ምስ ሰራሕተኛታት ምክልኻል ዘይሕጋዊ ሃደን 'ሰልፊ' ዝተሰኣሉ ጎሪላ ኣዘራረብቲ ኮይኖም

ምንጪ ስእሊ, Ranger Mathieu Shamavu
ክልተ ጎሪላታት፡ ምስ ዘዕበይዎም ሰራሕተኛታት ምክልኻል ዘይሕጋዊ ሃደን 'ሰልፊ' ክሰኣሉ እንከለው ዝነበሮም ኣካላዊ ኣቃውማ፡ የዘራርብ ኣሎ።
እቲ ስእሊ፡ ወለዶም ብሃደንቲ ዝተቐትሎም፡ ብዘይወለዲ ዝዓብዩ ጎሪላታት ኣብ ዝሕብሐቡሉ ሃገራዊ ፓርክ ቪሩንጋ - ዲ. ሪ ኮንጎ ዝተሰኣለ እዩ።
እቶም ጎሪላታት ንተግባራት እቶም ዝሕብሕብዎም ሰራሕተኛታት እቲ ፓርክ ምቕዳሕ ከም ዝተለማመዱን ከም ወለዶም ከም ዝርእይዎምን፡ ምኽትል ዳይረክተር እቲ ፓርክ ሚስተር ምቡራኑመ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ወለዲ እቶም ጎሪላታት ኣብ 2007 ከም ዝተተቐትሉን ሽዑ ናይ ክልተን ኣርባዕተን ኣዋርሕ ዕድመ ከም ዝነበሮም'ውን ገሊጹ።
ካብ ሽዑ ጀሚሮም ድማ ኣብቲ 'ሰነክወክወ' ዝበሃል መዕቆቢ እንስሳታት ክነብሩ ጸኒሖም።
ካብ ንእስነቶም ምስቶም ዝኣልይዎም ሰራሕተኛታት እቲ ፓርክ ስለዝዓበዩ፡ ንተግባራቶም ክቐድሑ ከም ዝፍትኑን ልሙድ ተርእዮ ከም ዘይኮነን ሚስተር ምቡራኑመ ገሊጹ።
"ምስረኣኽዎም ብጣዕሚ'የ ተገሪመ. . . ኣዝዩ ዘስሕቕ'ዩ።"
እቲ ስራሕ ግና ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ፤ ካብ 1996 ንነጀው፡ 130 ሓለውቲ ጫካ ኣብ ቪሩንጋ ተቐቲሎም ኣለው።
ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ኮንጎ፡ በቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝካየድ ጎንጺ ተሸሚሙ ዝርከብ ኮይኑ ገለ ካብቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብቲ ፓርክ ዝሰረቱ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







