ትግራይ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ንፈለማ እዋን ኣባላት ፖሊስ ኣመሪቓ

ምረቓ ኣባላት ፖሊስ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAI TV

ኣብ ትግራይ ድሕሪ ምጅማር ኲናት፡ ሰላምን ፀጥታን ህዝቢ ንምውሓስ ብዝብል ንፈለማ እዋን ኣባላት ፖሊስ ተመሪቖም።

ኣብቲ እዋን ኲናት ካብ ሞንጎ ዝዓነዉን ንብረቶም ዝተዘምቱን ትካላት መንግስቲ ትግራይ ሓደ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ከምዝኾነ ይግለፅ።

መራሕቲ ትግራይ ካብ በረኻ ድሕሪ ምምላሶም እቲ ኮሚሽን ከም ሓድሽ ክጣየሽ ብምውሳኖም ድማ ነቲ ዝነበረ ኣባል ፖሊስ ከምዝበተንዎ ወግዓዊ ገይሮም'ዮም።

ነቲ ኮሚሽን ዳግም ንምጥያሽ ዝወፅአ ሓድሽ ኣዋጅ 360/2014 መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ ቅድመ ምድላዋት ክግበር ድሕሪ ምፅናሕ እቶም ስልጠና ዝወሰዱ ኣባላት ፖሊስ ትማሊ ተመሪቖም ኣለዉ።

እቶም ዝተመረቑ ኣባላት ፖሊስ ድማ ካብ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ዝተመልመሉ ምዃኖም ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ይደጎ ስዩም ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ተዛሪቡ።

እቶም ተመረቕቲ መባእታዊ ስልጠና ፖሊስ ከምዝወሰዱ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽነር ፖሊስ "ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ብዘይስሩዕ ኣገልግሎት ፖሊስ ምፅንሑ" ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ዝተረኸበ መራሒ ትግራይን ኣቦመንበር ህወሓትን ደብረፅዮን ገብረሚካኤል [ዶ/ር] "ህዝብና ተረጋጊኡን ቀሲኑን ዕለታዊ ውራያቱ ብሰላም ክፍፅም ዘኽእሎ ምችው ባይታ ከምእትፈጥሩ እምነት ኣለና" ኢሉ።

ነቶም ድሕሪ ምጅማር ኲናት ንፈለማ እዋን ዝተመረቑ ኣባላት ፖሊስ "መሰረት መፃኢ ህዝባዊ ፖሊስ ትግራይ" ክብል ዝገለፆም ኮይኑ፡ ኣብ ቅድሚኦም "ተደራረብቲ ዕማማት" ከምዝፅበዮም ኣዘኻኺሩ።

"ፖሊስ ከም ትካል ጠሊሙና"

ኣቦመንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝርከቦም መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ምስ ህዝቢ ተራኺቦም ህዝባዊ ኮንፈረንስ ኣካይዶም ነይሮም።

ኣብቶም ህዝባዊ መድረኻት ካብ ዝተለዓሉ ጉዳያት እቲ ሓደ፡ ኵነታት ፀጥታን ስግኣት ድሕንነትን ዝምልከት ኮይኑ፡ ብዙሓት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ "ንድሕነትና ናብ እንሰግኣሉ ደረጃ ወዲቕና፡" ዝብል'ዩ። ስርቂ፡ ክትራንን መንጢልካ ምህዳምን ካብቶም ዝተጠቕሱ ገበናት እዮም።

ኣባላት ፖሊስ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, TIGRAI TV/SCREEN

ኣብ ግንቦት 2014 [ግእዝ] ኣብ ሓደ ህዝባዊ ዋዕላ ዝተረኸበ መራሒ ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ነቲ ምስ ስግኣት ድሕነትን ፀጥታን ብዝተሓሓዝ ካብ ህዝቢ ዝለዓል ሕቶ ቅቡል ይገብር።

ንሱ፡ እቲ ህዝቢ ብምረት ዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ መልሲ ንኽረክብ ብዝብል ግን፡ ነቲ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረ ፖሊስ ምምላስ ከምዘይከኣል'ዩ ሽዑ ተዛሪቡ።

"ቅድሚ ኵሉ ዝጠለመ ንሱ [ፖሊስ] እዩ። ካብ መጀመርያ ተጋደል ኢልናዮ ኢና። ግን ምስ ብልፅግና ዝተሰለፈ ንሱ እዩ። ብውልቀሰባት ዘይኮነስ ከም ትካል እዩ ጠሊሙና። [ፖሊስ] ንህዝቢ ትግራይ ጠሊምዎ እዩ። ብውልቀሰባት ግን ዝተቓለሱ፡ ዝተሰውኡን ሕዚ'ውን ዝቃለሱን ኣለዉ፡" ኢሉ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ምሉእ ትግራይ ንዘሎ መሓውር ፖሊስ ናይ ምፍራስ ስጕምቲ ከምዝተወሰደ ብምሕባር "ነቲ ነባር ተመሊስና ኣይክነእትዎን። ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ንዘሎ ፖሊስ ብሓድሽ ኢና ክንትክኦ" ክብል ኣብቲ ህዝባዊ ዋዕላ ክዛረብ ተሰሚዑ።

ወሲኺ ድማ "ነቲ ፀጥታ ብትካላዊ መልክዕ ክንመልሶ ስራሕ ጀሚርና ኢና። ኣፅሪና ኢና ክንምድብ፤ ኣብዚ እዋን ካብ ግንባር ኢና ነምጽእ ዘለና። ስለዚ እቲ ስራሕቲ ይጅመር ኣሎ። ምድላው ወዲእና ኢና" ክብል'ውን ተዛሪቡ ነይሩ።