ሓይልታት ጸጥታ፡ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብዘይ ዳንነት ቅትለት ከምዝፈጸሙ ኢሰማኮ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, unicef/ethiopia
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰማኮ] ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ቀበሌ ኣይሲድ ለካቲት 24 [2014] ብኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
ኢሰማኮ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዝቐነየ ዘስካሕክሕ ቪድዮ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮምዎም ንዝነበሩ ሰባት ተኵሶም ከምዝቐተሉ የረድእ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ሓይልታት ጸጥታን ካልኦት ብዙሓት ሰባትን ተኣኪቦም ኣስከሬን ዝሞቱ ሰባትን ካልእ ሓደ ብህይወቱ እንከሎ ብዘስካሕክ መገዲ ብሓዊ ከቃጽልዎ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ኣመልኪቱ መርመራ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ቅትለት ካብ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ ወጻኢ ንሓደ ብህይወቱ እንከሎ ሰብን ኣስከሬንን ብሓዊ ናይ ምቅጻል ተግባር ብተሳትፎ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ካልኦትን ከምዝተፈጸመ ኣረዲኡ።
በቲ ረኺበዮ ዝበሎ መርመራ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ካብ ከተማ ግልገል በለስ ተበጊሶም ናብ ማንኩሽን ባምዛን ኣብ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት ተፍትሽ ከምዘካየዱ ገሊጹ።
እቶም ኣባላት ጸጥታ ብ23 ለካቲት 2014 ዕጡቓት ብከቢድ ብረት ተሓጊዞም ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ካልኦት ሰለማውያን ሰባትን ድሕሪ ምቕታሎም ተፍትሽ ከምዘካየዱ እቲ መረዳእታ ይሕብር።
ኣብታ መዓልቲ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ምስቶም ዕጡቓት ክታኾሱ ውዒሎም ንጽባሒቱ ንጉሆ ተወሳኺ ሓይሊ ከምዝተለኣኸሎም ጸብጻብ ኢሰማኮ የረድእ።
እቶም ኣባላት ጸጥታ ኣብቲ ዘካየዱዎ ተፍትሽ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዞባ መተከል ናይ ይሕለፍ ወረቐት ሒዞም ናብ መንበሪ ገዝኦም ዝምለሱ ንዝነበሩ 8 ተወለድቲ ትግራይ፡ "በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ከምዝተጠርጠሩ" ኢሰማኮ ኣፍሊጡ።
በቲ ዝተኻየደ ተፍትሽ ከኣ ሓንቲ ወተሃደራዊት ሬድዮ ርክብን ልዕሊ 40 ሽሕ ብርን ካልኦት ስእልታትን ከምእተታሕዙ ሓቢሩ።
ብድሕርዚ እቶም ኣባላት ጸጥታ ነቶም ጥርጡራት ብበትሪ እንናወቕዑ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝሓቱሉ ዝነበሩ እዋን ሓደ ካብቶም ጥርጡራት "ኣብቲ ከባቢ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ኢድና ኣለዎ፤ ኣብ ባምዛን ግልገል በለስን ሰባት ኣለዉ" ድሕሪ ምባሉ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ንካልኦት ክልተ ነቲ ጉዳይ ዝተቓወሙ ተወለድቲ ብሄር ጉሙዝ ሓዊስካ ንዓሰርተ ሰባት ተኵሶም ከምዝቐተሉዎም ብመርመራ ኣረጋጊጸ እየ ኢሉ።
እቶም ኣባላት ጸጥታ ኣስከሬን እቶም ዝቐተልዎም ዓሰርተ ሰባት ናብ ሓደ ጫካ ወሲዶም ብሓዊ ከምዘቃጸልዎም ካብ መሰኻኽር ዓይኒ ከምዘረጋገጸ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ እዚ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ምስ እቲ ጉዳይ ርክብ ነይርዎ'ዩ' ንዝተባህለ ካልእ ሓደ ትግራዋይ ኣብታ ተሳፊሩላ ዝነበረ መኪና ተሓቢኡ ስለዝረኸብዎ ኣሲሮም ናብቶም ብሓዊ ዝቃጸሉ ዝነበሩ ኣስከሬን ከምዘእተውዎ ውጽኢት ምርመራ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ የረድእ።
እቲ ዘስካሕክሕ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዝዩ ኣዘራረቢ ምስኮነ ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ተግባር ብምኹናን ንፈጸምቲ እቲ ተግባር ኣጻርዩ ኣብ ቀይዲ ከምዝእትዎም ምግላጹ ይዝከር።
መራሕቲ ትግራይ ብግዲኦም ትማሊ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ 'እቲ ተግባር ብሓይልታት ኣምሓራ ከምዝተፈጸመ' ብምግላጽ ነቲ ተግባር ኮኒንሞ ኣለዉ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ግን ዛጊት ኣብቲ ጉዳይ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

መበገሲ እቲ ዘስካሕክሕ ተግባር እንታይ'ዩ?
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እዚ ተግባር ኣብ ዝሓለፈ 24 ለካቲት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዝተፈፀመ'ዩ ሓቢሩ።
እቲ ኮምሽን፡ እዚ ተግባር ቅድሚ ምፍፃሙ ብ 23 ለካቲት 2014 ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ኣይሲድ ኣብ ዝበሃል ቀበሌ ኣብ ከባቢ ኣፍሪቃ ሕርሻ ልምዓት፡ ካብ ከተማ ግልገል በለስ ናብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ማንኩሽን ናብ ኣሶሳን ኣብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰባት፡ ዕጡቓት ብኸቢድ መሳርሒ ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ብምኽፋት 20 ሰባት ከምዝቐተሉ ገሊፁ።
በዚ መጥቃዕቲ ሓደ ዘዋሪ መኪና፣ ሓደ ብንግዲ ዝመሓደር ውልቀ ሰብን ሓደ መምህርን ብሓፈሻ ሰለስተ ሲቪላት ተቐቲሎም።
እታ መኪና ብኸቢድ ብረት ስለዝተወቕዐት፡ ነቲ መራሒ ሻለቃ ሓዊሱ ነቶም ተጓዓዝቲ ዝዕጅቡ ዝነበሩ 20 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ተቐቲሎም፤ 14 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ድማ ተጎዲኦም ይብል፡ መግለፂ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ።
ኣብቲ ዕለት እቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፀጥታን ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ዕጡቓትን ብዝተኻየደ ውግእ፡ ካብ ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 12፡00 ናይ ኣጋ ምሸት ከምዝፀንሐ እቲ ኮምሽን ሓቢሩ።
"ንጽባሒቱ 24 ለካቲት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ተወሳኺ ሓይሊ መንግስቲ መጺኡ፡ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12፡00 ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድማ ካብቶም ዕጡቓት ኣስታት 30 ተቐቲሎም፡ ዝተረፉ ከኣ ሃዲሞም" ኢሉ።
እቲ መግለጺ፡ ኣብቲ እዋን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ፍሉይ ሓይሊ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብን ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶር ዳንኤል በቀለ " ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ብዘይ ዳንነት ብምቕታልን ብሓዊ ኣቃፂልካ ምቕታልን፡ ካብ ኣባላት ኣኽበርቲ ሕጊ ትጽቢት ዘይግበር፡ ጭካነ ዝመልኦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል'ዩ" ኢሉ።
እቲ ኮምሽነር፡ "ተሓታትነት ሕጊ ንምርግጋጽ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ብህፁፅ ግቡእ ምርመራ ክግበር" ሓቲቱ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







