ምስ መራሕቲ ትግራይ ዝላዘብ ኮሚቴ ከምዝቘመ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, HOPR
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ልዕሊ 19 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝከታተልን ዝላዘብን ኮሚቴ ተጣይሹ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡ ዝበለ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ካብ ኣባላት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ እዋን እዩ።
“ንሕና ደለይቲ ሰላም ኢና። ዘሎ ኣማራጺታት ሰላም ተግባራዊ ክኸውን ድልዋት ኢና። ነቲ ኲናት ዝጀመሩን ተወቒዕና ዝብሉን ንሳቶም እዮም። ዓለም ድማ ንዓና ፀቕጢ ክትፈጥረልና ጀሚራ፡” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ስምዒትና ዓቂብና ናብ ሰላም ንኺድ። ምስ ህወሓት ኮነ ምስ ካልእ ናብ ሰላም ክንምለስ ድልዋት ኢና፡” ክብል ተዛሪቡ።
ንተግባራውነቱ ድማ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ኮሚቴ፡ ብፈጻሚ ስራሕ ኮሚቴ ውድብ ብልጽግና ምቛሙ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ዝርከበሉ መገዲ የጽንዕ ከምዘሎን ስርሑ ምስ ወደአ ጸብጻብ ከም ዘቕርብን ተዛሪቡ።
እንተዀነ፡ እቲ ብደመቀ መኮነን ዝምራሕ ዝተበሃለ ኮሚቴ ዘቕረቦ ዛጊድ ጸብጻብ ከምዘየለን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ኮሚቴ ብቐንዱ፡ ንኽልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎን ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ፡ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ናብ ወተሃደራዊ ጎንጺ ዝኣተወን ህወሓት ዝላዘብ ምዃኑ'ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብሪሁ።
ሰብኣዊ ረድኤት መሰረት ዝገበረ፡ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ውዕል ካብ ዝግበር ጀሚሩ፡ ዝኸፍአ ተጻብኦ ዘይተሰምዐ ዀይኑ፡ ዕላዊ ዘይኮነ 'ኢደ ኣዙር ዝርርብ’ ይካየድ ከምዘሎ መራሒ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ከምኡ ድማ ሃገራት ኣመሪካን ኬንያን ዝተሓወሳኦ ፈተነታት ሰላማዊ ዝርርብ ይካየድ ከምዝነበረ ጸብጻበት ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተራእየ ኦባሳንጆ፡ ኣብ ሓጺር ዝበሃል እዋን፡ ቅሉዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኲናት ዕላዊ ክግበርን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቛሪጾም ዘለዉ መንግስታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ክምለሱ ምዃኖምን ንቢቢሲ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።
“ብሕቡእ ዝግበር ልዝብ የለን”
መንግስቲ ፌዴራል ልዝብ ተጀሚሩ ዝብል ሓሶት ምዃኑን ብሕቡእ ዝካየድ ልዝብ ከምዘየለን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ፓርላማ ተዛሪቡ።
“ኲናት ክካየድ ከሎ ኣይሓባእናን። ሕዚ ድርድር ክካየድ ከሎ፡ ኣብ እዋኑ ክነፍልጥ ኢና። ዶላራት ኢና ንትኩስ ዘለና ስለዚ ይኣኽለና እዩ። ሕቡእ ልዝብ ዝበሃል የለን። ግን ድማ ንሰላምን ድርድርን ዝግበር ጻዕሪታት እንተሃልዩ ንስኻትኩም ኣባላት ፓርላማ 'ኣጆኹም ብርትዑ ቀጽሉሉ' ክትብሉና እዩ ዘለኩም”።
“እቲ ንሰላምን ድርድርን ዝተጣየሸ ኮሚቴ ዳህሳስ ብምክያድ ጸብጻብ ምስ ኣቕረበልና ናብ ህዝቢ ዕላዊ ክንገብሮ ኢና። ሰላም እንተመፂኡ ብቐዳምነት ዝረብሕ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ስለዚ እዚ ኣባል ፓርላማ ንህዝቢ ትግራይ እውን ክግደስ ክኽእል ኣለዎ” ክብል ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንህወሓት ኣብ ግምት ብምእታው ዘይኮነስ ንሓፈሻዊ ስግኣት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተሃንጸ ሰራዊት ከምዘሎ ተዛሪቡ።
“ኣምሓራ ከይፈለጠ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ” ብዝብል ካብ ሓደ ኣባል ፓርላማ ተወላዲ እቲ ክልል ንዝቐረበ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ኲናት ንመላእ ኢትዮጵያ ዝምልከት ከምዝዀነ ብምሕባር፡ “ነቲ ኲናት ቆንጪልኩም ናብ ታሕቲ ኣይተውርድዎ” ክብል ነቒፉ።
“ንዝዀነ ሓደ ኣካል ጥራይ ጽልኢ ዘቕነዐ ጽልኢ ኣይነበረን፣ የለን” ክብል ድማ ወሲኹ።
ካልእ እንታይ ኢሉ
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብዛዕባ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ‘ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ’ ኣልዒሉ'ውን መብርሂ ሂቡ'ሎ።
ብፍላይ ኣብ ከልል ኣምሓራ፡ ዘይሕጋውነት ዓሲሉ ከምዝነበረ፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ኣጽዋራትን ንቡር ኰይኑ ከምዝጸንሐን ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ድማ በቲ ዝተወስደ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ።
“ኣደታት ድቃስ ሓሪሙወን ነይሩ” ዝበለ ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓቢ ጭንቂ ኣትዩ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
ዘይስሩዕ ዕጡቑ ሓይሊ ዝኾነን ብዓለማዊ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝቐርበሉ ፋኖ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ስጉምቲ ከምዝተወስዶ ዝዝከር እዩ።
“ንኣምሓራን ንኢትዮጵያን ውዕለት ዝወዓለ- ስለዝዀነ ብፍሉይ ክኽበር ኣለዎ” ዝብሉ ብስሙ ዝነግዱ ሓይልታት ከምዝነበሩ ኣብሪሁ።
ኣብታ ሃገር ሓይሊ ናይ ምጥቃም ስልጣን ናይ መንግስቲ ጥራይ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ክልል፡ መናእሰይ ወፊሮም ዘይኣትውሉ ሕጊ-ኣልቦነት ተፈጢሩ ከምዝነበረን እቲ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ከምዝቕጽልን ተዛሪቡ።
ምስቲ ኣብቲ ክልል ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ተኣሳሲሩ፡ ንጋዜጠኛታት ሓዊሱ ብዙሓት ዕጡቓት እቲ ክልል ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ይዝረብ።
ካብ መንጐኦም ልዕሊ 3 ሽሕ ዝኸድዑ ዝበሎም ኣባላት ሰራዊት ከም ዝኾኑ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







