በኹሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ግራንድ ቱር ቢንያም ግርማይ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌሩሉ

ምንጪ ስእሊ, Eritrea MoI
በኹሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ግራንድ ቱር፡ ከምኡ'ውን ክላሲካዊ ቅድድም ጌንት-ዌቨልገም ዝኾነ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ንግሆ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝዓተወሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌሩሉ።
ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማርቸ ዋንቲ ጎበርት ቢንያም ኣብ ብ17 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ 10ይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ ብዘደንቕ ቅጽበታዊ ውድድር'ዩ ቀዳማይ ብምእታው ታሪኻዊ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ቢንያም ኣብቲ ካብ 6 ግንቦት ጀመሩ ክሳዕ ጽባሕ ሰንበት 29 ግንቦት ዝካየድ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ሰለስተ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ዝኾነ ጂሮ ዲ'ኢታልያ እዩ ክወዳደር ጸኒሑ።
ንሱ ድሕሪ እቲ ኣብ 10ይ መድረኽ ምዕዋቱ፡ ዓወቱ ንምጽንባል ናብ መድረኽ ኣብ ዝደየበሉ ብመኽደኒ ናይ ሻምፓኝ ኣብ ጸጋማይ ዓይኑ ድሕሪ ምህራሙ፡ ነቲ ውድድር ከቋርጾ ተገዲዱ።
ቢንያም ግርማይ ብሰሉስ ኣብ ቤልጂም ድሕሪ ዝተገበረሉ መርመራ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልታት ናብ ንቡር ልምምድ ክምለስ ከምዝኽእል ተነጊርዎ ኣሎ።
ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ሕጂ ጽቡቕ ይስምዓኒ ኣሎ እንተኾነ ገና ብሽክለታ ክዝውር ኣይጀመርኩን ኣለኹ፡ [ማህረምተይ] ካልእ ሳዕቤናት ዘኸትል ስለዘይኮነ ግና ሕጉስ'የ" ኢሉ።
ንፈለማ እዋን ኣብ ግራንድ ቱር ዝተሳተፈ ቢንያም ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ ክኣቱ እንከሎ ኣብ ኣብ ሳልሳይን ሻዱሻይን መድረኽ ራብዓይ ኣብ ሓሙሻይን ሻሙናይን ኸኣ ሓሙሻይ ኮይኑ ብምዝዛሙ ምስ'ቶም ተጠመትቲ ተቐዳደምቲ ናይቲ ውድድር ክኸውን ክኢሉ እዩ።
ቢንያም፡ ንሓካይሙን ንጋንትኡን ብምምስጋን "ኣብ ኣስመራ ኣዕሪፈ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ውድድር ክምለስ ብዓል ምሉእ ተስፋ'የ" ኢሉ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Eritrea MoI
ጂሮ ዲ ኢታልያ ጽባሕ ሰንበት ኣብ ከተማ ቬሮና ብዝካየድ መበል 21 መድረኽ ናይ ግዜ ውድድር ክዛዘም እዩ።
ኣብቲ ውድድር ዛጊት ብድምር ግዜ ኤኳዶራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንኦስ ግረናድየርስ፡ ሪቻርድ ካራፓዝ ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ ኣውስትራልያዊ ጀይ ሂንድለይ ብ 3 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ፡ ስጳኛዊ ሚከል ላንዳ ሳልሳይ ተሰሪዖም ኣለው።
ኣብቲ ምድብ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢኤፍ ኤዱኬሽን ኢዚ ፖስት መርሃዊ ቅዱስ መበል 60 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ይቕጽል ኣሎ።
ካልእ ኣብቲ ውድድር ክሳተፍ ዝጸንሐ ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2022፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጆካቶሊ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ መበል 16 መድረኽ ውድድሩ ክዛዝም ብዘምኽኣሉ ካብቲ ውድድር ተኣልዩ እዩ።
ቢንያም ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ ህዝቢ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ከም እተቐበሎ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ዝዘርግሖ ስእሊ የርኢ።
ቢንያም ብ27 መጋቢት'ውን ኣብ በልጅዩም ኣብ ዝተኻየደ ክላሲካዊ ጌንት-ዌቨልገም ብምዕዋቱ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







