ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዓደንቲ ክቡር መዓድን ንምሓዝ ዝጓየዩላ ገጠር

ምንጪ ስእሊ, AFP
"ኣልማዝ ዝብሃል ተንኪፈ ኣይፈልጥን፤ ሕጂ'የ ንፈለማ እዋን ዝሕዞ ዘለኹ"።
ሽክሁምቡዞ ምቤሄሌ ሓንቲ ካብቶም ናብታ ኣማኢት ህይወቶም ዝልውጥ ክቡር መዓድን ኣልማዝ ኣብ ጓጉኣ ኣሎ ዝተባህለት ገጠር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝውሓዙ'ያ።
እዛ ክዋህላቲ ዝተባህለት ካብ ሰሜን ደርባን 250 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ገጠር፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሃንደበት ሕጂ ብዙሓት ዝጓየይሉ ዘለው 'ኣልማዝ' ተረኺቡዋ ተባሂሉ።
ምምሕዳር እቲ ከባቢ ዘይሕጋዊ ዕደና ከይካየድ ከጠንቅቕ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ግን እዚ ክቡር መዓድን ንሓንሳእ ንሓዋሩን ካብ ድኽነት ዘናግፎም ታሪኻዊ ዕድል ገይሮም'ዮም ዝርእዩዎ።
ከመይ ኢሉ ጀሚሩ?
መጀመርታ፡ ሓደ ጓሳ ኣብ ጎልጎል ገለ ዘይተፍለጡ ኣእማን ረኺቡ ተባሂሉ።
ድሕሪኡ፡ ንኣልማዝ ዝመስል ጸጸር ረኺብና ናይ ዝብሉ ካልኦት ሰባት ምስልን ቪድዮን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት መራኸቢታትን ተዘርጊሖም።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣማኢት ሎምስ ክሓልፈልና ግዲ'ዩ ኢሎም ናብዛ ገጠር ዓዲ ክውሕዙ ጀሚሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መብዛሕትአን ኣብ ኣለሻ መዓድን ኣልማዝ ተዋፊረን ዘለዋ ስራሕ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ እየን።
እዘን መዓድን ኣብ ሓደ ለይቲ ዝርከብ ዝመሰለን ኣደታት ለይቲ ከይተረፈ መዋረ ሒዘን እቲ ሃንቀው ዝበላሉ ኣልማዝ ክረኽባ ኩዕት ይሓድራ።
ቬሊሌ ሓንቲ ካብተን ሮይተርስ ኣብቲ ከባቢ ዝረኸበን ደቂ ኣንስትዮ እያ።
"እዚ ብሓቂ ንሕብረተሰብና ክሕግዝ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ገበን ከብቅዕን ስኣን ስራሕ ዝፍጸሙ ገበናትን ጠጠው ከብሉ ተስፋ ንገብር" ኢላ።
ካልእ ርኢይቶኣ ዝሃበት ሽክሁምቡዞ ምቤሄሌ ብወገና "ኣብ ገዛ ብዙሕ ጸገማት ስለ ዘሎ፡ እዚ ዕድል ብዙሕ ነገራት ክልውጥ እዩ ኢለ ተስፋ ይገብር" ትብል።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ስእነት ስራሕ 46% ከም ዝበጽሐ ክግለጽ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ካብ 15 ክሳብ 34 ዓመት ዘለው'ዮም።
ተመራማሪት ስነ ልቦና ዩኒቨርሲቲ ጆሃንስበርግ መብዛሕትኦም "ዋላ ሓደ ነገር ዘይብሎም" ስለ ዝኾኑ ከምዚ ዝበለ ሃፍቲ ኣሎ ክሰምዑ ከለው መለኮታዊ ጸጋ ተዓዲልና ኢሎም እዮም ዝኣምኑ ትብል።
"ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣልማዝ ዘለዎም ኣተሓሳስባ እዚ'ዩ፤ ፈጣርን መሬትን ዝሃቡና ጸጋ'ዩ ኢሎም፤ ዝኾነ ተኣምር ከም ዝፍጠር'ውን ንፈልጥ ነይርና ኢና" እዮም ዝብሉ ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣመሓዳሪ ዞባ ክዋዙሉ-ናታል እቶም ሰባት ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ሓቲቱዎም ኣሎ።
ተዓዘብቲ'ውን እዚ ኩነታት ኣብ ቁጽጽር ክኣቱ እንተዘይክኢሉ ዕግርግር ከልዕል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ሰብ ሞያ ክፍሊ ምምሕዳር መዓድንን ጸዓትን እቲ ሕጂ ተረኺቡ ዝብሃል ዘሎ ኣልማዝ ከረጋግጹዎ ምዃኖም ድማ ተገሊጹ።
ከም ጸብጻብ ጂኦሎጂ ዶት ኮም: ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ራብዐይቲ ኣፍራይት መዓድን ኣልማዝ እያ።
ብተወሳኺ ብ1905 ብደረጃ ጽፈቱ ኣብ ቅድሚት ዝስራሕ ኣልማዝ ዝተረኸበላ ሃገር እያ።
ይኹን'ምበር ተመራማሪት ሓመድ ዩኒቨርሲቲ ስቴሌንቦሽ ዶክተር ሚሸል ፍራንሲስ ኣብዚ ሕጂ እዋን "ኣልማዝ ምርካብ ዘይልሙድ'ዩ" ኢላ።
ወሲኻ "ብዙሓት ኩባኒያታት ሓድሽ ኣልማዝ ክረኽቡ ብዙሕ ለፊዖም'ዮም። ኣብ ዝኾነ ሓመድ ወይ ጎልጎል ኣልማዝ ምርካብ ዘለዎ ተኽእሎ ከኣ ውሑድ'ዩ" ዝብል ርኢይቶ ሂባ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







