ኣሜሪካ፡ ሓደ ኣንበሳ ብሰለስተ ውሉዱን ኣደ ደቁን ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣሜሪካ፡ ሓንቲ ኣንስተይቲ ኣንበሳ፡ ኣቦ ሰለስተ ደቃ ንዝኾነ ኣንበሳ ኣብ መንበሪኦም ቐቲላ።
12 ዓመት ዝዕድሚኣ ዙሪ፡ 10 ዓመት ንዝኾኖ ንያክ እንትተጥቅዕ፡ ሰራሕተኛታት መካነ-እንስሳ ክፍለ-ሃገር ኢንዲያናፖሊስ ካብ መጥቃዕቲ እታ ኣንበሳ ከናግፉዎ ኣይከኣሉን።
እዞም ኣናብስ ኣብ ሓደ መካነ እንስሳ ንሸሞንተ ዓመት ዝነበሩ እንትኾን፡ ኣብ 2015 ሰለስተ ኮራኹር ኣፍሪዮም'ዮም።
እቲ መካነ እንስሳ ብፌስቡክ ከምዝገለጾ፡ እንታይ ከምዝተፈጠረ እቶም ሰራሕተኛታት ምጽራይ ከምዝገብሩ'ዩ።
"ንያክ ፍሉይ ኣንበሳ'ዩ ነይሩ፤ ምሒር ክንናፍቖ ኢና" ይብል እቲ መካነ እንስሳ ኣብ ዝጸሓፎ።

እታ ኣንበሳ፡ ክሳብ ምንቅስቓስ ጠጠው ዘብል ብኽሳዱ ሓኒቓ ተሳቕዮ ዝነበረት እንትኾን፡ ዓርሱ ንምድሓን ብዝገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ግና፡ ክዕወት ኣይክኣለን።
ኮይኑ ግና፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዝተዓዘብናዮ ርኡይ ዘይምቅድዳው ኣይነበረን'ዩ ዝብል መግለጺ እቲ መካነ እንስሳ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







