ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ደው ንምባል ኣዝዩ ዝተሓላለኸ መስርሕ’ዩ - መንግስቲ

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ጠንቂ ምዝንባል ኣሽሓት ኰይኑ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ን19 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ንኸብቅዕ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝድግፎ ገሊጹ።

ፕረስ ሴክረታሪያት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ “ዓቢይ ቦታ” ኣለዋ ኢላ።

ይዅን’ምበር፡ “ዝዀነ ዓይነት መስርሕ ሰላም ነዊሕ’ዩ፣ ቀሊል ኣይኰነን። ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ዝተሓላለኸ መስርሕ’ዩ” ክትብል ተዛሪባ።

እታ ወሃቢት ቃል፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ቀረባ ሰሙናት “ከበሮ ኲናት ይሃርሙ ኣለው፡" ክትብል’ውን ከሲሳ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ቅድም ኢሉ፡ እቲ ኣብ መንጐ ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ዝተበጽሐ ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብ ባይታ ከምቲ ትጽቢት ዝተነብረሉ ውጽኢት ዘየምጽእ እንተዀይኑ፡ ነቲ ዕጽዋ ንምስባር ዘድሊ ዝበልዎ ስጕምቲ ክወስዱ ምዃኖም ኣጠንቂቝ እዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መራሕቲ ትግራይን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝርከቦም ካልኦት ሰብ መዚ ፌደራልን ከም ዝተራኸበን ይዝከር።

መራሕቲ ትግራይ እቲ ዝተጀመረ ጻዕሪ ሰላም ከም ዝተቐበሉዎ’ውን ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ፎካስ ኦን ኣፍሪቃ ቃለመጠይቕ ዝገበረ ፍሉይ ልኡኽ ኦባሳንጆ፡ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ንኸብቅዕ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ “ድንጉይ ግን ድማ ዘተኣማምን” ምዕባለ የርኢ ኣሎ ክብል ገሊጹዎ።

ኦባሳንጆ፡ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ ካብ ዝሽየም ንደሓር፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ብምኻድ ንመራሕቲ እቲ ክልልን ፌደራል መንግስትን ከዘራርብ ጸኒሑ’ዩ።

“እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ካብቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝነበረ ዝሓሸ’ዩ፤ ብቐጻሊ ክንገብሮ ዝግብኣና፡ እቲ ሕጂ እንገብሮ ዘለና ኰይኑ፡ ንሱ ድማ ምትእምማን ንኽፍጠር ዝሕግዙ ስጕምታት ኣዕቢኻ ክቕጽሉ ምግባር እዩ፡” ኢሉ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክኣስር እንከሎ፡ እቲ ስጕምቲ ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ከም ዝዀነ ይገልጽ።

ካብዚኦም፡ እቶም 18 ጋዜጠኛታትን ናይ ሚዲያ ሰባትን ኰይኖም፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ስጉምቲ “ዘይሕጋዊ” ክብል ተቓዊምዎ።

ቢልለኔ ግን፡ እቶም ዝተኣሰሩ ውልቀሰባት ብበዓል መዚ ብሮድካስት ፍቓድ ዘይተዋህቦም እዮም ኢላ።

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወስደ ስጕምቲ’ውን “ካብ ዝተፈቕደሉ መሓውር ጸጥታ ወጻኢ ዝተንቀሳቐሱ ውልቀሰባት” ዒላማ ዝገበረ እዩ ክትብል ተዛሪባ።