ኲናት ዩክረይን፡ ፑቲን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ኣጠንቒቝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝዀነት ሃገር፡ ኣብዚ ምስ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ኲናት ኢዳ ክትመልስ እንተፈቲና፡ ቅጽበታዊ ግብረመልሲ ክወሃባ ምዃኑ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቝ።
"ካልኦት ዘይውንናኦ ኣጽዋር ዓጢቕና ኢና፣ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ድማ ክንጥቀመሉ ኢና፡" ክብል፡ ነቲ ሃገሩ ዘለዋ፡ ባልቲክ ሚሳይልን ኑክሊየራዊ ኣጽዋርን ኣመልኪቱ።
ኣሜሪካ፡ ዩክረይን ንሩስያ ክትብድህ ትኽእል እያ ብምባል ብዝተተስፈወቶ ተተባቢዐን፡ መሻርኽቲ ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ነታ ሃገር ከቕርባ ይርኣያ ኣለዋ።
ምዕራባውያን፡ ሩስያ ኣብቲ ን ምብራቕ ዩክረይን ንምቍጽጻር ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ኣብ ወጥሪ ከም ዝኣተወትን ከምቲ ዝሓሰበቶ ከምዘይሰልጣን እዮም ዝገልጹ።
ሩስያ፡ ካብ ከባቢታት ርእሰ ከተማ ኪቭ ብምንስሓብ፡ ንዞባ ዶንባስ - ምብራቕ ዩክረይን - ንምቍጽጻር፡ ዝሓለፈ ሰሙን መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከም ዝጀመረት ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ነዚ ኣመልኪቱ፡ ሓይልታት ሩስያ፡ "ነቲ ክምህ ዘይብል ጽንዓት ምክልኻል ዩክሬናውያን ክጻወርዎ ኣይከኣሉን፣ ከቢድ ክሳራታት'ውን ይወርዶም ኣሎ፡" ክብል ገሊጹ።
ብኻልእ ምዕባለ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ነቲ ሩስያ ናብ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን ትሰዶ ዝነበረት ጋዝ ብምቍራጽ፡ ንእትገብሮ ዘላ ምፍርራህ ከሲሱ'ሎ።
ፕረዚደንት'ቲ ኮሚሽን፡ ኡርሳላ ቮን ደር ለየን፡ እዚ፡ ሩስያ ከም ቀራቢት ጋዝ መጠን ን "ዘይተኣማንነታ" ዘርኢ እዩ ክብል ገሊጽዎ'ሎ።
ሩስያ፡ እዚ ስጕምቲ'ዚ በቲ ሃገራት ምዕራብ ዝወስዳኦ ዘለዋ ተጻባኢ ስጕምቲታት ዝተደረኸ ምዃኑ'ያ ትገልጽ።
ፑቲን፡ ድሕሪ ኲናት ዩክረይን ብሰንኪ ዝሰዓበ ቁጠባዊ እገዳ ሃገራት ምዕራብ ንዝተራእየ ዝቕባበ ንምጽጋን፡ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን፡ ነቲ ካብ ሩስያ ዝወስዳኦ ጋዝ ብ 'ሩብል' ባጤራ ሩስያ፡ ክኸፍላ ንዘቕረቦ ሕቶ ብምንጻገን እዩ፡ እዚ ስጕምቲ ምብታኽ ቀረብ ጋዝ ስዒቡ ዘሎ።
ፑቲን፡ ኣብቲ ረቡዕ ኣብ ፒተርስበርግ ንሓገግቲ ኣካላት ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ "ዝዀነት ሃገር ኣብ ዩክረይን ኢዳ ክትመልስ እንትፈቲና'ሞ፡ ንሩስያ ስትራተጅያዊ ስግኣት ዝኸውን እንተመሲሉ፡ እንወስዶ ግብረመልሲ ዘየናሕሲ ቅጽበታዊ ክኸውን እዩ፡" ኢሉ።
"ንስለጃህራ ዘይኰነ፡ ዝዀነት ሃገር ኣለኒ ክትብሎ ዘይትኽእል ኣጽዋራት እዩ ዘለና፣ ኣብ ዘድልየሉ ኸኣ ክንጥቀመሉ ኢና።"
እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ፡ እቲ እንህቦ ግብረመልሲ እንታይ ከምዘጠቓልል ድሮ ተወሲኑ እዩ፡ ኢሉ። እንተዀነ ዝርዝር ናይቲ ሩስያ ክትወስዶ እትኽእል ስጕምታት ኣይሃበን።
ሩስያ፡ ብ 24 ለካቲት ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ተካይድ ከም ዘላ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከኣ ፑቲን፡ ኣሃዱታት ኑክሌር ሩስያ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ትእዛዝ ከም ዘሕለፈ ይዝከር።
ተንተንቲ ከም ዝብልዎ ግን፡ እዚ ብፑቲን ዝወሃብ ዘሎ መጠንቀቕታ፡ መሻርኽቲ ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ምትእትታው ንኸይገብራ ንምህዳድ ዝዓለመ ጥራይ ምዃኑ ይገልጹ።
እዚ መግለጺ ፑቲን፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ሃገራት ምዕራብ ንዩክረይን ዝወሃብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምዕባይ ዓሊመን፡ ኣብ ጀርመን ዝገበራኦ ኣኼባ ዝሰዓበ እዩ።
ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ሎይድ ኦስቲን፡ ዩክረይን ነዚ ኲናት ከም እትዕወተሉ ንኸእምን ዘይፈልቀሎ እምኒ ከም ዘየለ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንዩክረይን ዝወሃብ ሓገዝ ንምዕባይ ዝተፈላለየ መብጽዓታት ተሰሚዑ። ሓደ ካብኡ፡ ጀርመን ነቲ ዝጸንሓ ፖሊሲ ምስግጋር ወተሃደራዊ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ብምቕያር፡ 50 ጸረ ነፈርቲ ዝዓጠቓ ታንክታት ክትህብ ምዃኑ ኣፍሊጣ'ላ።
ኣብቲ ኣኼባ፡ ሰበስልጣን ሃገራት ምዕራብ ብዛዕባ ምዕባለታት ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ብምድህሳስ፡ ሩስያ ሓይልታታ ኣብ ዶንባስ ትኣኻኽብን ተሐይልን ከም ዘላ፣ ዝተወሰነ ዓወት'ውን ረኺባ ከም ዘላ ገምጊሞም።
"እንተዀነ ብመንጽር ሓቀኛ ወተሃደራዊ ዕላማ፡ ነቲ ዘይተጸዓድነት ዩክሬናውያን ክትሰብሮ ኣይከኣለትን፣ ክሳራታት'ውን ይገጥማ ኣሎ፡" ክብሉ እቶም ሰበስልጣን ይግምግሙ።
ብተወሳኺ፡ ከቢድ ዝናብ'ውን ንገስጋስ ሩስያ ገቲእዎ እዩ። "ሩስያ'ውያን ማይ እናሃረመ ክዋግኡ ኣይደልዩን እዮም፡" ብምባል ሓደ ሰበስልጣን፡ ነቲ ወተሃደራት ሩስያ ዘለዎም ድኹም ሜላታት ውግእን ቀረብ ሎጀስቲክን የመልክት።
ኣብ ማሪዮፖል ኣብ ዝተገብረ ውግእ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ዩክሬናውያን ተኸቢቦም እንከለው'ውን፡ ንሓይልታቶም ዘድሊ ኣጽዋርን ስንቅን ንምቕራብ ዘደንቕ ብልሓታት ከም ዘርኣዩ፡ ሰበስልጣን ይገልጹ።
ብተወሳኺ፡ ሩስያውያን ኣብ ዝሓዝዎ ኣገደስቲ ቦታታት ከይተረፈ፡ ሓይልታት ዩክረይን ጸረ-መጥቃዕቲ ብምግባር ቦታታት ክምንዝዑ፡ ዝድነቕ ስልቲ ውግእ ከም ዘርኣዩ፡ ይንገር።
ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዩክረይን'ውን፡ ብድሕሪ መስመር ሩስያ ብምስላዅ፣ ነቲ ነዊሕ መስመር ቀረብ ሩስያ እናበተኹ፡ ግዜ ንምኽሳብ ዘኽእሎም ስርሒታት ክገብሩ ተራእዮም እዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







