ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ናብ ቻይና ወጢንዎ ዝነበረ ጉዕዞ ሰሪዙ

ኣንቶኒ ብሊንከን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣንቶኒ ብሊንከን ካብ 05 ክሳብ 06 ለካቲት ኣብ ቻይና ምብፃሕ ከካይድ ትፅቢት ይግበር ነይሩ

ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ቻይና ኣብ ክሊ ኣየር ኣሜሪካ ናይ ስለያ ባሉን ክተብርር ምውሳና “ተቐባልነት ዘይብሉን ሓላፍነት ዝጐደሎን’ዩ” ኢሉ።

ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣሜሪካ ናብ ቤጂንግ ዝገብሮ ምብፃሕ ሃንደበት ሰሪዝዎ ኣሎ፤ እዚ ምብፃሕ ድሕሪ ዓመታት ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን ዝግበር ዝለዓለ ምርኻብ ክኸውን ይኽእል ነይሩ።

ቻይና፡ እቲ ኣብ ክሊ ኣየር ኣሜሪካ ዝበርር ዘሎ ባሉን ኩነታት ኣየር ዘፅንዕ መርከብ ኣየር ምዃኑ ብምሕባር ጣዕስኣ ገሊፃ ነይራ።

ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን ዝተፈጠረ ውጥረት ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ እዩ እዚ ክስተት ተራእዩ ዘሎ።

ፔንታጐን ፡ ድሒሩ ካልእ ካልኣይ ናይ ቻይና ናይ ስለላ ባሉን ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ከም ዝተርኣየ ትማሊ ዓርቢ ሓቢሩ።

ፀሓፊ ፕረስ ፔንታጎን ብርጋዴር ጀነራል ፓትሪክ ራይደር፡ “ሓንቲ ባሉን ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ትበርር ከም ዘላ ፀብፃባት ንርእይ ኣለና። ካልእቲ ናይ ቻይና ናይ ስለላ ባሉን ምዃና ድማ ገምጊምና ኣለና” ኢሉ፡ ብዛዕባ እቲ ባሉን ዝበረሉ ዘሎ ፍሉይ ቦታ ግና ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶን ብሊንከን፡ ነቲ ኣብ ክሊ ኣየር ኣሜሪካ ዝበርር ዘሎ ባሉን ቻይና፡ “ሉኡላውነትና ዝጥሕስ እዩ” ክብል ገሊፅዎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“እዚ ተቐባልነት ዘይብሉን ሓላፍነት ዝጐደሎን እዩ። ኣብ ድሮ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝተተለመ ምብፃሕ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ድማ ዝያዳ ሓላፍነት ዝጐደሎ እዩ” ኢሉ።

እዚ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ካብ 05 ክሳብ 06 ለካቲት ኣብ ቻይና ምብፃሕ ብምክያድ ኣብ ፀጥታ፣ ታይዋንን ኮቪድ 19ን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ክዝትይ መደብ ነይሩ።

እንተኾነ ብሓሙስ፡ ላዕለዎት ሰብመዚ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ኣብ ክሊ ኣየር ኣሜሪካ ብልዑል ንውሓት ዝበርር ናይ ስለላ ባሉን ይከታተሉ ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም።

ፔንታጎን እቲ ባሉን “ካብ ንግዳዊ ትራፊክ ኣየር ልዒሉ ይበርር ከም ዝነበረ” ብምሕባር “ኣብ መሬት ንዘለዉ ሰባት ወተሃደራዊ ኮነ ኣካላዊ ሓደጋ ስግኣት ዋላ’ኳ እንተዘይኰነ” እዚ ኣብ ክሊ ኣየር ኣሜሪካ ዝተርኣየ ክስተት ግና ዘቖጥዕ ምዃኑ ገሊፁ።

ብዓርቢ ቻይና፡ ድሒራ እቲ ባሉን ናህታ ከም ዝኾነ ተኣሚና፤ ንመፅናዕቲ ኩነታት ኣየር ትጥቀመሉ ሲቪላዊ መርከብ ኣየር ምዃኑን ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ካብ መስመሩ ከም ዝወፅአን ከኣ ገሊፃ።

እቲ ካብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዝተውሃበ መግለፂ፡ በቲ ክስተት ከም ዝተጥዓሰን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ኣሜሪካ ከም ዝሰርሕን ገሊፁ።

ይኹን’ምበር፡ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ እቲ ባሉን ቻይና ንዝሃበቶ ቃል ዋላ’ኳ ኣፍልጦ እንተሃበት፡ እቲ ባሉን ንስለላ ከም ዝወዓለ ከም ትኣምን፡ እቲ በዓልመዚ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክሊ ኣየር ኣሜሪካ ዝተፈፀመ ጥሕሰት መሻርኽቲ ኣሜሪካ ንዝኾና ሃገራት ከም ዘፍለጠ እውን እቲ በዓልመዚ ወሲኹ ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ፡ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብዚ እዋን ናብ ቻይና ምብፃሕ ግቡእ ኣይኰነን ብምባል ምስ ብሊንከን ከም ዝተሰማምዑ ሓቢሩ።

ብዓርቢ ብዛዕባ ቁጠባ ኣሜሪካ ዝተዛረበ ባይደን፡ ብዛዕባ እቲ ገዚፍ ባሉን ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣይወሰደን።

ፖለቲካውያን ተቓወምቲ እቲ ፕረዝደንት፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ይጠልቡ ኣለዉ።

ብዙሓት ኣርቐቕቲ ሕጊ ሪፓብሊካንን ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን እውን፡ ኣሜሪካ ነዚ ናይ ስለላ ዝተብሃለ ባሉን ብምውቃዕ ክተውድቖ ፀዊዖም።

ትራምፕ “ነቲ ባሉን ወቒዕኹም ኣውድቕዎ” ክብል ብመገዲ ናይ ባዕሉ ማሕበራዊ ሚድያ ትሩዝ ፀውዒቱ ኣቕሪቡ።