ቢንያም ግርማይ ኣብ ውድድር ጂሮ ዲ’ኢታልያ ክቕጽል ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ካብቲ ውድድር ከምዝተኣለየ ኣፍሊጡ።
ቢንያም ግርማይ ትማሊ፡ ኣብ መድረኽ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ብምዃን፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ'ዩ።
እንተዀነ፡ ዓወቱ ንምጽንባል ኣብ መድረኽ -ፖዲየም ደይቡ፡ ሻምፓኝ ክኸፍት እንከሎ ብመኽደኒ ጠርሙዝ ጸጋመይቲ ዓይኑ ስለዝተሃርመ፡ ሎሚ ክወዳደር ከም ዘይክኣለ ገሊጹ።
ትማሊ ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ሕክምና ምስ ተገብረሉ፡ ነቲ ዝተጐናጸፎ ዓብዪ ዓወት ምስ ደቂ ጋንታኡ ብፍሉይ ጸንቢሉዎ'ዩ።
እንተኾነ፡ ናብቲ ሎሚ ዝካየድ ውድድር ክምለስ ኣይክኣለን።
ተጻዋቲ ኢንተርማርሸ ዋንቲ ጎበርት ቢንያም ሕጂ "ድሓን" እየ "ግን ድማ ክሓዊ ኣለኒ" ኢሉ።
"በቲ ዘጋጠመ ነገር ቁሩብ ሓዚነ'የ፤ ደቂ ጋንታይ'ውን ቁሩብ ሰጊኦም ነይሮም። ዓይነይ ዚያዳ ዕረፍቲ ክረክብ ስለ ዘለዎ ግን ሎሚ ናብቲ ውድድር ኣይምለስን። ሕጂ ድሓን እየ፤ ኩሉ ንዘርኣየኒ ድጋፍ የመስግን" ክብል ቃሉ ሂቡ።
ወዲ 22 ዓመት ኤርትራዊ ቢንያም፡ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ውድድር ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ንማቲው ቫን-ደር-ፖል ብቕጽበታዊ ውድድር [ቮላታ] ስዒሩ እዩ ነዚ ዓወት'ዚ ተጐናጺፉ ዘሎ።
እቲ ዝረኸቦ ዓወት "ክእመን ዘይክእል" ብምባል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ኣብቲ ድሕረ-ውድድር ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ ክሳተፍ ኣይከኣለን ነይሩ።
ንፈለማ እዋን ኣብ ግራንድ ቱር ዝሳተፍ ዘሎ ቢንያም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝካየድ ቅድድም ዎርልድ ቱር ገንት ወቨልገም ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ናብ ናይ መድረኽ ዓወት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ብኣግኡ ተገሚቱ ነይሩ እዩ።
ተቐዳደምቲ ትማሊ ሰኑይ ኣዕሪፎም ድሕሪ ምውዓል ፡ ትማሊ ካብ ወደባዊት ከተማ ፓስካራ ናብ ጀሲ ዝተኻየደ 194 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ገይሮም።
ቢንያም ነቲ ውድድር ብ 4 ሰዓት 32 ደቒቅን 7 ካልኢትን ብማእከላይ ገምጋም 43.2 ኪሜ እናተሓምበበ እዩ ዛዚምዎ።
ሎሚ ረቡዕ፡ መበል 11 መድረኽ ውድድር ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ካብ ሳንታርካንጀሎ-ዲ-ሮማኛ ክሳብ ረጂዮ ኢሚልያ 203 ኪ.ሜ. ዝሽፍን ናይ ጐልጐል ውድድር ከካይድ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







