ኣመሪካ፡ ኣር ኬሊ ገበናቱ ንክኣምን ዝቐረቡ መሰኻኽር ዓይኒ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ብደርዘን ዝቑጸሩ ግዳያት ገበናት ጾታዊ ዓመጻት ኣር ኬሊ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምስክርነቶም ኣስሚዖም እዮም።
ካብ 11 ግዳያት ኣብዝሓ ብሕቡእ ስመን፡ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ኮይነን ምስ ኣር ኬሊ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸማ ክገልጻ እንከለዋ ገለ ደቂ ተባዕትዮ'ውን ይርከብዎም።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ንኣር ኬሊ፡ 'ቁጡዕ፣ ተቖጻጻርን ብስጭውን' ክብላ ዝገልጸኦ ኮይነን 'ዳዲ' ኢለን ክጽውዕኦ'ውን የገድደን ከም ዝነበረ ይዛረባ።
ካልኦት ድማ፡ ናይ ጸለመ ደብዳበታት ክጽሕፋ ይግደዳ ከም ዝነበራ ገሊኡ ንደሓር ከም ምስክር ኮይኑ ንክቐርብ ዝተሃቀነ ከም ዝኾነ ድማ ኣቃሊዐን።
ትማሊ በቶም ተደራረብቲ ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ኣር ኬሊ፡ ናይ መወዳእታ ብይኑ ንክሰምዕ ንግንቦት 4 2022 ተቖጺሩ ኣሎ።
ንምዃኑ እተን ግዳያት እንታይ እየን ኢለን? ኣስማተን ብቤት ፍርዲ ጥራይ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብካልእ እየን ዝጽወዓ።

"ካብኡ ከምልጥ ጎየ ነይረ"
ጄን ዶ ቁጽሪ 5 ብዝብል ስማ ተቐይሩ ዝቐረበት ሓንቲ ምስክር፡ ኣብ 17 ዓመታ እንከሎ ዝተጀመረን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝዘለቐን ምስ ኬሊ ኣብ ዝነበራ ጾታዊ ርክብ ብዙሕ ከም ዝበደላ ትዛረብ።
ንሳ፡ ኣብ 2015 ብልጽቲ ደራፊት ምዃን ሕልሚ ነይሩዋ።
እታ ሕዚ ጓል 23 ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ፡ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ምስ ፈጸመት ድማ ሄርፕስ ዝበሃል ቆርበት ዘቑስል ሕማም ከም ዝለገባ ተዛሪባ።
ንሱ እናፈለጠ ኮነ ኢሉ ከምኡ ከም ዝገበረን፡ ቀዲሙ ክነግራ እናተገበኦ ስቕ ኢሉ ምፍጻሙን መስኪራ።
"እዚ ስብኣይ ኩሉ ነገር እናፈለጠ እዩ ሂቡኒ" እትብል እዛ ግዳይ ክቇጻጸሮ ዝኽእል ነገር ኮነ ኢሉ ከም ዘመሓላለፈላ ከሲሳ።
ርግጽ፡ ናቱ ዶክተር'ውን ኣር ኬሊ ካብ 2007 ጀሚሩ ነቲ ሕማም መድሓኒት ይወስደሉ ከም ዝነበረ መስኪሩ።
ስለ ምንታይ ከምኡ ከም ዝገበረ ምስ ሓተተቶ ድማ፡ "ካብ ካልእ ሰብ'ውን እንተኾነ ክትረኽበዮ ነይርኪ ኢኺ" ዝብል ናይ ይበተኹ ምላሽ ከም ዝሃበ ዘኪራ።
ድሒሩ ድማ፡ በቲ ሕማም ምኽንያት፡ ሰብነታ ብምቑሳሉ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ምስ ተጸገመት፡ 'ኣካላትኪ ፈሪሱ ኣሎ' ብዝብል ከም ዘንጸርጸረ ወሲኻ ሓቢራ።
ፋይዝ ብዝብል ስም ዝተገልጸት ካልእ ግዳይ ድማ፡ ብተመሳሳሊ እቲ ሕማም ከም ዘመሓላለፈላ መስኪራ።
ከምኡ'ውን፡ ኬቲ ብዝብል ስም ዝተገልጸት ካልእ፡ በቲ ሕማም ምስ ተትሓዘት ካብኡ 200 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።
ጄን፡ መዓልታዊ ህይወታ ከም ዝቆጻጸራን ዝበላ እንተዘይተማእዚዛ ድማ፡ ቆርበታ ክሳብ ዝምለጥ የንበርክኻን ይገርፋን ከም ዝነበረ ኣዘኻኺራ።
"በብሰለስተ ወይ ክልተ መዓልቲ ይግረፍ ነይረ" ኢላ ንቤት ፍርዲ ተዛሪባ፤ ጄን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብፍላይ ሓደ እዋን፡ ንመሓዛኣ 'ኩሉ ግዜ እዩ ዝወቕዐኒ' ዝብል መልእኽቲ ምስዳዳ ምስ ፈለጠ፡ ብገዚፍ ጫማ ገይሩ ረጊጹ ከም ዘሳቐያ ተዛሪባ።
"ካብኡ ከምልጥ ጎየ ነይረ፤ ተቓሊሰዮ ድማ" ኢላ።
ካልእ ግዜ ድማ ምስ ኣጥነሳ፡ ነቲ ጥንሲ ክተውርዶ ዘገደዳ ኾይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብቶም ኣገልገልቱ ናብ ክሊኒክ ከም ዝወሰዳ ተዛሪባ።
ከምኡ ድማ፡ ጄን ከም መቕጻዕቲ ፍታና ናብ ገጻ እናጣሰመት ቪድዮ ክትቀርጽ የገድዳ ከም ዝነበረን ንቐጻሊ'ውን ክትደግሞ ምዃና 'ኣጠንቂቑኒ' ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካልእ ኣና ብዝብል እትጽዋዕ ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ 'ንጾታዊ ርክብ ዘለዓዕል' ፈሳሲ ሰውነታ ተለኽያ ባዕላ ዕርቃና ቪድዮ ክትቀርጽ ከም ዘገደዳ ንቤት ፍርዲ ተዛሪባ።
ጃርሆንዳ ፔስ
እዚኣ ቀዳመይቲ ምስክር እንትትከውን፡ ኣብ ግዝኣት ቺካጎ ኣብ 2009 ንፈለማ እዋን ምስ ኬሊ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸምሉ እዋን፡ ዕድሚኣ ንከምኡ ዘይኣኸለ ከም ዝነበረ ተዛሪባ።
ንሳ፡ ሕዚ ጓል 28 ዓመት ኮይና ኣብ ናይ መጀመርታ ናይ መጋባእያ መዓልቲ ንኬሊ ጓል 19 ምዃነይ እየ ነጊረዮ ኢላ እንተነበረት'ኳ፡ ብትኸክል ዕድሚኣ ከምኡ ከም ዘይነበረ ድሒራ ኣፍሊጣ።
ዘይግቡእ ኣከዳድናን ተኸዲና ብናቱ ድሌት ኣሰራርሓ ጸጉራን ክትረአ የገድዳ ከም ዝነበረን፡ ጾታዊ ርክብ እንትፍጽሙ ድማ ቪድዮ ይቐርጽ ከም ዝነበረን ወሲኻ ተዛሪባ።
ሽቓቕ ንምጥቃም ከይተረፈ ናቱ ፍቓድ የድልያ ከም ዝነበረን፡ ባህ እንተዘይኢልዎ ክሳብ ሳልሳይ መዓልቲ ዓይኒ ሚድሪ ከይረእየት ክትጽበ የገድዳ ከም ዝነበረን'ውን ወሲኻ ሓቢራ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካብ ደገ ናብ ገዛ እንትኣቱ፡ ተንከባኺባ ክትቅበሎን ከምኡ እንተዘይገይራ ይጸፍዓን ጡፍ ይብለላን ከም ዝነበራ'ውን ኣቃሊዓ።
ምስ ኬሊ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ኣመልኪቱ፡ ብስማ ካብ ዝተሓተመ መጽሓፍ ድማ 25 ሽሕ ዶላር ከም ዝረኸበት ዝተገብሩ መርመራታት የረጋግጹ።
እንተኾነ፡ ንሳ ኣብ ሚድያታት ወጺኣ ንዝሃበቶም ቃለ መሕትትታት ዝኾነ ክፍሊት ከም ዘይተውሃባ ትዛረብ።
"እንታይ ዓይነት ሙዚቃ ክትሰርሕ ደስ ይብለካ"
ክልተ ኣወዳት ድማ፡ ናቱ ዓጀብቲ ኮይኖም ተጓንፎታቶም ኣካፊሎም።
ሓደ ካብኣቶም፡ ሎዊስ ብዝብል ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ኮይኑ ኣብ 2006 ወዲ 17 ዓመት ኮይኑ ምስኡ ኣብ ቺካጎ ኣብ ማክዶናልስ ናይ ለይታዊ ተልሂት ይሰርሕ ዝነበረ እዩ።
ኬሊ ቴሌፎኑ ሂቡ ናብ ገዝኡ ከም ዝኣንገዶን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናብቲ ድምጺ ዝቐርጸሉ ስቱድዮ ኣእትዩ 'እንታይ ዓይነት ሙዚቃ ክትሰርሕ ትደሊ' ከም ዝበሎን ይዝክር።
ካብኡ ሰብነቱ ተናኺፉ፡ ትሕቲ ዕድመ እናሃለወ 'ሶዶማዊ' [ሕዳዊ] ርክብት ከም ዝፈጸመሉ ተዛሪቡ።
ካብኡ፡ "እዚ ምስጢር እዩ ከይትዛረብ፤ ኣባይን ኣባኻን ይትረፍ። ድሕሪ ሕዚ ስድራ ኢና፤ ኣሕዋት ኢና" ክም ዝበሎ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ካልኣይ ወዲ ተባዕታይ ድማ፡ ኣሌክስ ብዝብል ስም ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ኣብ 20 ዓመቱ እንከሎ ምስኡ ርክብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከም ዝፋለጡ ይዛርበ።
ሓደ ግዜ 'ኣጆኻ ግልጽ ኢልካ ረአ' ብምባል ኣገዲዱ ከም ዝሰዓሞ እዩ ዝዛረብ።
ካልእ ግዜ ድማ፡ ንሱ ምስ ባዕሉ ዘምጸአሉ ኣጓላት እናረእየ ጾታዊ ርክብ ክገብር ከም ዘገድዶን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ክሕወሶምን ይዝክር።
ኣብ መንጎኦም ካብ ጾታዊ ርክብ ወጻኢ ዝኾነ ዓይነት ካልእ ዝርርብ ከይገብሩ ኣጠንቂቑ ከምኡ ይገብር ከም ዝነበሩ ይዛረብ።
ምስኡ ዝኾነ ቤተሰባዊ ርክብ ዘይብሎም እንተኾኑ'ኳ፡ 'ወዲ ሓፍተይ' እናበለ ይጽወዐኒ ነይሩ -ይብል።
'ክዋረድ ኣይደለኹን'
ካልእ ኣዲ ብዝብል ስማ ዝተገልጸት ሰበይቲ ድማ፡ ኣብ ግዝኣት ሚያሚ ድሕሪ ሓደ ኮንሰርት ኬሊ ከም ዝዓመጻ ትዛረብ።
ንሳ ምስ ካልእ መሓዛኣ፡ ክልተ ኣወዳት ምስ ኣዛረብወን ድሕሪ እቲ ኮንሰርት ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ክራኸቡ ኣመቻችዮም ትብል።
ካብኡ ኬሊ፡ ነቲ ምድሪ ጽርግ ጽርግ ኣቢሉ ኣብኡ ከም ዝተጋሰሳ ንቤት ፍርዲ ተዛሪባ።
"ኣብቲ እዋን ልበይ ጠፊኡኒ እዩ ነይሩ" እትብል ኣዲ፡ 'ውሽጠይ ባዶ ተሪፉ' ኢላ።
ካብኡ እታ መሓዛኣ፡ ናብ ፖሊስ ክትሕብር እንተደፍአትኒ'ኳ፡ በቲ ምዝንጋዕ ኢንዳስትሪ ንሓዋሩ ናብ ኮንሰርት ምእታው ከይክልከላ ፈሪሓ ኣግዲፋታ።
"ክኣምኑና ምዃኖም'ውን ኣይፈለጥኩን፤ ካብኡ ድማ ንባዕለይ ኣቃሊዐ ክሓፍርን ክዋረደን ኣይደለኹን" ኢላ።
እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ፡ ኬሊ ኣልያህ ንዝተባህለት ትሕቲ ዕድመ ምስ ተመርዓወ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ምዃኑ ሰነዳት ይሕብሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







