መደብ ስለያ ባሉን ቻይና ንሓሙሽተ ኣህጉራት ዓለም ዝሸፈነ እዩ ነይሩ ተባሂሉ

መራኽብን ሓምበስትን ኣመሪካ ገና ካብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡብ ካሮላይና ዝርከብ ባሉን ፍርስራስ ይደልዩ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ እቲ ኣብ ክሊ ኣየራ ወቒዓ ዘውደቐቶ ባሉን ኣካል ሓሙሽተ ኣህጉራት ዝሽፍን ሰፊሕ ወፍሪ ስለያ ቻይና ምዃኑ ገሊፃ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን "ዒላማ ናይዚ ሰፊሕ መደብ ስለያ ኣሜሪካ ጥራሕ ኣይነበረትን" ኢሉ።

ኣመሪካ ካብቲ ፍርስራስ ባሉን ዝተኣከበ ሓበሬታ ንኻልኦት ሃገራት ከምዘካፈለት ወሲኹ ሓቢሩ።

ቻይና እቲ ባሉን ንስለያ ዝውዕል ከምዝነበረ ብምኽሓድ መቆጻጸሪ ኩነታት ኣየር ምንባሩ እያ ትገልጽ።

እቲ ባሉን ኣስታት 200 ጫማ (60 ሜትሮ) ቁመት ከም ዘለዎ ዘመልከቱ ሰበስልጣን ኣመሪካ ናይ ጽዕነት ኣካሉ ድማ ምስ ነፈርቲ ዝመጣጠንን ከምኡ ድማ ኣሽሓት ፓውንድ ክኸውን ዝኽእል ክብደት ከም ዘለዎ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡብ ካሮላይና ብነፋሪት ውግእ ተሃሪሙ ከምዝወደቐ ይዝከር።

እዚ ስጉምቲ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ዘበገሰን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ቻይና ዝገበሮ ጉዕዞ ብቕልጡፍ ከቋርጽ ዝደረኸን ኮይኑ፤ ርክብ ኣመሪካን ቻይናን ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝለዓለ ወጥሪ ክኣቱ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን እዩ።

ዋሽንግተን ፖስት ስሞም ዘይጸርሖም ሰበስልጣን ኣመሪካ ጠቒሱ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ እቲ ዝተጠርጠረ ፕሮጀክት ስለያ ባሎን ካብ ቻይና ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ግዝኣት ሃይናን ዝካየድ ከምዝነበረን ንጃፓን፣ ህንዲ፣ ቬትናም፣ ታይዋንን ፊሊፒንስን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑን ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ምክልኻል ሃገር ብርጋዴር ጀነራል ፓት ራይደር ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመሪካ ተመሳሳልቲ ባሉናት ኣብ ክሊ ኣየር ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ፣ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ፣ ምብራቕ ኤስያን ኤውሮጳን ከምዝተዋፈሩ ኣረጋጊጹ።

"ብዛዕባ እዞም ባሉናትን ከመይ ጌርና ከም እንከታተሎምን ብዙሕ ተማሂርና ኢና" ዝበለ ጀነራል ራይደር ኣመሪካ ሕጂ "ነዚ ዓይነት ሐደጋታት ኣብ ተጠንቀቕ" ክትጸንሕ ዓቕሚ ንምህናጽ ርእሰ ተኣማንነትን ከምዘለዋ ገሊጹ።

እቶም ኣቑሑት ኩሎም ንናይ ስለያ ተልእኾታት ዝውዕሉ ክኾኑ እንከለዉ ብመንጽር ዓቐኖምን ዓቕሞምን "ፍልልያት" ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣመሪካ ብውሑዱ ኣብ ኣርባዕተ ኣጋጣሚታት ባሉናት ኣብ ክሊ ኣየራ ከምዝሰርሓ ዝዛረብ ጀነራል ራይደር ብዛዕባ እዞም ኣጋጣሚታት ግን ተወሳኺ ዝርዝር ኣይሃበን።

ዋሽንግተን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ መደብ ስለያ ን40 መሓዙት ሃገራት መብርሂ ከምዝሃበት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ኣረጋጊጹ።

መራኽብ ሓለዋ ባሕሪ፣ ሓይሊ ባሕርን ሓምበስትን ገና ናይቲ ባሎን ፍርስራስ ይደልዩ ኣለዉ።

ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ካብቲ ተረፍ መረፍ እንታይ ስለያዊ ሓበሬታ ከም ዝረኸበት ንጹር ኣይኮነን።

እንተዀነ እቲ ፍርስራስ ሰበስልጣን እታ ባሎን እንታይ ዓቕሚ ከም ዝነበራን ብኸመይ ሓበሬታ ከም ዘመሓላለፈትን ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዞም ከም ዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።