329 ሰባት ጥራይ ዝሳተፍዎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል

ኣፈ ጉባኤ ብኣባላት ሰኔት'ዩ ዝምረጽ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣፈ ጉባኤ ብኣባላት ሰኔት'ዩ ዝምረጽ

ሎሚ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፡ ዝስዕብ ፕረዚደንት እታ ሃገር መን ምዃኑ ዝውሰነሉ መስርሕ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ካብ ዝተመደበሉ ግዜ ኣመና ዝተናውሐ ምርጫ ግን፡ 329 ኣባላት ባይቶ ጥራይ ዝሳተፍሉ'ዩ።

እዚ ዘይልሙድ መስርሕ፡ ኵነታት ድሕነትን ሕጽረት ዲሞክራሲያዊ ተሓታትነትን እታ ሃገር ዘርኢ'ዩ።

ካብቶም ተወዳደርቲ ኰይኖም ቀሪቦም ዘለው 39 ሕጹያት ዝዕወት፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ብድሆ ሓያል ድርቂ ክገጥም ትጽቢት ይግበር።

እቲ ዝዓበየ ግድል ግን፡ ንዝበዝሐ ክፋል ሶማል ካብ ቍጽጽር ኣ'ሸባብ ናጻ ምግባር'ዩ።

እዚ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ዘለዎ እስላማዊ ጕጅለ፡ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሩ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ከይተረፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ቀጻሊ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፡ ነዚ ጕጅለ ንምቅላስ ብሕብረት ኣፍሪቃ ደገፍ ይግበረሉ'ዩ፣ ኣብታ ሃገር ካብቲ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተዋጽኡ 18 ሽሕ ወተሃደራት ዓቃብ ሰላም ኣለው።

ሶማል፡ ካብ 1969 ንደሓር፡ 'ሓደ ሰብ፡ ሓደ ድምጺ' ዝብሃል ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ምርጫ ርእያ ኣይትፈልጥን።

ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ምርጫ፡ ዕልዋ መንግስቲ፡ ምልካዊ ስርዓት፡ ቀቢላዊ ግጭታት፡ ሚሊሻታትን እስላማዊ ጕጅለታትን ፈጢሩ እዩ።

እዚ ዘይምርግጋእ ድማ፡ ሶማል ቀጥታዊ ምርጫ ንኸይተካይድ ማሕለኻ ኰይኑ ጸኒሑ'ሎ።

እቲ ሎም-መዓልቲ ዝካየድ ምርጫ እምበኣር፡ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ምርጫ እዩ፤ ኣቐዲሞም ዝነበሩ ምርጫታት ኣብ ኬንያን ጅቡትን ከም ዝተኻየዱ ኸኣ ይፍለጥ።

ተወዳደርቲ በዓል መን እዮም?

ካብቶም 39 ሕጹያት እቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ "ፋርማጆ"፡ ክልተ ኣቐዲሞም ፕረዚደንታት ዝነበሩ፡ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ ሓሰንን ሸኽ መሓመድን ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ሓሰን ዓሊ ኸይረን ይርከብዎም።

ኣብ ርእሲኦም፡ ፕረዚደንት ዞባ ፑንትላንድ ሰይድ ዓብዱላሂ ወሲኽካ እዞም ኣርባዕተ ሕጹያት ካብቶም ክምረጹ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎም ዘሎ ተወዳደርቲ እዮም።

ተወዳደርቲ፡ ፖለቲካዊ ርግኣት ከምጽኡ፡ ድሕነት እታ ሃገር ከመሓይሹን ቁጠባዊ ዕረያታት ክገብሩን ምዃኖም ድማ ተመባጺዖም ኣለው።

ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኰይና ዘገልገለት ፎዚያ ዮሱፍ ኣደም ድማ፡ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ተወዳዳሪት እያ።

እዚ ምርጫ ብኸመይ'ዩ ክካየድ?

እዚ ምርጫ፡ ንኣርባዕተ ዓመተ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፋርማጆ ግዜኡ ምስ ኣብቅዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ክካየድ ዝግባኦ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናንን ዘይምርግጋእን ተደናጉዩ፣ እቲ ፕረዚደንት'ውን ኣብ ስልጣን ቀጺሉ።

እቶም ብሓያላት ቀቢላታት እታ ሃገር ዝተመርጹ ልኡኻት ኣባላት ባይቶ፡ ሎሚ መዓልቲ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመት ነታ ሃገር ዝመርሕ ፕረዚደንት ክመርጹ'ዮም።

እዞም ወከልቲ፡ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማሊያ [ኣትሚስ]ዝርከበሉ ብጽኑዕ ዝሕሎ ወተሃደራዊ መዓስከር 'ሃላኔ' ተኣኪቦም ድምጾም ክህቡ'ዮም።

ኣብዚ ብምስጢር ዝወሃብ ድምጺ፡ ሓደ ዕውት ቅድሚ ምምራጹ ድማ ብተደጋጋሚ ዝግበር ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ክህሉ'ዩ።

እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ዝወደቑ ሕጹያት፡ ደገፍቶም ንኻልእ ሕጹይ ክመርጹ ክገብሩ'ዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ምርጫታት፡ ሕጹያት ንደገፍቶም ገንዘብ ብምሃብ ድምጺ ይገዝኡ እዮም ዝብሉ ክስታት ይቐርበሎም ነይሩ።

ኣልሸባብ እንታይ ኢሉ?

ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ፡ ኣል-ሸባብ መጥቃዕታት ንምፍጻም ከፈራርሕን፡ ኣብቲ 'እስላማዊ ዘይኮነ ምርጫ' ተሳቲፎም ብዝብል መራሕቲ ቀቢላ ከም ዝጨወየን ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዛዕባ እቲ ምርጫ ዝበሎ ነገር ግን የለን። እንተዀነ ኣባላት ወይ ደገፍቲ እቲ ጕጅለ ብምስጢር ካብ ውሽጢ፡ ነቲ መንግስቲ ንምድኻም ባይቶኣዊ መናብር ሒዞም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይስጋእ።

እዚ ስግኣት፡ ብ2020 ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ብግልጺ ተዛሪብ'ዎ'ዩ።

"ድጋፍ ገለ ኣባላት ባይቶ ምርካብ ክኢሎም ስለ ዘለው፡ ብኢደ-ዙር ኣ'ሸባብ ዝተቘጻጸሮ ፓርላማ ክህሉ'ዩ ኢለ እሰግእ፡" ምባሉ ይዝከር።

ገለ ተንተንቲ ግን፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ ኵነታት ኣጋኒንዎ እዩ ይብሉ።

ብድሆታት ተመራጺ ፕረዚደንት እንታይ'ዮም?

እቲ ዝዓበየ፡ ቀጻሊ ስግኣት ኣ'ሸባብ ኰይኑ፡ ሶማል ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ድርቂ ኣጋጢምዋ ምህላው'ውን ካልእ ግድል እዩ።

ብሰንኪ'ዚ፡ 3.5 ሚሊዮን ሶማላውያን ንኽቢድ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝተቓልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣርባሕቲ እንስሳ፡ ጥሪቶም ስኢኖም ህይወቶም ንምድሓን ናብ ከተማታት ይስደዱ ኣለው።

ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ብዝስዓበ ቅልውላው፡ ኣብታ ሃገር ልዑል ወሰኽ ዋጋ መግብን ነዳድን ተራእዩ ኣሎ።

ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ሶማል ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ክተካይደሉ ናብ እትኽእል ምዕራፍ ንምስግጋር ዘኽእላ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ክዛዘም ዝግበር ጸቕጢ'ውን ኣሎ።