ኣር.ኬሊ 'ንወሲባዊ ንግዲ ሰባት ብምዝውዋር' ተኸሲሱ ተኣሲሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውሩይ ደራፋይ ኣር.ኬሊ፡ 'ንወሲባዊ ንግዲ ሰባት ብምዝውዋር' ተኸሲሱ ኣብ ቺካጎ ተኣሲሩ።
እቲ ሙዚቀኛ፡ ህፃናት ንወሲብ ክብዝበዝ እንከለዉ ምስ ዘርኢ ስእልታት ብዝተኣሳሰር፡ ከምኡ ድማ ከይዲ ፍትሒ ንምዝባዕ ፈቲንካ ዝብል ሓዊሱ 13 ክስታት ከምዘለውዎ ተገሊጹ'ሎ።
ወዲ 52 ዓመት ኣር.ኬሊ፡ ብፖሊስ ከተማ ኒውዮርክን ኣባላት ድሕነት ውሽጢ ዓድን እዩ ተኣሲሩ።
ኣር.ኬሊ ብርክት ዝበሉ ክስታት ፆታዊ መጥቃዕትታት ዋላ እኳ እንተቐረበሉ፡ ንሱ ግን ንልዕሊ 20 ክስታት ገበነኛ ኣይኮንኩን ብዝብል ተኻቲዑ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብስሩዕ ስሙ ሮበርት ኬሊ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣር.ኬሊ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዒስራ ዓመታት ብዙሓት ክስታት ጾታዊ መጥቃዕቲ እዮም ቀሪቦምዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት እውን ኣር. ኬሊ ምስ ፆታዊ ግህሰት ብዝዛመድ 10 ክስታት ቀሪብሉ እዩ። ንሱ ግን ገበነኛ ከምዘይኮነ ኣብ ቤት-ፍርዲ ተኻቲዑ እዩ፤ ደሓር ድማ ብዋሕስ ተፈቲሑ።
ክስታት ፆታዊ ግህሰትን መጥቃዕትታን ኣር.ኬሊ ግና በዚ ኣየብቅዐን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ብካልኦት 11 ተወሰኽቲ ክስታት ፆታዊ ግህሰት ተፈሪዱ እዩ።
ስሙይ ድምፃዊ ኣር.ኬሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን፡ ካብ 13 ክሳብ 16 ንዝዕድሚአን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ፆታዊ ግህሰት ፈጺምካ ብዝብል ገበን ተኸሲሱ እዩ፡ ንሱ ግና ኣይወዓልክዎን ኢሉ ካብ ምክታዕ ንድሕሪት ኣይበለን።
እቲ ሕዚ ብፌደራል ዓቃቢ-ሕጊ ኣመሪካ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ፡ ምስቶም ሕሉፋት ክስታቱ ዝተሓሓዙ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ኣይተፈለጠን።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ሓደ ሰብ ብፌደራል ዓቃቢ-ሕጊ ክኽሰስ ዝኽእል፡ ኣብ ብዙሓት (ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ) ግዝኣታት ሕጊ ምስዝጥሕስ እዩ።
ኣብ 2008፡ ወሲባዊ ስእሊ ህፃናት ተጠቒሙ ብዝብል ክሲ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ እኳ እንተነበረ፡ ሻቡ ግን ብናፃ ተለቒቑ እዩ።
ቢቢሲ ኒውስ ቢት፡ ንወኪል ኣር.ኬሊ፣ ፖሊስ ከተማ ኒውዮርክን ኣብ ቺካጎ ንዝርከብ ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካን ንሓበሬታ ተወኪሱዎም እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







