ኣሜሪካ፡ ‘ሰላዪት ባሎን’ ቻይና ወቒዓ ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ

‘ሰላዪት ባሎን’ ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣሜሪካ፡ ነቲ ኣብ መላእ’ታ ሃገር ንዝርከቡ ወሰንቲ ወተሃደራዊ ቦታታት ክትስሊ ጸኒሓ ዝበለታ ዓባይ ባሎን ቻይና ወቒዓ ኣውዲቓ።

ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ነፋሪቲ ውግእ ነታ ባሎን ኣብ ማያዊ ግዝኣት ኣሜሪካ ከምዘውደቓ ኣረጋጊጹ።

ድሒሩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ "ኣሜሪካ ሓይሊ ተጠቒማ ንሲቪላውን ሰብ ኣልቦ ነፋሪትን ኣጥቂዓ” ብምባል ዝተሰምዖ ሓያል ቅሬታን ተቓውሞን ገሊጹ።

መደበራት ቲቪ ኣሜሪካ ዝዘርግሓኦ ቪድዮ፡ እታ ባሎን ድሕሪ ንእሽቶ ፍንጀራ ናብ ባሕሪ ክትወድቕ እንከላ የርኢ።

ኤፍ-22 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ኣሜሪካ፡ ነቲ ልዑል ቁመት ዝነበረ ባሎን ‘AIM-9X Sidewinder’ ብዝተባህለ ሚሳይል ወቒዓ ከም ዘውደቐት፡ ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል እታ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ሰበስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ፡ እቲ ስብርባር ናይታ ባሎን፡ ካብቲ ዝተጸበይዎ ዝያዳ 14 ሜትሮ ዓሚቝ፡ ጥቓ ወሰናስን ባሕሪ ደቡብ ካሮላይና ከምዝዓለበ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ 11 ኪ.ሜ ዝተበተነ ፍንጭልጫል ንምእካብ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ጻዕሪ ከምዘሎ’ውን ተፈሊጡ። ክልተ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪን፡ ሓንቲ ክሬን ከቢድ ጽዕነትን ኣብቲ ከባቢ ተዋፊረን ኣለዋ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ካብ ፔንታጐን - ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ - ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣከብቲ ተኣፈፍቲ ሓበሬታት ዝዀነ ባሎን ቻይና ንምክትታል ዘድሊ ኵሉ ስጕምትታት ክንገብር ጸኒሕና ኢና፤ ምብራር ባሎናት ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ኣሜሪካ ኸኣ ንዓና ገዚፍ ስለያዊ ዋጋ ኣለዎ" ኢሉ።

"እቲ ባሎንን መሳርሒታቱን ኣጽኒዕና መርሚርናዮ ኢና፤ ኣገዳሲ ኰይኑ ኢና ረኺብናዮ፡" ክብል እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሰበስልጣን ምክልኻል ሃገሩ ንመጀመርታ ግዜ፡ ብሓሙስ ነታ ባሎን ይከታተልዋ ከምዘለዉ ካብ ዝገለጹሉ ንደሓር ሃሪምካ ንምውዳቓ ጸቕጢ ይግበረሉ ነይሩ።

ድሕሪ ምውዳቕ እታ ባሎን፡ ፕረዚደንት ባይደን፡ "ብዓወት ኣውሪዶማ፡ ኣነ ድማ ነቶም ከምኡ ዝገበሩ ክድግፍ እደሊ" ኢሉ።

ሒደት ሰዓታት ድሕሪ’ዚ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቻይና፡ እታ ኣየር ተንሳፍፍ ዝነበረት ባሎን ንሲቪላዊ ኣገልግሎት ምዃና ድሕሪ ምርግጋጻ፡ ብተደጋጋሚ ኣሜሪካውያን ኣፍሊጥና ኢና፡ ብዘይተሓሰበ ኵነታት እያ ናብ ክሊ ግዝኣት ኣሜሪካ ኣትያ - ፍጹም ሓደጋ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

እዚ ጕዳይ ባሎን ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው ድሕሪ ምስዓቡ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብሰንኪ እቲ፡ "ዘይሓላፍነታዊ ተግባር" ኣብዚ መወዳእታ ‘ዚ ሰሙን ናብ ቻይና ወጢንዎ ዝነበረ ዑደት ብቕጽበት ሰሪዝዎ።

ሰበስልጣን ቻይና፡ እታ ነፋሪት ሰላዪት ምንባራ ነጺጐም፤ ናይ ኵነታት ኣየር እያ ነይራ ይብሉ።

ነዚ ኣመልኪቱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ "ተግባር መንግስቲ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስን ንክሊ ኣየርን ልኡላውያን ሃገራት ዝጥሕስን ኣብ ስልጡን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክጽወር ዘይግባእን’ዩ" ኢሉ።

ቻይና፡ ነታ ርእሳ እትመሓደር ታይዋን፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ቤይጂንግ እትኣቱ ግዝኣት ምዃና እያ ትቘጽራ። ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን ነዚ ንምፍጻም ሓይሊ ምጥቃም ዝብል ከኣ ኣይነጽግን እዩ።

ታይዋን ግን ንገዛእ ርእሳ ከም ናጻ፡ ናይ ባዕላ ቅዋምን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ መራሕትን ዘለዉዋ እያ ትርእያ።

ፕረዚደንት ባይደን ነታ ባሎን ንምውራድ ዝዓለመ ውጥን ብረቡዕ ኣጽዲቕዎ’ኳ እንተነበረ፡ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ - ፔንታጐን - ግን፡ ኣብ መሬት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘይግቡእ ሓደጋ ምእንቲ ከይወርድ እታ በራሪት፡ ኣብ ልዕሊ ማይ ክሳብ እትኣቱ ክጽበ ከምዝወሰነ ገሊጹ።

ብመሰረት መርሓ-ግብሪ እቲ ስርሒት፡ ምምሕዳር ፈደራላዊ ኣቬሽን ኣሜሪካ ትማሊ ቐዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ደቡብ ካሮላይና ኣብ ዝርከባ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ንዝነበረ ኵሉ ሲቪላዊ በረራታት ንሓጺር እዋን ደው ከም ዝብል ገይሩ።

ሓለዋ ባሕሪ ኣሜሪካ’ውን፡ በቲ "ዓቢ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል" ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ባሕረኛታት ካብቲ ከባቢ ክርሕቍ ገይሮም።

ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ዝነበረት ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ሚሳይል ቅድሚ ምትኳሱ ሰለስተ ነፈርቲ ውግእ ክዝንብያ ከምዝረኣየት፡ ድሕሪኡ "ዓቢ ሂምታ ሰሚዕና፡ እቲ ገዛ ተናዊጹ፡" ኢላ።

ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምእካብ እቲ ስብርባር "ብመጠኑ ቀሊል" ክኸውን ከምዘለዎን ኣብ “ሓጺር ግዜ” ክፍጸም ከም ዝኽእል ገሊጹ።

እቲ በዓል ስልጣን ኣተሓሒዙ፡ ነዚ ስርሒት ንምሕጋዝ፡ "ብቑዓት ጠሓልቲ ሓይሊ ባሕሪ" ክዋፈሩ ከምዝኽእሉ ተዛሪቡ።

ሰበስልጣን ምክልኻል እታ ሃገር ብተወሳኺ፡ እታ ባሎን፡ ናብ ክሊ ኣየር ካናዳ ቅድሚ ምእታዋ፡ ንመጀመርያ ግዜ ብ28 ጥሪ ኣብ ከባቢ ደሴታት ኣለውቲያን፡ ብ31 ጥሪ ድማ ዳግማይ ናብ ኣሜሪካ ከምዝኣተወትን ኣቃሊዖም። እታ በራሪት ባሎን፡ ኣብታ ብርክት ዝበሉ ተኣፈፍቲ ኒዩክሌራዊ ሚሳይላት ዝርከቡላ ግዝኣት ሞንታና ኣሜሪካ ተራእይ።

ፔንታጐን "ዘይቅቡል ግህሰት" ልኡላውነት ኣሜሪካ ክብል ብዝገለጾ በዚ ተረኽቦ’ዚ፡ ርክብ ቻይናን ኣሜሪካን ተጋዲዱ’ሎ።

ኣንቶኒ ብሊንከን - እቲ ካብ 5-6 ለካቲት ንቻይና ወጢንዎ ዝነበረ መገሻ ዝሰረዘ ዝለዓለ ዲፕሎማት ኣሜሪካ፡ "ዘይሓላፍነታዊ ተግባር" ክብል ንቤጂንግ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። ብሊንከን፡ ድሕሪ ዓመታት ንፈለማ እዋን ንቻይናን ዝበጽሐ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካን ምዀነ ኸኣ ነይሩ።

እንተዀነ ቻይና ምስራዝ ዑደት ብሊንከን፡ ‘ክልቲኦም ወገናት ብወግዒ ከምዘይገለጹ’ ብምሕባር፡ ትማሊ ቐዳም ኣቕሊላ ክትገልጾ እያ ፈቲና።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ቤጂንግ "ዝዀነ መሰረት ዘይብሉ ግምታትን ቤላቤለውን ከምዘይትቕበል" ብምግላጽ፡ "ገለ ፖለቲከኛታትን መራኸቢ ብዙሃንን ኣሜሪካ" ነቲ ፍጻመ "ንቻይና ንምጥቃዕ ምኽንያት ይገብርዎ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ።

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ ካልእ ቻይናዊት ሰላይ ባሎን’ውን ኣብ ልዕሊ ላቲን ኣሜሪካ - ልዕሊ ኮስታሪካን ቬንዙወላን ከምዝተራእየት - ብዓርቢ ገሊጹ።

ሓይሊ ኣየር ኮሎምብያ፡ ሓደ ብንጹር ዝተለለየ ነገር - ባሎን ምዃኑ ዝጥርጠር - ብ3 ለካቲት ኣብ ልዕሊ 55 ሽሕ ጫማ ብራኸ ኣብ ዝርከብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ከምዝተራእየ ገሊጹ።

ነቲ በራሪ ነገር፡ ካብ ክሊ ኣየር ‘ታ ሃገር - ኮሎምብያ - ክሳብ ዝወጽእ ከምዝተኸታተልዎ ብምግላጽ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ስግኣት ከምዘይነበረ ኸኣ ኣተሓሒዙ ይገልጽ።

ቻይና ብዛዕባ እቲ ዝተገልጸ ‘ካልኣይ ባሎን’ ክሳብ ሕጂ ብግልጺ ዝበለቶ ነገር የለን።