ሞልዶቫ፡ ሩስያ ዕልዋ መንግስቲ ክትፍጽም መደብ ኣለዋ ክትብል ከሲሳ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ሞልዶቫ፡ ሩስያ ንደጋፊ ሕብረት ኤውሮጳ ዝድግፍ መንግስታ ንምዕላው “ሽርሐኛታት” ወጻኢ ክትጥቀም ውዲት ኣለዋ ክትብል ከሲሳ።
ማይያ ሳንዱ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶሪን ረካን ከም ዝሓጸየት ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ሳንዱ፡ እቲ "ውዲት" "ብተቓወምቲ ዝበሃሉ ሓይልታት ተቓውሞታት" ዘጠቓልል ምዃኑን፡ "ነቲ ቅዋማዊ ስርዓት ንምዕላው" ዝዓለመ ምዃኑን ገሊጻ።
ሩስያ ኣብ ጐረቤት ሃገር ዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ንሞልዶቫ - ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ኤውሮጳ - ኣብ ዓቢ ጸቕጢ ኣእትዩዋ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣገልግሎት ስለያ ኪብ ሩስያ ንሞልዶቫ ንምዕናው ዝሓሰበቶ መደብ ከም ዘቃልዐ ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ሮማንያን ዩክሬንን ተሸኺላ ዘላ ሞልዶቫ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እያ ሕጽይቲ ኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ኰይና።
እታ 2.6 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር፡ ካብ ዩክሬን ዝመጽእ ዋሕዚ ስደተኛታት ከምኡ’ውን ምስታ ኣስታት 1500 ወተሃደራት ሩስያ ዝዓረደላ ንሞስኮ እትድግፍ ተነጺላ ዘላ ዞባ 'ትራንስኒስትርያ' ዝነበረ ወጥሪ ዓበይቲ ግድላት ኰይኖምዋ እዮም።
ሞልዶቫ - ናይ ቀደም ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት- ኣብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ኣብ ሩስያ ዝምርኰስ ቁጠባ እዩ ዘለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት ዩክሬን ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ሞልዶቫ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣጋጢምዋ ነይሩ።
ፕረዚደንት ሳንዱ፡ ሩስያ "ወተሃደራዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም፡ ሲቪላዊ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ዝንቀሳቐሱ ሽርሐኛታት ዓመጻዊ ስጉምቲ ንምውሳድ፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻምን ጅሆ ንምሓዝን" ክትጥቀም መደብ ኣለዋ ክትብል ትኸስስ።
እቲ ውዲት ዜጋታት ሩስያ፣ ሞንቴነግሮ፣ ቤላሩስን ሰርብያን ናብ ሞልዶቫ ክኣትዉ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኣ ሓቢራ።
ንሳ፡ ባይቶ ሞልዶቫ ንኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን እታ ሃገርን ኣኽበርቲ ሕጊን "ኣንጻር ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ብዝያዳ ብብቕዓት ንምምካት ዘድሊ መገዲ" ዝሕብር ሕግታት ከጽድቕ ኣተሓሳሲባ።
ወሲኻ ድማ "መንግስቲ ሩስያ ኣብ ሃገርና ዓመጽ ንምምጻእ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነታት ክፈሽል'ዩ" ኢላ።
ቀንዲ ሶሻሊስትን ኮሚኒስትን ተቓወምቲ ውድባት ሞልዶቫ ምስ ሞስኮ ጽኑዕ ርክብ ኣለዎም።
ፕሬዝደንት ነበር ኢጎር ዶዶን - ካብ 2016 ክሳብ 2020 ኣብ ስልጣን ዝነበረ - ምስ ሩስያ ጥቡቕ ርክብ ይኽተል ነይሩ።
ሞልዶቫ ኣብ 1991 ሶቭየት ሕብረት ካብ እትፈርስ ንደሓር ግን ምስታ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝዀነት ሮማንያ ዝዓሞቐ ሽርክነት ፈጢራ ኣላ።
ብዓርቢ ካብ ስልጣና ዝለቐቐት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ናታሊያ ጋቭሪሊታ መንግስታ ኣብ 2021 ምስ ተመረጸ፡ "ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝመጽአ ብዙሕ ቅልውላዋት" ክኣሊ እዩ ኢሉ ዝገመተ ሰብ ከም ዘየለ ተዛሪባ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







