መንግስቲ ኣብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈጸመ 'መስካሕኽሒ ተግባር' ኣጻርዩ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከምዝተፈጸመ ዝዝረበሉ ዘሎ መስካሕኽሒ ተግባር፡ ኣጻርዩ ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ እቲ ገበን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።
ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘዋወር ዘሎ መስካሕኽሒ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዓቢ ቁጥዐ ዝፈጠረ ኾይኑ፡ ብዙሓት መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ክሓቱ ተስተውዒሎም።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ሎሚ ኣብ ዘወወጸኦ መግለጺ፡ እቲ ተግባር ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዞባ መተከል፡ ጉባ ወረዳ፡ ቀበሌ አይሲድ፡ ከም ዝተፈጸመ ብምሕባር፡ "ኣዝዩ መስካሕኽሒን ኢሰብኣውነትን ዝተመልኦን" ክብል ኮኒንዎ።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ሰባት ብህይወት እናሃለዉ፡ ብዝስካሕኽሕ ኩነታት ብሓዊ ኣቃጺሎም ክቐትሉዎም ይረአዩ።
መንነት እቶም ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ዘይረአ እንተኾነ'ኳ፡ ነቲ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት ግን ገጾም ብውስን ደረጃ ይረአ እዩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ተግባር እንትፍጸም ኣብቲ ከባቢ ሰባት ተኣኪቦም ክዕዘቡ ይረአዩ።
ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን፡ ነዚ 'ኢሰብኣዊነት ዝተመልኦ ተግባር' ኢሉ ዝገለጾ ፍጻመ፡ "መበገሲኡ ዝኾነ ይኹን፡ ነዚ ኢሰብኣዊነትን ጭካነ ዝተመልኦን ዝፈጸሙ ኣካላት መንግስቲ ኣጻርዩ ናብ ሕጊ ከምዘቕርብ" ኣፍሊጡ።
እንተኾጀነ፡ እዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ዛጊድ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ዝተውሃበ መግለጺ የለን።
ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ጸጥታ ጸገም ካብ ዘለዎም ኣከባብታት ሓደ እንትኸውን፡ ዕጡቓት ብዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ክጽብጸብ ጸኒሑ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ብዙሓት ክመዛበሉን ኣብ ጎረቤት ክልላት ከዕቑቡን ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዝኾኑ ዕጡቓት ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብዝፈጸምዎ መጠቃዕቲ፡ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ይዝከር።
ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ጸገም ጸጥታ ንምዕራይ፡ ካብቲ ክልልን ካብ መንግስቲ ፌዴራልን ዝተውጻጽኡ ሓይልታት ጸጥታ ሓቢሮም ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝረአ መጥቃዕትን ዘይምርጋግእን፡ ኣብዝሓ እቲ ከባቢ ብሓበራዊ ጸጥታ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን፡ ብኮማንድ ፖስት እዩ ዝመሓደር ዘሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







