ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ኣማሓዳሪ ሓዊሱ 19 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ - ዞባ ካማሺ - ኣብ ሞንጎ ፍሉይ ሓይልን ዕጡቓትን ብዝተኸፈተ ተኹሲ ህይወት 19 ሰባት ከምዝጠፍአ ተገሊፁ።
ኣብቲ ዞባ ወረዳ ምዥጋ ዝሓለፈ ረቡዕ ብዝተኻየደ ልውውጥ ተኹሲ ካብ ሞንጎ ዝተቐተሉ፡ ኣመሓዳሪ እታ ወረዳን ሓደ በዓልሃብቲ ምስወዱን ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ’ሎ።
እቲ ጎንፂ ከምዝነበረ ንቢቢሲ ዘረጋገፀ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ቤኒሻንጉል ሃሩን ዑመር፡ ዕጡቓት ንዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ስዒቡ 19 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሓቢሩ።
እቲ ኮምሽነር፡ “ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ኮይኑ 19 ዕጡቓት ተቐቲሎም። ካብ ሞንጎ እቶም 19 ድማ ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ወረዳ ይርከቦም። ኣብቲ እዋን ምስቶም ዕጡቓት ስለዝነበረ እዩ ሞይቱ” ኢሉ።
እቶም ዕጡቓት ብሃንደበት ዝኸፈትዎ ተኹሲ እዩ ነይሩ ዝበለ ኮምሽነር ሃሩን ዑመር፡ “ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና ተኹሲ ምስከፈቱ ኣብ ዝተወሃበ ግብረ-መልሲ እዩ ዕጡቓት ሞይቶም” ኢሉ።
እቶም ዕጡቓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ሃይማኖታዊ ስርዓት ዕርቂ ምስተፈፀመ ካብ ዱር ናብ ከተማ ዝተመለሱ ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ጉሙዝ (ጉህዴን) ከምዝኾኑ ይግለፅ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ግና ዝምታን ካልኦት ገበናትን ክፍፅሙ ምፅንሖም፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ቤኒሻንጉል ሃሩን ንቢቢሲ ተዛሪቡ’ሎ።
ንሱ ካብቶም ዝተቐተሉ 19 ሰባት ብዘይካ እቲ ኣማሓዳሪ ወረዳ ምዥጋ ካልኦቶም ዕጡቓት ከምዝነበሩ ይሙጉት። እቲ በዓል ሃብቲ ዝብሃል እውን ምስቶም ዕጡቓት ምንባሩ ዘረጋግፅ መረዳእታ ረኺብና ኢና ይብል።
“እቲ በዓል ሃብቲ ዝብሃል ዘሎ ውልቀሰብ ኣብ ውሽጢ ገዝኡ ኣፅዋር ተረኺቡ ኣሎ። እዚ ኣፅዋር ከኣ ነቶም ዕጡቓት ዝተዳለወ እዩ። ሸሞንተ ናይ ዶሽካ ጠያይቲ፣ ናይ ብሬን ጠያይቲን 5 ከላሽንን’ዩ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዝኡ ተረኺቡ። እቶም ዕጡቓት ዝጥቀሙሎም ካልኦት ብዙሓት ነገራት’ውን ኣብ ገዝኡ ተረኺቦም’ዮም” ይብል።
ንሱ ወሲኹ፡ “ካብ ካልእ ቦታ እዩ ዘምፅኦም። ነዚ ድማ ኢና ዕጡቕ ወይ ናይ ዕጡቓት ተለኣኣኺ ክንብል ዝገለፅናዮ። ጭቡጥ ዝኾነ መረዳእታን ኤግዚቢትን ስለዘለና” ብምባል ከሲሱ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ክስተት ካብ ነበርትን ሳልሳይ ወገንን ከፃርይ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ጋዜጣ ሪፖርተር ሒዝዎ ዝወፅአ ፀብፃብ ግን፡ በቲ ዝተኻየደ ልውውጥ ተኹሲ፡ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት 19 ከምዝኾነ የመልክት።
ካብ ሞንጎኦም እቶም ዝተቐተሉ እቶም 16 ዕጡቓት ከምዝነበሩ ዝሕብር እቲ ፀብፃብ፡ ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ከምኡ’ውን ሓደ በዓል ሃፍቲ ምስ ወዶም ከኣ ምስቶም ዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ጠቒሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







