ህቡብ ኣመሪካዊ ድምጻዊ ኣር ኬሊ ብጾታዊ ግህሰት ን30 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ኣር ኬሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣመሪካዊ ድምጻዊ ኣር ኬሊ፡ ህቡብነቱ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ቈልዑን ደቂ ኣንስትዮን ብዝፈጸሞ ጾታዊ ግህሰት ን30 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ወዲ 55 ዓመት ስነጥበባዊ ኣር ኤንድ ቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ብምትላል ገንዘብን ገበናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ኣንስትዮን ተኸሲሱ።

ንዓመታት ክስታት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ኣር.ኬሊ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ፡ ዳኛ፡ እቲ ድምጻዊ “ንስቓይ ደቂ ሰባት ግዲ ኣይነበሮን” ኢሉ።

ጠበቓታት እቲ ድምጻዊ ሮበርት ሲለቨስተር ኬሊ ይግባይ ክብል ምዃኑ ገሊጾም።

ቅድሚ ሕጂ፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ምስክርነተን ክህባ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን እየን።

ኣንጀላ ብዝብል ሽም ጥራይ እትፍለጥ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣር.ኬሊ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ግዳይ፡ “ብእከይ ተግባራት ዝዓበየ’ዩ” ክትብል እንከላ ካልኦት ሽመን ዘይተጠቕሳ መንፈሰን ከም ዝሰበሮ ገሊጸን።

ሓንቲ እውን፡ “ብሰንኪ እቲ ክስምዓኒ ዝገበርካዮ ሞት ምመረጽኩ” ክትብል ተዛሪባ።

ናይ ቤት ማእሰርቲ ካኪ ክዳንን መነጽርን ገይሩ ዝቐረበ ኣር.ኬሊ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ኣመልኪቱ መግለጺ ይኵን ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ዳኛ ኣን ዶንሊ፡ እቲ ስነጥበባዊ ጾታዊ ርክብ ከም ኣጽዋር ተጠቒሙ፣ ግዳያት ክትዛረቦ ዝኸብድ ነገራት ክገብራ ኣገዲዱን ገሊአን ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማት ንኽቃልዓ ገይሩ ኢላ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ‘I Believe I Can Fly’ ከምኡ’ውን ‘Ignition’ ብዝብላ ደርፊታት ዝፍለጥ ድምጻዊ፡ ህቡብነቱ ተጠቒሙ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ጾታዊ ግህሰት ክፍጽም ምጽንሑ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ንሽዱሽተ ሰሙናት ክካየድ ዝጸንሐ መጋብኣያ፡ ዳያኑ እቲ ድምጻዊ ብኣካየድቲ ስራሕ፣ ዋርድያታትን ካልኦት ኣባላት ስራሕቱን ተሓጊዙ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካ ንጾታዊ ጊላነት ዝተገደዳ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ የሰጋግር ከም ዝነበረ ክሰምዑ ቀንዮም።

ብተወሳኺ፡ ድምጻዊት ኣሊያህ፡ ቅድሚ ብሓደጋ ነፋሪት ምማታ ብ1994 ዓ.ም [ኣ.ኤ.] ጓል 15 ዓመት እናሃለወት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተመርዓወሉ ወረቓቕቲ’ውን ኣብቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ናይ መርዓ ሰርተፊኬት ኤሊያህ ጓል 18 ዓመት ምዃና ይገልጽ። እንተዀነ እቲ መርዓ ድሕሪ ኣዋርሕ ተሰሪዙ’ዩ።

ምስ ኣርኬሊ እትደርፍ ዝነበረት ጆቫኔት ካኒንግሃም፡ “ክሳብ ሎሚ ኣብ ህይወተይ፡ ጸለምትን ሕብራውን ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ክረኽባ እየን ኢለ ኣሚነ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግን ብሓበን ኣብ ቅድሚ እቲ ስርዓተ ፍትሒ ደው ኢለ ኣለኹ፤ በቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ድማ ተሓጒሰን ከማይ ብዝኣመሰላ ውጻእ መዓት [ግዳያት] ተሓቢነን” ኢላ።

ዓቀብቲ ሕጊ ፌደራል፡ ኬሊ ብማእሰርቲ ልዕሊ 25 ዓመት ክቕጻዕ ሓቲቶም ነይሮም። ጠበቓታቱ ድማ ብውሑድ 10 ዓመት ክኸውን ሓቲቶም።

ንሱ፡ ኣብ ውሽጢ ዘቤታዊ ዓመጻት ዝነበሮ ድኻ ስድራቤት ከም ዝዓበየን ኣብ ቍልዕነቱ ብጾታዊ ግህሰት ዝተበደለን እዩ እውን ኢሎም።

ኬሊ፡ ካብ ሓምለ 2019 ጀሚሩ ኣብ ቀይዲ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ብ2020 ሓደ እሱር ክሃርሞ እንከሎ ኣብዚ ዓመት ድማ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ነይሩ።

እቲ ድምጻዊ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ነሓሰ ናብ ቤት ፍርዲ ቺካጐ ዝቐርብ ኰይኑ ክስታት ምስልታት ጾታዊ ርክብ ህጻናትን ዕግታን ክቐርቡሉ’ዮም።

ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኢሊኖይስን ሚኒሶታን’ውን ክስታት ጾታዊ ግህሰት ክቐርበሉ’ዩ።