ቻይና ሳተላይት እናሃለዋ ስለምንታይ እያ ሰላዪት 'ባሎን' ክትጥቀም መሪጻ?

ኣብ ሰማይ ግዝኣት ሞንታና ዝተራእየት ባሎን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቤጂንግ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ፡ ስለምንታይ'ያ ብተዛማዲ ዘይተራቐቐ መሳርሒ ሰላዪ ባሎን ክትጥቀም መሪጻ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።

ቻይና፡ እታ ኣብ ሰማይ ግዝኣት ሞንታና ዝተራእየት ባሎን፡ ካብ መስመራ ዝወጸት "ሲቪላዊት ኣየር" ምዃና እኳ እንተገለጸት፡ ኣመሪካ ግን "ካብ ልዑል ብራከ ዝከታተል" መሳርሒ ምዃኑ ትጥርጥር።

ዓቕሚ ናይዚ ፍሉይ ባሎን ብዘይገድስ፡ ኣመሪካ ነቲ ስግኣት ብዕቱብ ስለዝወሰደቶ፡ ነቲ ኣብ 5ን 6ን ለካቲት ክካየድ ዝነበሮ ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ቻይና ከተስርዞ ክኢላ።

ባሎናት ሓደ ካብቶም ዝጸንሑ ዓይነታት ቴክኖሎጂ ስለያ እዩ።

ሰራዊት ጃፓን ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኣሜሪካ ቦምባታት ንምውቃዕ ተጠቒሙሎም። ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣሜሪካን ሕብረት ሶቭየትን እውን ብሰፊሑ ይጥቀሙሎም ነይሮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣመሪካ ኣብ መርበብ ምክትታል ፔንታጎን ኣብ ልዑል ብራኸ ዝሰርሑ ባሎናት ክትውስኽ ትሓስብ ከምዘላ ይግለጽ። ዘመናዊ ባሎናት ብተለምዶ ኣብ መንጎ 24 ኪኦ ሜተር ክሳብ 37ኪሎ ሜተር ልዕሊ ጸፍሒ ምድሪ ይንሳፈፉ።

ተንታኒ ሓይሊ ኣየር ሄ ዩዋን ሚንግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቤጂንግ ምናልባት ንዋሽንግተን መልእኽቲ ክተመሓላልፍ ትፍትን ኣላ፡ 'ርክብ ከነመሓይሽ ክንደሊ ከለና፡ ንዝኾነ ኣድላዪ ዝኾነ ኣገባብ ተጠቒምና ንዘላቒ ውድድር'ውን ወትሩ ድሉዋት ኢና' ዝብል'ዩ" ኢሉ። .

"እዚ ድማ ካብ ንጹህ ዝመስል ባሎን ዝሓሸ መሳርሒ እንታይ ኣሎ?"

እቲ ባሎን ኣብ ልዕሊ መደበራት ሚሳይላት፡ መስመሩ ዝሰሓተ ክበሃል ዘይሕሰብ ምዃኑ ሄ ዩዋን ሚንግ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ልዑል ብራኸ ዝግበር ስለያ ንርክባት ኣመሪካን ቻይናን ሓድሽ ወጥሪ ኣስዒቡ ኣሎ።

ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ብሓሙስ እቲ ባሎን "ልዕሊ ሲቪላዊ ትራፊክ ኣየር ዝንቀሳቐሳሉ እዩ" ኢሉ።

ክኢላ ቻይና ቤንጃሚን ሆ ግን ቤጂንግ ብወገኑ፡ ቻይና ዝያዳ ዝተራቐቐ ናይ ምክትታል ቴክኖሎጂ ኣብ ኢዳ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ኣብ ሲንጋፖር ኤስ ራጃራትናም ቤት ትምህርቲ ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ዶክተር ሆ፡ "ንመሰረተ ልምዓት ኣመሪካ ወይ ዝኾነ ክረኽብዎ ዝደለዩ ሓበሬታ ንምስላይ ካልእ መገድታት ኣለዎም፡ እቲ ባሎን ንኣመሪካውያን ምልክት ንምልኣኽ እዩ ነይሩ፡ ከምኡ'ውን ኣሜሪካውያን ከመይ ምላሽ ከም ዝህቡ ንምርኣይ እዩ ነይሩ" ይብል።

ቻይና ነቲ ባሎን ኣመሪካ ክትፈልጠላ ደልያ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

“ከምኡ ትገብር ከምዘላ ክፍለጠላ ስለዝደለየት ክኸውን ይኽእል'ዩ። ቻይና፡ ከቢድ ወጥሪ ከይፈጠረት፡ ነቲ ባሎን ተጠቒማ ናብ ክሊ ኣየር ኣመሪካ ንምእታው ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂካዊ ዓቕሚ ከምዘለዋ ከተርኢ ትኽእል እያ። ኣብዚ መዳይ'ዚ ባሎን ጽቡቕ ምርጫ'ዩ" ይብል ኣርተር ሆላንድ ሚሸል ካብ ቤት ምኽሪ ስነ-ምግባር ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ካርነጊ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ክኢላታት፡ ባሎናት ከም ካሜራታትን ራዳር ሴንሰራትን ዝኣመሰሉ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክግጠመሎም ከምዝኽእልን፡ ባሎናት ንመቆጻጸሪ ምጥቃም ድማ ገለ ብልጫታት ከምዘለዎምን ይሕብሩ ።

ቀንዲ ካብዚኦም ካብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ወይ ሳተላይት ዝወሓደ ወጻኢታትን ንምውፋር ዝቐለለን ምዃኑ እዩ።

ናይቲ ባሎን ትሑት ፍጥነት እውን ነቲ ዕላማ ዝተገበረሉ ቦታ ንነዊሕ እዋን ክትከታተሎን የኽእላ።

ብኣንጻሩ ምንቅስቓስ ሳተላይት ኣብ ዙርያ ውሱን 'ክሊ ኣየር' ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ።