ንብዙሓት ዘቖጠዐ ጉዳይ ብጥሜት ዝተታሕዙ ኣናብስ ሱዳን

ብጥምየት ዝሳቐ ዘሎ ኣንበሳ ኣብ መካነ-እንስሳ ካርቱም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኩነታት ናይቶም ኣብ ሓደ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ዝርከብ መካነ-እንስሳታት ተዳጒኖም ዘለዉን ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ኣፍሞት ዝበጽሑን ኣናብስ፡ ኣብ ህዝቢ ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ።

ዘስንብድ ስእሊ ናይቶም ብጥሜት ተለዂሲሶም ኣብ ጋቢና ተዳጒኖም ዝራኣዩ ሓሙሽተ ኣናብስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርገሐ፡ ብዙሓት በቲ ትርኢት ከም ዝሓዘኑ ይገልጹ ኣለዉ።

ብሰንበት፡ ብዙሕ እኩብ ህዝቢ እታ ከተማ፡ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝራኣዮም ኣዕጽምቲ ጥራይ ዝተረፉ እንስሳታት ንምርኣይ ናብቲ መካነ-እንስሳ ከም ዝኸደ ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ።

"ነቶም ኣናብስ ኣብቲ መካነ እንስሳ ከይደ ምስ ራኣኹዎም፡ ኣንቀጥቂጠ'የ ... ኣዕጽምቶም ወጺኡ ኢኻ ትርእዮም" ክብል ነቶም ኣናብስ ንምድሓን ጎስጓስ ዝጀመረ ዑስማን ሳልሕ ንኣገልግሎት ዜና ተዛሪቡ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እቶም 5 ኣናብስ ኣብቲ ኣል-ቁረሺ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መካነ-እንስሳ፡ ኣብ ጋቢና ተዓጽዮም ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብሰንኪ ስእነት መግብን ሕክምናን ክሳቐዩ ዝጸንሑ'ዮም።

ሰብመዚ እቲ መካነ-እንስሳ፡ እቶም ኣናብስ ኣብዘ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንታት ጥራይ ዳርጋ ክልተ-ሲሶ ካብ ሚዛኖም ከም ዝጎደሉ ይዛረቡ።

"መግቢ ኩሉሳዕ ኣይረኽቡን'ዮም። ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ጁባና ኣውጺእና ኢና ንምግቦም" ክብል ሓደ ካብ ኣካየድቲ እቲ መካነ-እንስሳ (ፓርክ) ንኤ-ኤፍ-ፒ ገሊጹ።

እቲ መካነ-እንስሳ፡ ምምሕዳር ከተማ ካርቱም ዘካይዶ ኮይኑ፡ ብኸፊል ናይ ብሕቲ ኣካለት ዝምውልዎ'ዩ።

ይኹን እምበር፡ ሱዳን ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ናህሪ ዋጋታት መግቢን ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቁልውላዉ ኣጋጢምዋ ይርከብ።