መራሕቲ፡ ንሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሓጐሶም ይገልጹ

ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

ብሰንበት ኣብ ዝተገብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማልያ ንዝተዓወተ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ዝተፈላዩ መራሕቲ ሃገራት ዓለም እንቋዕ ሓጐሰካ ይብልዎ ኣለው።

ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ካብ 2012-2017 ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ ኰይኑ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እዩ እንደገና ከም ሓድሽ ዝምረጽ ዘሎ።

ኣብቲ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ምሃብ ድምጺ ሸኽ ማሕሙድ 214 ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ሳልሳይ ዙርያ መቐናቕንቱ ኰይኑ ዝቐረበ ፋርማጆ 110 ድምጺ ረኺቡ።

ኣብቲ ኣብ ሰለስተ ዙርያታት ዝተኻየደ ምርጫ ንመሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ ስዒሩ ድሕሪ ምዕዋቱ ብኡንብኡ ቃለ-መሓላ ፈጺሙ።

ንሱ፡ ኣብታ ሃገር ንፈለማ እዋን ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ዳግም ዝተመርጸ መራሒ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ዘሎ ቁጥዐ ንምሕዋይ ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትዩ።

"ንቕድሚት ክንስጉም ኣለና፤ ቅርሕንቲ ኣየድልየናን፤ ሕነ ምፍዳይ'ውን ኣየድልየናን" ክብል ከም ዝተዛረበ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ተሰናባቲ ፕረዚደንት መሓመድ ፎርማጆ፡ ህዝቢ ሶማልያ፡ ሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት ምእንቲ ክዕወት ክድግፎን ክጽልየሉን፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ጸዊዑ'ሎ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

መራሕቲ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት'ውን ድሮ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለካ ክሰዱ ጀሚሮም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንሓድሽ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ እንቋዕ ሓጐሰካ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ረብሓታት ብሓባር ክሰርሑ ዘለዎ ድሌት ገሊጹ።

ተወላዲት ሶማል ዝዀነት ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ኢልሃን ዑመር፡ ኣብ ቲዊተር ኣብ ዝለጠፈቶ ጽሑፍ፡ ኣብዚ ምርጫ ኵሎም ሶማላውያን'ዮም ዕዉታት ብምባል፡ ንህዝቢ ሶማልያ ዮሃና ኢላ።

"ካብዚ ንዓሰርተታ ዓመታት ዝኸደ ዘምርግጋእ ንምልቓቕ፡ እዛ ሃገር ኵላትኩም ብሓባር ክትሰርሑ ትደሊ'ላ፡" ክትብል ኣዘኻኺራ።

ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ [ጸጋም] መበል ሻምናይ ፕሬዝደንት እታ ሃገር'ዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ [ጸጋም] መበል ሻምናይ ፕሬዝደንት እታ ሃገር'ዩ ነይሩ

ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ሶማልያ፡ ቲና ኢንተልማን ብወገና፡ መልእኽቲ ሓጐስ ንሓድሽ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ገሊጻ'ላ።

ኣብ ብሪጣንያ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ ኣብ መልእኽታ፡ ሃገራ ንሶማልያ ክትገብሮ ዝጸንሐት ደገፍ፡ ነዚ ሓድሽ መንግስቲ'ውን፡ ርግኣት ኣብ ምፍጣር፡ ኣንጻር ኣ'ሸባብ ንምቅላስ፡ ደርቂ ንምምካት ኣብ ዝገብሮ ስርሓት ክትድግፍ ድልውቲ ምህላዋ ኣረጋጊጻ'ላ።

እዚ ሓድሽ መራሒ ግን፡ ከም ደርቂ፣ ቀጻሊ ስግኣት ድሕነትን ምኽባር መነባብሮን ዝበሉ ቁልፊ ጸገማት ክብድህ ትጽቢት ይግበሮ።

እቲ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ዝተናውሐ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ትማሊ ሰንበት ክተካይድ እንከላ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ፈለማ ዝተመደበሉ ግዜ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ እዩ ተኻይዱ።

ስልጣን ሒዙ ዝጸንሐ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ - ፎርማጆ፡ ዝርከቦም ንፈለማ ግዜ 39 ሕጹያት ድማ ተሳቲፎም።

እዚ ቝጽሪ ሕጹያት፡ እቲ ብዚያድ ባረ ዝምራሕ ማሕበርነታዊ ስርዓት፡ ብ1991 ካብ ዝወድቕ ንደሓር፡ እቲ ዝዓበየ ምርጫ እዩ።