብመስርሕ ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ እቶም እሱራት ፍታሕ ክመጽእ ተስፋ ከምዘይህሉ ብምግላጽ፡ “እቲ ሕዚ ዘሎ ዕድል ብፍሉይ መስርሕ ይቕሬታ ክፍትሑ ምግባር እዩ” ክብል የነጽር።
ብወገን ትግራይ እንታይ ተገይሩ?
ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይን ዳይሬክተር ኢንስቲትዮት ሕጊ ፌደራልን ነበር ኣቶ ተስፋኣለም ይሕደጐ፡ ኣካቢ ናይቲ ቅድሚ ሽድሽተ ኣዋርሕ ብፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝቘመ ኮሚቴ እዩ።
እቲ ኮሚቴ፡ ነቲ ሓላፍነት ካብ ዝተቐበለሉ እዋን ጀሚሩ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣኼባታትን ዝርርባትን ከምዝገበረ ንቢቢሲ ይገልጽ።
“ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ትግራይ ብኣሽሓት ዝግመቱ ተጋሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነበር ኣለዉ። ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያን ካልኦት ዝተኻየዱ ዝርርባት ንኽፍትሑ ብተደጋጋሚ ናብ ፈደራል መንግስቲ፣ ሚኒስትሪ ፍትሒን ምክልኻል ሃገርን ተዘራሪብና ኢና። በዚ ምኽንያት ውሱናት ዝተፈትሑ ኣለዉ” ዝብል ኣቶ ተስፋኣለም ጉዳይ እቶም ዝተረፉ ግን ብሰንኪ ፌደራል መንግስቲ ከምዝተጓተተ ገሊጹ’ሎ።
“ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናቕረቡ ክውድኡልና ኣይከኣሉን። ንሕና ብመሰረት እቲ ዝርርብ ኢና ንካታዕ እምበር እቲ ጉዳይ ኣብ ኢድና ዘሎ ኣይኮነን። ስልጣን መንግስቲ ፌደራል እዩ። ‘ዝተፈለየ ናይ ሕጊ መቓን የድልዮ እዩ’፤ ‘ምክልኻል ሃገር ስለዝፈረዶም ባዕሉ እዩ ክፈትሖም ዘለዎ’ ዝብሉን ካልኦትን ምኽንያታት እዮም ዝወሃቡና” ኢሉ።
ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ዘማእክሎ መስርሕ ይቕሬታ ተጀሚሩ፡ ናብ ስራሕ ተኣትዩ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ ኣቶ ተስፋኣለም እንተዀነ ምኽንያታት እናተፈጠረ ግብራዊ ከይኰነ ምትራፉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ናብ ፕረዚደንት ጌታቸው ጸብጻብ ቀሪቡ ኣሎ። እቶም ፕረዚደንት ድማ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፌደራል ክዘራረቡሉ እዮም። እቲ ጉዳይ ብስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ዝፍጸም ኮይኑ ወሳኒ ኣካል ግን ፌደራል እዩ” ዝብል እቲ ኣካቢ ኮሚቴ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥቕልል ዝበለ ስለዝዀነ ወይ ንዅሉ ነገራት ብዝርዝር ዘካተተ ዘይምዃኑ ኣብ ጉዳይ ፍትሒ እቶም እሱራት ንጹር ኣካይዳ ከይህልው ከምዝገበረ የቐምጥ።
“ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ዝርዝር ጉዳያት ፖለቲካዊ ዝርርብ ክካየድ ነይርዎ። ጉዳይ እዞም እሱራት ድማ ኣብቲ ፖለቲካዊ ዝርርብ ክካተት ዘለዎ እዩ። ስምምዕ ክበሃል ከሎ ንኽልቲኡ ወገን ዘርብሕ እዩ ክኸውን ነይርዎ። ኣብዚ ጉዳይ ግን ጥርዓን ዘቕርብ ጥርዓን ዝሰምዕን ዝዓይነቱ ርክብ እዩ ዘለና። ስለዚ ኣነ ክኸይድ ከለኹ ከም ተደራዳሪ ዘይኮነስ ከም ጥርዓን መቕረቢ እየ” ይብል።
እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መፍትሒ ጥራይ ከምዘድልዮን ነዚ ክውስን ዝኽእል ድማ ማእከላይ መንግስቲ ከምዝዀነ ይገልጽ።
ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብዚ ዛንታ ንዝተጠቐሱ መንግስቲ ፈደራል፡ ሚኒስትሪ ፍትሒን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን፡ ብስልኪ ይዅን ብኢመይል ክንረኽቦም ዝገበርናዮ ጻዕሪ እዚ ዛንታ ክሳብ ዝተሓተመሉ ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







