ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ 'ኣቡርና' ወርቂ ከም ዝተረኽበ ተገሊጹ

ከርከሻ

ምንጪ ስእሊ, alpha-exploration

ኩባንያ ዳህሳስ ኣልፋ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ኣቡርና ንኡስ ዞባ ጐኘ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ መደብ ዳህሳስ ወርቂ፡ ዛጊት ኣብ 17 ነቝጣታት ወርቂ ከም ዝረኸበ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ።

እዚ መደብ ቀዳማይ ገጽ ዳህሳስ ኣብ ኣቡርና፡ ካብ 19 ነቝጣታት 'ቅምሶ' [Sample] ምውሳድ ኰይኑ፡ ናይተን 14 ነቝጣታት ውጽኢት ብ 3 ግንቦት 2022 ወግዓዊ ከም ዝተገብረ እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ርኽበት ድማ፡ ናይተን 4 ካብተን ዝተረፋ 5 ክግለጽ እንከሎ፡ ውጽኢቱ ድማ እወታዊ ምዃኑ፡ እቲ ትካል ሓጐሱ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣካያዲ ስራሕ 'ቲ ትካል ሚካኤል ሆፕለይ፡ እዚ እወታዊ ርኽበት'ዚ፡ ኣብቲ ቦታ ዝሰፍሐ ዳህሳስ ንምግባር "ንጕጅለ ዳህሳስ ኣልፋ ዘተባብዕ'ዩ፡" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ እዚ ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ድማ፡ ኣብ ዝሰፍሐ ቦታ እቲ ከባቢ ሰፊሕ ትሕዝቶ ወርቂ ከም ዘሎ ዘመላኽት ምዃኑ ኣሚቱ።

ኣብዚ ቀዳማይ ገጽ ዳህሳስ፡ ካብተን መደብ ዝተታሕዘለን 19፡ ናይታ ተሪፋ ዘላ ሓንቲ ነቝጣ ዝተወስደ መርኣዪ፡ ብተክኒካዊ ምኽንያት ከም ዝተደናጐየ ዝገለጸ 'ቲ ኩባንያ፣ እቲ ተታሒዙ ዘሎ መርኣዪ ዝህቦ ውጽኢት ተራእዩ ግን ውጽኢቱ ብኡ-ንብኡ ክግለጽ ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ርኽበት ዳህሳስ ወርቂ ዛጊት ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

ኤርትራ፡ ኣብ ቢሻ ዛራን ካልኦት ከባቢታትን ዳህሳስ ክትገብር፣ ወርቅን ካልኦት ማዕድናት ክትዕድንን ከም ውጽኢቱ ብዙሕ ኣታዊታት ከም ዝረኸበት ብዝተፈላለየ መገዲ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። እንተዀነ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ጽላት ዕደና ዝግበር ንጥፈታትን፡ ትሕዝቶን ኣታዊታትን ግን ንህዝቢ ብወግዒ ዝግለጽ ነገር ከም ዘየለ ብዙሓት ይወቕሱ።

ኣብዚ እዋን ቀንዲ ሰደድ እታ ሃገር፡ ካብ ዕደና ቢሻ ዝርከብ ወርቂ ኮይኑ፡ ናብ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ከም ዝስደድ ግን ይፍለጥ።

ምስዚ ተተሓሒዙ፡ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ቢሻ ተገዲዶም ኣብ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ መሰላቶም ተጋሂሱ፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዝነበሮም ካብታ ሃገር ምስ ወጽኡ ክሲታት ከም ዘቕረቡ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ንዝቐርበሉ ክሲታት ኣይቅበሎን እዩ።

ዕደና ወርቂ ኣቡርና፡ ኣካል ናይቲ ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገልጸ፡ ኣብ 771 ትርብዒት ኪ.ሜ. ፍቓድ ወሲዱ ዘሎ ፕሮጀክት ወርቂ ከርካሻ ኰይኑ፡ እዚ ፕሮጀክት ሒዝዎ ካብ ዘሎ መሬት ንምዕራብ ሸነኹ ዝረከብ እዩ።

ኩባንያ ኣልፋ፡ ዳህሳስ ወርቂ ከርካሻ ካብ ዝጀመረሉ 2018 ኣትሒዙ፡ 12 ሚልዮን ዶላር ካናዳ ወጻኢታት ብምግባር፡ ኣብ ኣቡርና 17 ቦታታት ወርቂ ከም ዘለዎም ከለሊ እንከሎ፡ ዛጊት ነቶም ሽዱሽተ ኵዒቱ ይርከብ።

ኩባንያ ዳህሳስ ኣልፋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ 'ፕሮጀክት ከርካሻ' ኤርትራ ኣብ ዓናጉሉ፡ ኣቡርና፡ ቶለግመጃ ዝበሃሉ ቦታታት ኤርትራ ሰለስተ ኣገደስቲ ቦታታት ወርቂ ዳህሲሱ ረኺቡ እዩ።

ኣልፋ፡ ኣብቲ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኦም ኩባንያታት ዘስፍር መዝገብ 'TSX-V' ካናዳ ዝተመዝገበ፣ ብ[TSXV: ALEX] ዝፍለጥ ኩባንያ እዩ።

እዚ ኩባንያ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን መደባት ዳህሳስን ምምዕባል ጸጋታትን ልዑል ተመኵሮ ዘለዎም ጕጅለ ክኢላታት ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን፡ ዓለምለኻዊ ዝደረጃኡ ዕቑር ወርቅን መሰረታዊ ባእታ ሓጺንን ከም ዘለዎ ዝእምን ክልቲኡ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ኣተኲሩ ዳህሳስ ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ እዩ።

ኣብ ኣቡርና፡ ኣብ 1920ታት ብኩባንያታት ኢጣልያ ዕደና ወርቂ ይካየድ ከም ዝነበረን፣ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ድማ ብያታዊ ዓደንቲ፡ ወርቂ ይዕደን ከም ዝነበረ ይግለጽ።

እዚ ኣብ ትሕቲ ፕሮጀክት ዳህሳስ ከርካሻ ዝዀነ ኣቡርና፡ ካብዚ ብኩባንያታት ኢጣልያ ዝድህሰስ ዝነበረ ብዙሕ ከይረሓቐ፡ 4 ኪ.ሜ ብ 2 ኪ.ሜ ዝስፍሓቱ መሬት ዝተደኮነ እዩ።

ኩባንያ ኣልፋ ኣብዚ እዋንዚ፡ ምስቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ፡ ካብ ኣስመራ ኸኣ 135 ኪ.ሜ. ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ርሒቝ ኣብ 771 ትርብዒት ኪ.ሜ ዝርከብ ቦታ ፍቓድ ኵዕታ ወርቂ ዝወሰደ ኩባንያ ከርካሻ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ።