ህዝቢ ዘየድምጸሉ ምርጫ ሶማልያ ኣበይ በጽሐ?

ባንዴራ ሶማልያ ዝተኸድነት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣባላት ተወከልቲ ህዝቢ ባይቶ ሶማልያ፡ ቃለመሓላ ክፍጽሙ እዮም። እንተዀነ ህዝቢ፡ ኣብቲ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተጓተተ ኣህላኺ መስርሕ ምድማጽ ኣይተሳተፈን።

ኣብቲ ን 16.3 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ [ሶማልያ] ንዝውክል ባይቶ ዝተገብረ ምርጫ፡ ሒደት ኣሽሓት ሰባት ጥራይ እዮም ተሳቲፎም።

ምኽንያት ናይዚ፡ እታ ሃገር ዝተጠናነገን ዘይንጹርን ፖለቲካዊ ስርዓት ስለእትኽተል፣ ተቓወምቲ ሰልፊታት ድማ ንዝካየዱ ምርጫታት ብዙሕ ግዲ ስለዘይብሎምን ስለዘይወዳደሩን እዩ። 'ሓደ-ሰብ-ሓደ-ድምጺ' ዓይነት ምርጫ ድማ ገና ተኻይዱ ኣይፈልጥን።

ብኣንጻሩ፡ እቲ 275 መናብር ላዕለዋይ ባይቶ 'ቤተ-ህዝቢ'፡ ብዓበይቲ መራሕቲ ቀቢላታት ዝተሓርዩ ወከልቲን፣ ኣመሓደርቲ ዞባታት ዝመርጽዎም ኣባላት ሲቪክ ማሕበራትን እዩ ዝመልእ። እዞም ኣባላት ባይቶ ድማ ነቲ ሃገር ዝመርሕ ፕረዚደንት ይመርጹ።

እቲ 54 መናብር ዝሕዝ ታሕተዋይ ባይቶ፣ ንሓሙሽተአን ዞባታት ሶማሊያ ዝውክል ቤት ምኽሪ'ውን፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ይሳተፍ እዩ።

ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስለምንታይ እዮም ኣባላት ባይቶ ብኸምዚ ኣገባብ ዝምረጹ?

እዚ መርኣያ ሓይለ-ስልጣን ቀቢላታት [ክላን] ሶማሊያ ኰይኑ፤ ንሳቶም ነቲ 'ምዕራባውያን ዘሰጉምዎ ዓይነት-ዲሞክራሲ ገና ዘይሰረጾ ሕብረተሰብ' ዓንዲ ዘቝሙ እዮም።

ኣብታ ሃገር፡ ብዚያድ ባረ ዝምራሕ ዝነበረ ማሕበረነታዊ ስርዓት ኣብ 1991 ድሕሪ ምውዳቝ፡ ግቡእ ዝዓዪ መዋቕራት መንግስቲ ብሰንኪ ዘይምጽንሑ፡ ንዝተፈጥረ ሃጓፍ'ውን መሊኦምዎ እዮም ጸኒሖም።

ኣብ መንጐ ቀቢላታት ሶማልያ ብሰንኪ ዘሎ ብርቱዕ ህልኽ፡ እቲ ስርዓት፡ ማዕረ 'ምቕርሐ-ስልጣን' ብዝብል ቅማረ እዩ ዝዓዪ።

በዚ መሰረት፡ እተን ኣርባዕተ ቀንዲ ቀቢላታት ማዕረ መናብር ባይቶ ክሕዛ እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ድማ ነቲ ፍርቂ ኣብ መንጐአን ይኻፈለኦ።

እዚ ዓይነት ኣቃውማ ድማ፡ ነቶም ወከልቲ ቀቢላታት ሶማልያ ፖለቲካዊ ራእስነት ይህቦም።

መብዛሕትኦም እዞም ኣባላት ባይቶ እምበኣር፡ ሓሙስ [14 መጋቢት 2022] ቃለ-መሓላ ክፍጽሙ እዮም።

እንተዀነ፡ ኣብ ገሊኡ ዞባታት፡ ብሰንኪ ኣብ ጉዳይ ቅቡልነት ዝቐረቡ ሕጹያትን ካልእን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ምርጫ ገና ኣይተፈጸመን ዘሎ።

እዚ ግን ነቲ ስነስርዓት ማሕላ ዘደናጕዮ ኣይመስልን።

እዚ ምርጫታት፡ ከቢድ ብልሽውና፡ ስልጣን ብዘይኣግባብ ምጥቃም፡ ሕግታት ምርጫ ምጥሓስን ካልእን ዘሰነዮ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ገለኡ ጉዳያት፡ ወከልቲ ንምድላል ማእለያ ዘይብሉ ዶላራት ከም ዝጠፍአ እዩ ዝእመን።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ድማ ኣብታ ሃገር ዝቘመ ትካል ጸረ-ብልሽውና የለን።

ቐጠር፡ ቀንዲ ተዋሳኢት ፖለቲካዊ ህይወት ሶማሊያ እያ።

ተነተንቲ ከም ዝብልዎ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ዓብዱላሂ ፎርማጆ ኣብ 2017 ዘካየዶ ጐስጓስ፡ ምርጫ ወጻኢታቱ ብቐጠር እዩ ተሸፊኑ፤ ኣብ ምምሕዳሩ'ውን ገዚፍ ሓለፋ እዩ ዘለዋ።

ቀዳምነታት 'ዞም ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ እንታይ ክኸውን እዩ?

ኣብ ለካቲት 2021 ንዘብቅዐ ስልጣን ፕረዚደንት ፎርማጆ፡ ብሓድሽ ፕረዚደንት ንምትካኡ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ባይቶ ተሪር ህዝባዊ ጸቕጢ ክግበር ጸኒሑ እዩ።

እንተዀነ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ህልኽ፣ ሰንኮፍ ምቅርራብ ዝደንጐየ ባይቶኣዊ ምርጫ፣ ሮርማጆን ምስ ሓንጸጽቲ ሕጊ - ግን ብዘይመዝነት ምሕደራ - ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ክጸንሕ ክኢሉ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ምዕራባውያን ለገስቲ ጸቕጢ ኣብ ዝገበራሉ፣ ኣሜሪካ'ውን ንሰበስልጣን እገዳታት ቪዛ ኣብ ዘሕለፈትሉ ክካየድ ክኢሉ'ሎ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፡ እዚ ምርጫ ብኣጋ እንተዘይተፈጺሙ፡ ነታ ሃገር ዝገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ከጠንቅቕ ጸኒሑ እዩ።

ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ቈመ፡ ነዚ ኣብታ ሃገር ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ደርቂን ካልኦት ዓበይቲ ብድሆታትን ብህጹጽ ክገጥሞም ትጽቢት ይግበር።

ሓደጋ ደርቂ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት እናበኣሰ ክመጽእ ከም ዝጸንሐን፡ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ከኸትል ምዃኑን ትካላት ረዲኤት የጠንቅቓ።

ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ሶማሊያ፡ ህጹጽ ረዲኤት መግቢ ይደሊ፤ 1.4 ሚልዮን ህጻናት ድማ ንጕድለት ሓኖኽ [malnutrition] ተቓሊዖም ኣለው።

ኣብ ሶማልድሌት ምዕራባውያን እንታይ እዩ?

ንምዕራባውያን ዝያዳ ዘተሓሳስቦም ዘሎ፡ ምሕያል እስላማዊ ሓይልታት እዩ።

እቲ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዝነገረሉ፡ ሓደገኛ ምንቅስቓስ ኣብ ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝግመት፡ ኣልሸባብ፡ ማእከሉ ሶማልያ እዩ።

ቅድሚ ክልተ ዕቝድ ኣቢሉ፡ ንሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ተባሂሉ፣ ብአሜሪካ እናተደገፈ ንመቓድሾ ዝገስገሰ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጲያ፡ ቀንዲ ጠንቂ ምዕባይን ምስፍሕፋሕን ኣልሸባብ ከም ዝዀነ ይንገር።

ስዕረት ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ፡ ንኣልሸባብ ሓይሊ ክድልብ ኣኽኢልዎ እዩ፤ 'ወረርቲ' ግሒጥና ከነውጽኦም ኣለና፡ ዝብል ቃና ሒዙ ድማ ክንቀሳቐስ ጀመረ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣልሸባብ ብዙሕ ከባቢታት ሶማሊያ ተቈጻጺሩ'ሎ፤ ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንምውዳቕ ዓሊሙ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን መጥቃዕቲታት ይገብርን፡ እስላማዊ ሕግታት ይተክልን ኣሎ።

ኣልሸባብ፡ ነቲ 'ዘይእስላማዊ' ዝበሎ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2016 ዝተኻየዳ ምርጫ ንዝተሳተፉ መራሕቲ ቀቢላታት ክኹንን፡ ከፈራርሕን፡ ንገለ'ውን ክጨዊ ተራእዩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን ግን፡ ዝሃቦ ግብረመልሲ ዳርጋ የለን። እዚ ኸኣ፡ ኣባላቱ ወይ ተደናገጽቱ ብምስጢር ኣብ ባይቶ ክኣትዉን፡ 'ነቲ ስርዓት ካብ ውሽጢ ምቅላሱን ምስዓሩን' ብዝብል፡ ዕድል ረኺቦም ከይህልዉን ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

ብዛዕባ'ዚ፡ ኣብ 2020፡ ፕረዚደንት ጂቡቲ ዑመር ገለ፡ "ብተዘዋዋሪ፡ [ወመዳእትኡ] ኣ'ሸባብ ብዝቈጻጸሮ ባይቶ ኢና እንጠፍእ ኢለ እየ ዝፈርሕ፣ ምኽንያቱ ደገፍ ገለ ኣባላት ባይቶ ረኺቡ ኣሎ፡" ክብል ብዓውታ ዝገለጾ መርኣያ ናይቲ ተጻዊዱ ዘሎ ስግኣት እዩ።

ገለ ተንተንቲ፡ እዚ ኣገላልጻ ፕረዚደንት ዑመር፡ ኣ'ሸባብ ኣብ ባይቶ ሶማልያ ብዛዕባ ክረግጽ ዘሎ ተኽእሎ፡ ዘጋነነ ኣቀራርባ እዩ ኢሎም ይወቕስዎ። ኣ'ሸባብ፡ ገዚፍ ፖለቲካዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ግን ዝከሓድ ኣይኰነን።

ሶማያ፡ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ክትከውን ትኽእል ዶ?

ፖለቲካውያን ሓይልታት ሶማልያ፡ ሓደ-ሰብ-ሓደ-ድምጺ ዝብል መስርሕ ምርጫ ኣብዚ ዓመት ከተኣታትዉ ኣቐዲሞም ቃል ኣትዮም'ኳ እንተነበሩ፡ መብጽዓኦም ከፈጽሙ ግን ኣይከኣሉን።

እንተዀነ፡ ምዝገባ ፖለቲካዊያን ሰልፍታት፣ ከምኡ'ውን ህዝበ-ውሳነ ንምጽዳቕ ሓድሽ ቅዋም ስለዘይተኻየደ፡ እቲ መብጽዓ ክትግበር ከምዘይክእል ርዱእ እዩ ነይሩ።

ስለዚ፡ እዚ መዓት ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ቅድመኡ ዘለዎ ሓድሽ መንግስቲ፡ ነዚ መስርሕ [ዲሞክራሱያውነት] ማዕረ ክንደይ ቀዳምነት ክህቦ እዩ ክግመት ኣይከኣልን።