ሶማልያ፡ 327 ኣባላት ባይቶ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጾም

ሓድሽ ፕሬዝደንት ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣቐዲሙ፡ [2012-2017] ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣባላት ባይቶ ጥራይ ኣብ ዘድመጽሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ተመሪጹ።

ንሱ፡ ነቲ ካብ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ስዒሩ'ዩ፡ መበል ዓስራይ ፕረዚደንት ሶማል ኰይኑ ተመሪጹ ዘሎ።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታት እቲ መስርሕ ምሃብ ድምጺ፡ ኣብ መወዳእታ ን328 ኣባላት ባይቶ ጥራይ ዝተሓጽረ'ዩ ነይሩ። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ድምጺ ኣይሃበን።

እዚ ምርጫ፡ ንኣርባዕተ ዓመተ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፋርማጆ ግዜኡ ምስ ኣብቅዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ክካየድ ዝግባኦ ነይሩ።

ኣብቲ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ምሃብ ድምጺ ሸኽ ማሕሙድ 214 ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ሳልሳይ ዙርያ መቐናቕንቱ ኰይኑ ዝቐረበ ፋርማጆ 110 ድምጺ ረኺቡ።

ሰለስተ ኣባላት ባይቶ ግን እቲ ዝህብዎ ድምጺ ከም ዘበላሸውዎ ተገሊጹ። እዚ ዘይተለምደ ኵነታት፡ ጉዳይ ድሕነትን ሕጽረት ዲሞክራሲያዊ ተሓታትነትን ሶማልያ ዘርኢ'ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ካብ 2012 ክሳብ 2017 ፕረዚደንት እታ ሃገር ከም ዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ምስ ተገለጸ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ደገፍቱ ሓጐሶም ንምግላጽ ጠያይት ናብ ሰማይ ተኲሶም፤ ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ'ዩ።

ኣ'ሸባብ፡ እቲ ዝዓበየ ብድሆ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኰይኑ፣ ሶማል ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ድርቂ ኣጋጢምዋ ምህላው'ውን ካልእ ግድል እዩ።

ብሰንኪ'ዚ፡ 3.5 ሚልዮን ሶማላውያን ንከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝተቓልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ንዝበዝሐ ክፋል ሶማል ካብ ቍጽጽር ኣ'ሸባብ ናጻ ምግባር ቀንዲ ዕማም እቲ ፕረዚደንት ኰይኑ፡ እዚ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ዘለዎ እስላማዊ ጕጅለ፡ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሩ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ከይተረፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ቀጻሊ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ።

ብሰንበት ዝተኻየደ ምሃብ ድምጺ

ምንጪ ስእሊ, BBC/ MOHAMUD ABDISAMAD

መግለጺ ስእሊ, ብሰንበት ዝተኻየደ ምሃብ ድምጺ

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ ነዚ ጕጅለ ንምቅላስ ብሕብረት ኣፍሪቃ ደገፍ ይግበረሉ'ዩ፣ ኣብታ ሃገር ካብቲ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተዋጽኡ 18 ሽሕ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ኣለው።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ብዝስዓቦ ቅልውላው፡ ኣብታ ሃገር ልዑል ወሰኽ ዋጋ መግብን ነዳድን ተራእዩ ኣሎ።

ሶማልያ፡ ካብ 1969 ንደሓር፡ 'ሓደ ሰብ፡ ሓደ ድምጺ' ዝብሃል ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ምርጫ ርእያ ኣይትፈልጥን።

ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ምርጫ፡ ዕልዋ መንግስቲ፡ ምልካዊ ስርዓት፡ ቀቢላዊ ግጭታት፡ ሚሊሻታትን እስላማዊ ጕጅለታትን ፈጢሩ እዩ።

እዚ ዘይምርግጋእ ድማ፡ ሶማል ቀጥታዊ ምርጫ ንኸይተካይድ ማሕለኻ ኰይኑ ጸኒሑ'ሎ።

እቲ ሎሚ-ለይቲ ዝተኻየደ ምርጫ እምበኣር፡ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ምርጫ እዩ፤ ኣቐዲሞም ዝነበሩ ምርጫታት ኣብ ኬንያን ጅቡትን ከም ዝተኻየዱ ይፍለጥ።