ኩባንያ ዳናካሊ ኣብ ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ኤርትራ ዝነበሮ ብጽሒት ሸይጡ

ምንጪ ስእሊ, Danakali
ኣብ ኤርትራ ዕደና ፖታሽ ንምምዕባል ዝተመስረተ ኩባንያ ዳናካሊ (DNK) ኣብ ዕደና ኮሉሊ ዝነበሮ ብጽሒት ንሓደ ቻይናዊ ኩባንያ ሸይጡዎ።
ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ኣውስትራልያዊ ትካል ዳናካሊ ኣብቲ ኣብ ዓሚቝ ከባቢ ደንካልያ ዝርከብ ፕሮጀክት ፖታሽ ዝነበሮ 50 ሚእታዊት ብርኪ ብምልኡ ንሓደ ሲችዋን (Sichuan Road and Bridge Group Co., Ltd.) ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ዕደና ሸይጡዎ'ሎ።
ሓደ ካብ ሰብ መዚ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ምዃኑ ዝንገረሉ ህዝባዊ መንግስትኣብ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ስምምዕ ትማሊ ኣብ ኣስመራ ከምዝተፈረመ ሓቢሩ።
ኩባንያ ዳናካሊ እውን ብመርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እቲ መሸጣ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።
እቲ ቻይናዊ ኩባንያ 166 ሚልዮን ዶላር፡ ከምኡ'ውን ዝነበሮ ናይ 31 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ክኸፍል ምዃኑ ዳናካሊ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ምግላጹ ይዝከር።
ግብሪ ድሕሪ ምኽፋሉ ድማ ኣስታት 121 ሚልዮን ዶላር ኣብ ኢዱ ክቕበል ምዃኑ ዳናካሊ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ ነይሩ።
እቲ ፖታሽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንወጻኢ ክሰድድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኩባንያ ዕደና ኮሉሊ፡ ብዳናኪልን መንግስቲ ኤርትራ ዝውነን'ዩ።
እቲ ብሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ሃገራዊ ኮርፖሬሽን ዕደና ኤርትራ ኣብቲ ኩባንያ 50 ሚእታዊት ብጽሒት ኣሎዎ።
ናይ ብርኪ ኩባንያ ዕደና ኮሉሊ (CMSC) ነቲ ኣብ ዓሚቝ ከባቢ ባዳ ዝርከብ ናይ ፓታሽ ፕሮጀክት ከማዕበል ብኽልቲኦም ወገናት ዝቘመ ትካል ምዃኑ ይፍለጥ።
ኮሉሊ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ዕድመ (200 ዓመት) ክህልዎ ምዃኑ ዝተገለጸ ዕደና ኰይኑ፡ ብውሑስ ዝኾነ ኣገባብ ብቐሊሉ ካብ ገጽ ምድሪ ፖታሽ ክወጸሉ ዝኽእል ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ዳናካሊ ይገልጽ።
ትካል ዕደና ኮሉሊ፡ ኣብ ጥሪ 2017 እዩ ኣብ ከባቢ ባዳ፡ ፍሉይ ስሙ ኮሉሊ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ፖታሽ ንምዕዳን ብወግዒ ፍቓድ ረኺቡ።
ኩባንያ ዳናካሊ ዋላ'ኳ ኣብ ፖታሽ ዝነበሮ ብርኪ እንተሸጠ ሓድሽ ዳህሳስ ንምክያድ ህላወኡ ኣብ ኤርትራ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እቶም 90 ሚእታዊት ናይቲ ብመሸጣ ዝተረኽበ ገንዘብ ክማቐልዎ ምዃኖም ዝተገልጹ ሰብ-ብርኪ ነቲ መሸጣ ከምዘጽደቕዎ ዳናካሊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓቢሩ ነይሩ።
መንግስቲ ቻይና'ውን እቲ ዕድጊ ንቅጥዕታት እታ ሃገር ከምዘማልአ ድሕሪ ምርግጋጹ'ዩ እቲ መሸጣ ክፍጸም ክኢሉ።
ፖታሽዩም ኣብ ምፍራይ ድዂዒ ዝውዕል ማዕድን ኰይኑ፡ ብመልክዕ ሳልፌት ምስ ዝከውን ፖታሽዩም ሳልፌት ወይ ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ይበሃል።
ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ኣብ ምሕርቲ ፍሩታታት፡ ኣሕምልትን ዓይነታት ፉልን ዝኣመሰሉ ካብ ክሎራይን ነጻ ዝኾነ ድዂዒ ዘድልዮም ሕርሻዊ ፍርያት ንምፍራይ ዝውዕል ተጠላቢ ድዂዒ እዩ።
እዚ ኣብ ዕደና ሳልፌት ኦፍ ፖታሽ ዝነጥፍ ኮሉሊ፡ ኣውስትራልያዊ ኩባንያ ዳናካሊ ምስ ሃገራዊ ኩባንያ ዕደና ኤርትራ ብሓባር ዘቈምዎ ናይ ብርኪ ኩባንያ ኮይኑ ልዕሊ 10 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ 2021 ወይ መጀመርታ 2022 ምፍራይን ናብ ወጻኢ ምስዳድን ክጅምር መደብ ከምዝነበሮ ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
ትካል ጽርግያን ድልድልን ሲቹዋን (ኤስ ኣር ቢ ጂ) በቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ምስኣልን ምህናጽን ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ ተወዳዳሪ ከም ዝዀነ ዝንገረሉ፡ ቻይናዊ ኩባንያ ሽዳዎ ዝውነን ኰይኑ ኣብ ዕዳጋ ስቶክ ኤክስቼንጅ ሻንጋይ ዝተመዝገበ እዩ።
እቲ ትካል ኤርትራ ኣብ እትርከበን ልዕሊ ሰላሳ ሃገራትን ዞባታትን ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ዋኒናት ይነጥፍ።
ኩባንያ ሲቹዋን ኣብ መጀመርታ 2016 ካብ መሻርኽቲ እቲ ብፕሮጀክት ኣስመራ ፈቓድ ዕደና ዝረኸበ ኣውስትራልያዊ ትካል ሳንሪጅ፡ ብ88 ሚልዮን ዶላር 60% ብርኪ ከምዝዓደገን፡ ካብቲ ንእምባደርሆ፡ ዓዲ ነፋስን ድባርዋን ዝሽፍን ዕደና ፕሮጀክት ምህርቱ ካብ 2016 ጀሚሩ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







