‘ፑቲን ሓሚሙ’ ዝበሃል ወረ ሓሶት እዩ - ላቭሮቭ

ፕረዚደንት ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፑቲን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ እቲ 'ፕረዚደንት ፑቲን ሓሚሙ'ሎ' እናተባህለ ዝናፈስ ዘሎ ወረ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ።

ሚኒስተር ላቭሮቭ ምስ ቲቪ ፈረንሳ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ፑቲን መዓልታዊ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይቐርብ ኣሎ፣ ዝዀነ ልቦና ዘለዎ ሰብ ድማ ምልክት ሕማም ክርኢ ኣይክእልን፡ ክብል ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት 70 ዓመቱ ዝመልአ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ብሕማም ጥዕና፡ ምናልባት'ውን መንሽሮ ክሳቐ ይኽእል እዩ ዝብል ዘይተረጋገጸ ግምታት ማዕከናት ዜና እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

እዚ ቃለመጠይቕ ላቭሮቭ፡ ሩስያ፡ ኣብ ዞባ ዶንባስ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ገስጋስ ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን'ዩ ተኻይዱ።

ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብቲ ቃለመሓትት፡ "ሓርነት" ምብራቓዊ ዞባ ዩክረይን፡ ንሩስያ "ቅድመ ኵነት ዘይብሉ ቀዳምነት" ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ፡ ሩስያ ስርዓት "ሓዲስ-ናዚ" ትቃለስ ኣላ ዝብል፡ ብሰፊሑ ዝተነጽገ መስመር ክረምሊን ደጊሙ ኣስሚሩሉ።

ፕረዚደንት ፑቲን ብቐጻሊ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝቐርብ ብምጥቃስ፡ ላቭሮቭ ንTF1 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ልቦና ዘለዎም ሰባት፡ ኣብቲ ፕረዚደንት ምልክታት ሕማም ክርእዩ ዝኽእሉ ኣይመስለንን፡" ኢሉ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ርእሲ'ዚ፡ "[ንፑቲን] መዓልታዊ ኣብ ስክሪን ክትከታተሎ፡ መደረታቱ ምስማዕን ምንባብን ይከኣል እዩ፡" ኢሉ።

"ዝዀነ ሰብ ከመይ ከም ዘሎ ንምግምጋም መዓልታዊ ዕድላት እናሃለዎ፡ ከምዚ ዓይነት ወረ ዝዝርግሑ ግን ንሕልናኦም እገድፎ።"

ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኸቢድ ከም ዝሓመመ ምንጭታት ስለያ ብሪጣንያ ንማዕከናት ዜና ገሊጾም ነይሮም። ይዅን እምበር፡ እቲ ሩስያዊ መራሒ፡ ጥዑይ ኣነባብራኡን ዘለዎ ፍቕሪ ስፖርትን ነዊሕ ዓመታት ክቃላሕ ጸኒሑ እዩ።

ዝዓነወት መኪና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ገለ ከተማታት ኣዕናዊ መጥቃዕቲ መዳፍዕን ሮኬትን ዝተፈጸመሉ ውግእ ብዛዕባ ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ዕንወት ዝተሓተተ እቲ ሚኒስተር፡ ወተሃደራት ሩስያ፡ "ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ መጥቃዕትን ከይፍጸም፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ትእዛዝ ከምዘለዉ፡" ኣረጋጊጹ።

ሩስያ ንዩክረይን ካብ ዝወረረትሉ 24 ለካቲት ንነጀው፡ ብውሑዱ 4,031 ሲቪላውያን ከም ዝተቐትሉን፡ 4,735 ከም ዝቘሰሉን፣ ከምኡ'ውን ብልክዕ ቍጽሮም ዘይፍለጥ ዩክሬናውያን ተቓለስቲ ከም ዝተቐትሉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። ኣብ ርእሲኡ ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተሰዱን፡ ሓያለ ከተማታት ከም ዝዓነዋን ይንገር።

ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ናብ ዞባ ዶንባስ ኣተኲሩ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም ካብ ዩክረይን ክንጸሉ ዝቃለሱ ዘለው ተገንጸልቲ ሓይልታት፡ ምስ ሩስያ ነዊሕ ዝጸንሐ ታሪኻዊ ምትእስሳር ኣለዎም። ኣብዚ እዋን ድማ ንምሉእ 'ቲ ዞባ ንምቍጽጻር ኣብ ጐድኒ ሩስያ ኰይኖም ይቃለሱ ኣለው።

ሚኒስተር ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ኣብቲ ምስ ተሌቪዥን ፈረንሳ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ "ንግዝኣታት ዶነስክን ሉሃንስክን ከም ናጻ ሃገራት ኣፍልጦ ምሃብ፡ ቅድመ-ኵነት ዘይብሉ ቀዳምነት ሩስያ እዩ፡" ኢሉ።

ይዅን እምበር፡ ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት፡ "ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይቲ ብመሰረቱ ጸላኢ-ሩስያ [Russophobic] ምዃኑ ዘረጋገጸ ስርዓት ሓዲስ-ናዚ ሕጕሳት እንተኾይኖም" [ክምለሱ] እቲ ውሳነ ናብኣቶም ዝግደፍ እዩ ኢሉ።

ሩስያ ብሓይልታት ዩክረይን ድሕሪ ምግታኣ፡ ርእሰ ከተማ ኪቭ ንምቍጽጻር ካብ ዝገበረቶ ፈተነ ንድሕሪት ክትስሕብ ተገዲዳ እያ።

ብተወሳኺ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ካብታ ካልአይቲ ከተማ ካርኪቭ ንድሕሪት ተደፊኦም ከም ዘለውን፣ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኸኣ ትማሊ ሰንበት ናብታ ዝቘሰለት ከተማ 'ሞራል-ዘበራብር' ጕዕዞ ከም ዘካየደን ተፈሊጡ።

ዘለንስኪ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወተሃደራቱ ንመሬቶም "ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰብ" ክከላኸሉ ምዃኖም ገሊጹ። "ንሳቶም [ሩስያውያን] ዕድል የብሎምን፣ ንሕና ኸኣ ክንቃለስ ኢና፡ ብርግጽ ድማ ክንዕወት ኢና፡" ኢሉ።