ኣሜሪካ ዶ ቻይና? ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ካብ መን ዝያዳ ይረብሓ?

ቻይናን ኣፍሪቃን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያ ካብቲ ዘለዋ 28 ቢልዮን ዶላር ዕዳ እቲ 14 ቢልዮን ዶላር ካብ ቻይና ዝተለቅሓቶ ከም ዝዀነ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ቺን ጋንግ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ቻይና ኣስታት 5 ሚልዮን ዶላር ዕዳ እታ ሃገር ከም እትስርዞ ገሊጹ ነይሩ።

ቺን ጋንግ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን መበገሲኡ ኢትዮጵያ እያ ነይራ።

ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ካብ ቻይና ዝተለቅሓቶ ገንዘብ ውሑድ ኣይኰነን። ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነትስ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ቻይና ብቢልዮናት ዶላር ዝቝጸር ገንዘብ ተለቂሐን ኣብ ዕዳ ይርከባ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጋና ዕዳኣ ክትከፍል ብዘይምኽኣላ፡ 'ዕዳይ ሰርዙለይ' ክትብል ብወግዒ ምልማና ኣይርሳዕን።

እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጋና፡ ኣብ 2021 ካብ ዝነበራ 13 ቢልዮን ዶላር እቲ 3.2 ቢልዮን ዶላር ካብ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ዝተለቅሓቶ እዩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ቻይና ዝተለቅሓኦ ገንዘብ ስክፍታ ከም ዝፈጠረሉ ዝገልጽ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ‘ኮመን ፍሬምወርክ’ ዝብል መደብ ሒዙ ዕዳ ሃገራት ንምንካይ እናሰርሐ ይርከብ።

ብመሰረት እዚ መቓን፡ ዕዳአን ክቕነሰለን ዝሓተታ ሰለስተ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጫድን ዛምብያን እየን።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ቻይና፡ ቀንዲ ወሃቢት ልቓሕ ንሃገራት ኣፍሪቃ ኰይና፡ ኣብታ ኣህጉር ቀዳመይቲ መሻርኽቲ ህንጸት እያ።

ብፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ገዚፍ ዕዳጋታት ዘለወን ሃገራት፡ ምንቅስቓስ ቻይና ብፍላይ ኣብ መሰረተ ልምዓት ርኡይ ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

ዕላማ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቻይና ዝገበሮ ዑደት እንታይ እዩ? ኢትዮጵያ፡ ቻይና እትእውዳ ዕዳ ናበይ ከምርሕ ይኽእል?

ምጕጅጃል ሃገራት ዓለም

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ዓለም ቍጠባውን ፖለቲካውን ምትሕብባር ንምሕያል ጕጅለ ይፈጥራ እየን። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ተመሳሳሊ ስነ-ሓሳብ ዘለወን ሃገራት ብሓባር ይጕጀላ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ዝርከባ ሃገራት፡ ምስ ዘለወን ቍጠባዊ ዓቕሚ ዝመጣጠን ሓባራዊ ጕጅለ ከም ዝፈጥራ ይፍለጥ።

ኢጋድ፡ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EAC)፡ ምዕራብ ኣፍሪቃዊ ኢኮዋስን ጕጅለ 20ን ከምኡ’ውን ሃገራት ጕጅለ-8 ናይዚ ኣብነታት እየን።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ እተን ብቝጠባ ሓያላት ዝበሃላ ሃገራት ምስ ኣህጉራት ዘለወን ርክብ እውን ይጥቀስ።

ገዚፍ ዕዳጋን ሰፊሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ዘለዋ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ቅንያት ብዓይኒ ስነ-ሓሳብ ዘይኰነ ብዓይኒ ቍጠባ ዝያዳ ኣቓልቦ ትረክብ ኣላ። ቻይና፡ ሩስያን ኣሜሪካን እውን ምስ ሃገራት እታ ኣህጉር ዘለወን ርክብ ንምድልዳል ይጽዕራ ኣለዋ።

"ብቝጠባን ወተሃደራዊ ዓቕምን መሪሕነት ኣለወን ዝበሃላ ሃገራት ጕጅለ ክምስርታ ንርኢ ኢና። ሕጂ እቲ ውድድር ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ቻይናን'ዩ ዘሎ" ክብል ክኢላ ስነ-ቝጠባ ዋሲሁን በላይ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብመሰረት እቲ ተንታኒ፡ ድሌታት ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሌታት ኣሜሪካን ቻይናን እውን ይቕየር ኣሎ።

ዋሲሁን፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዎ ዝምድና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድልዱል ከም ዘይኰነ ይኣምን።

ነዚ ብኣብነት ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ 2021፡ መጠን ንግዲ ኣሜሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ካብ 60-70 ቢልዮን ዶላር ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ብኣንጻሩ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገበረቶ ንግዲ ልዕሊ 260 ቢልዮን ዶላር እዩ ነይሩ።

ኣብ ዓውዲ ልቓሕን ረድኤትን ቻይና መሪሕ መሻርኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኰይና ኣላ።

ቻይናን ኣፍሪቃን

ንምዃኑ ንምንታይ እየን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ሃገራት ምዕራብ ንላዕሊ ምስ ቻይና ዝምድና ክምስርታ ዝደልያ? ምሁር ስነ-ቝጠባ ዋሲሁን መልሲ ኣሎዎ።

"ምኽንያት ናይዚ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኢዳ ስለእትኣቱ፡ ንልቓሕን ሓገዝን ቅድመ ኵነት ስለ እተቐምጥ፡ ንእሽቶ ጕድለት ክትርኢ እንከላ ዝሃበቶ ኣኽብሮት ስለ እትስሕቦ'ዩ ክንብል ንኽእል ኢና።"

ከም ውጽኢቱ ብዙሓት ሃገራት ሓባራዊ ረብሓታተን ዝኽበረሉን ጽኑዕ ቅድመ ኵነት ኣብ ዘይብሉን ዝምድና ቻይና ይምዝምዛ ከምዘለዋ እቲ ምሁር የረድእ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ቺን ጋንግ፡ "ኣፍሪቃ መድረኽ ዓለምለኸ ውድድር ክትከውን የብላን" እኳ እንተበለ፡ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ክውን ክኸውን ዝኽእል ኣይመስልን።

ክኢላ ስነ-ቝጠባን ኣማኻሪ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝዀነ ዶክተር ደለሳ ቡልቻ፡ ኣሜሪካ፡ ቻይናን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ከይተረፋ፡ "ኣፍሪቃ መርኣያ ስልጣነአንን ምዕባለአንን ይገብርኣ ኣለዋ" ዝብል እምነት ኣሎዎ።

ቻይና ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ዝብል መድረኽ ኣዳልያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ከተሐይል ጸኒሓ’ያ።

ብኣንጻሩ ኣሜሪካ ካብ 2014 ጀሚራ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘቀራርብ ዋዕላ ከተካይድ’ኳ እንተጸንሐት፡ ውጽኢታዊ እዩ ንምባል ከም ዝኸብድ እቶም ምሁራት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ዋሽንግተን በጺሖም ከም ዝተመለሱ ይዝከር። ኣብዚ ዋዕላ መራሕቲ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ተረኺቦም ነይሮም።

"እንተዀነ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ እንታይ ከም ዝዀነ'ውን ኣይፈልጣን ይበሃል ነይሩ" ይብል ዋሲሁን።

ንሱ፡ ብኣንጻሩ ቻይና ካብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ፍርያት ሕርሻ ብዘይ ግብሪ ብነጻ ናብ ሃገራ ክኣትዉ ብምፍቃዳ ሃገራት ኣፍሪቃ ንቻይና ከም ዝመርጻ ይገልጽ።

“ቻይና፡ ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ሃገራት ኢዳ ኣይኣቱን። ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ኣየሻቕላን። ድኹም ዲሞክራስያዊ ትካላት ዘለወን ሃገራት ቅድመ ኩነት ስለዘይደልያ ምስ ቻይና ርክብ ክምስርታ ይመርጻ።"

ኣሜሪካ ባዕላ ተቕርቦ ሓገዝን ልቓሕን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓለምለኻዊ ትካላት ፋይናንስ ተሕድሮ ጽልዋ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ይዛረብ።

ኢትዮጵያ፡ ካብ ቻይና ዶ ካብ ኣሜሪካ ትረብሕ?

ቻይናን ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ቅድሚ ኲናት ትግራይን ድሕሪኡን ሓደ ምዃኑ ዝገልጽ ዶክተር ደለሳ ቡልቻ፡ "ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ስምምዕ መሰረት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኢዳ ኣይተእቱን። ኢትዮጵያ ድማ ድኽነት ንምጥፋእን ንምምዕባልን ዕላማ ስለዘለዋ፡ ምስ ቻይና ዘለዋ ምሕዝነት ቦታ ትህቦ’ያ" ይብል።

ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ኣፍሪቃ ልዕልና ንምርካብ ይወዳደራ’ኳ እንተሃለዋ፡ ሃገራዊ ረብሓታተን ግን ከም ዘይርስዓ እቲ ተንታኒ ይገልጽ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ፖሊሲ ወጻኢ ኢትዮጵያ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዘለዋ ርክብ ሃገራዊ ረብሓኣ ብዝሕሉ መገዲ ክኸውን ይግባእ።

"ኣነ ኢትዮጵያ ዝተነጸለት መሻርኽቲ ሒዛ ክትጓዓዝ ኣይደልን" ይብል ዋሲሁን ብወገኑ።

"ገና ኣብ ምምዕባል እትርከበን ርእሰማል፡ ቴክኖሎጅን ጸጋታትን ዘይብላ ሃገር፡ ንዅሎም መሻርኽቲ ኣብ ግምት ብምእታው ክትቅጽል እየ ዝላቦ።"

ምስ ሓደ ወገን ጥራይ ምሕዝነት ዝምስርታ ሃገራት ዓለም፡ ካብቲ ካልእ ወገን ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸቕጢ ከም ዘጋጥመን ብምጥቃስ ኢትዮጵያ ምስ ሓያላት ሃገራት ሚዛናዊ ዝምድና ክህልዋ ይምዕድ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ እዋን ኲናት ዩክረይን፡ ምስ ሩስያ ተደራዲረን ምህርቲ ስርናይ ክልእካ ከም ዝኸኣላ ከም ኣብነት ዝጠቅስ እቲ ተንታኒ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ኣሜሪካ ጥራይ ዝምድና እንተዝህልወን ነይሩ እዚ ምግባር ከም ዘይክእላ የረድእ።

ብመሰረት ዋሲሁን፡ ዝምድና ምስ "ዝምዕበላ ዘለዋ ሃገራትን ምስ ዝማዕበላ ሃገራትን" ሓደ ክኸውን ኣይክእልን።

“ቀንዲ ዕላማ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንዅሉ ዝሓቍፍ ፖሊሲታት ሒዘን ምሃብን ምቐባልን እዩ። ምዕቡላት ሃገራት ግን ካብ ወለድ ነጻ ዝዀነ ልቓሕ እንተሃባ’ውን ዕላማአን ነቲ ዝደልያኦ ቍጠባዊ ስርዓት ምምጻእ እምበር ብልቓሕ መኽሰብ ምእካብ ኣይኰነን።

ስለዚ ኢትዮጵያ ምስታ ትምዕብል ኣላ እትበሃል ቻይናን ምስተን ዝማዕበላ ምዕራባውያን ሃገራትን ዘለዋ ርክብ ሚዛናዊ ክኸውን እቲ ክኢላ ይላቦ።

ዶክተር ደለሳ ብወገኑ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ኢትዮጵያ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዋ ርክብ ክመሓየሽ ተስፋ ኣለዎ።

ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ኲናት ክትሓውን ዳግመ ህንጸት ደገፍ ክትረክብን እንተዀይና፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዲፕሎማሲ ከተመሓይሽን "ሰላም ኣብታ ሃገር ከተረጋግጽን" ከምዘለዋ ይሕብሩ።

ልቓሕ ቻይና

"ካብ ቻይና ንለቃሕ ካብ ካልእ፡ ዕላማ እቲ ልቃሕን ንምንታይ ከም ንጥቀመሉን ኣዝዩ መሰረታዊ ሕቶ'ዩ" ይብል ዋሲሁን።

እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ እሙን ፈታዊ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ቻይና ነበር ቺን ጋንግ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ደመቀ መኮነን ተዛትዩ እዩ።

እቲ ሚኒስትር፡ ቻይና ንኢትዮጵያ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ዕዳ ክትስርዘላ ቃል ከም ዝኣተወት ኣፍሊጡ ኣሎ።

ጠቕላላ ዕዳ ኢትዮጵያ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብቕልጡፍ እናወሰኸ ከም ዝመጸ ይፍለጥ።

ዋሲሁን፡ "እቲ ልቓሕ መጀመርታ ምስ መጸ ክመልስ ኣብ ዘኽእሉ ዓውድታት ክውዕል ድዩ ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ" ይብል።

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ልዕሊ ሓደ ትሪልዮን ዶላር ሓገዝን ልቓሕን እንተረኸባ’ኳ፡ ኣፍሪቃ ግን ኣብቲ ቅድሚ 60 ዓመታት ዝነበረቶ ደረጃ ድኽነት እያ ትርከብ።

"80 ሚእታዊት ወይ 80 ሳንቲም ካብቲ ንሓገዝ ዝወሃብ ዶላር፡ ነቲ ዝተሓሰበ ዕላማ ኣይውዕልን" ይብል ዋሲሁን።

ንኣብነት ኢትዮጵያ "ኢንዱስትሪ ፓርክ ንምህናጽ ተለቂሓ" እንተዀይና፡ “እቲ ፓርክ ሸርፊ ወፃኢ ዘመንጩ ፕሮጀክት ክኸውን ይግባእ” ይብል።

እተን ሕጂ ንሃገራት ኣፍሪቃ ልቓሕ ዝህባ ዘለዋ ሃገራት ኤስያ ቅድሚ ሕጂ ልቓሕን ሓገዝን ይረኽባ ከም ዝነበራ ዘመልክት ዋሲሁን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ገንዘብ ብግቡእ እንተዘይተጠቒመናሉ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቃ ይገልጽ።

"ንኣብነት፡ ምህርትን ኣፍራይነትን ሕርሻ ንምዕባይ 2 ቢልዮን ዶላር ብምልቃሕ፡ ምህርቲ ስርናይ ብምዕባይ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ስርናይ ምውጋድ ማለት፡ ነቲ ልቓሕ ብኻልእ መገዲ ምኽፋል ማለት'ዩ። ናትና ተመኵሮ ግን ከምኡ ኣይኰነን።”