ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፍሉጥ ተጣባቒ ዕቃበ እንስሳታት ብኽልተ ጸዓዱ ኣናብስ ተቐቲሉ

ፍሉጥ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጣባቒ

ምንጪ ስእሊ, MATHEWSON FAMILY

ፍሉጥ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተጣባቒ ዕቃበ እንስሳታት፡ ንክልተ ጸዓዱ ኣናብስ ከዛውሮም እንከሎ በቶም ኣናብስ ተቐቲሉ።

መኪና ሒዛ ትኽተሎም ዝነበረት ሰበይቱ ክተድሕኖ ወላ እዃ እንተፈተነት ክሰምረላ ኣይከኣለን።

እዚ ብሓሙስ ብኣናብስ ዝተቐተለ ሰብኣይ፡ ኣብ "ሊምፖፖ" ዝተባህለ ከባቢ ፍሉጥ መካነ እንስሳታት ከምዝነበሮ ይፍለጥ።

ንዙረት እናኸዱ እንከለው እቶም ኣናብስ ክበኣሱ ከምዝጀመሩን ሓደ ካብቶም ኣናብስ ነቲ ሰብኣይ ከጥቕዖ ከምዝጀመረን ይግለጽ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ማእከል እቲ ዝነበረ ባእሲ ተለኪሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣዝማዱ ይዛረቡ።

ኣብዚ እዋን እቶም ኣናብስ ካብቲ መካነ-እንስሳታት ከምዝተወስዱን፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብ ሓደ ጫካ ከምዝፍነውን ተገሊጹ።

ኣብ 2017፡ እቶም ኣናብስ ካብቲ ሰፈሮም ወጺኦም ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብኣይ ከምዝቐተሉ ተገሊጹ ነይሩ።